በለስ ትግራይ ይሓዊ ዶ ይበርስ?

በለስ ዝሓዘ ሰብ

በለስ፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ -ብፍላይ ኣብ ዞባታት ደቡብ ምብራቕ፡ ምብራቕን ደቡብን ብብዝሒ ይፈሪ።

ነበርቲ እዘን ከባቢታት፡ በለስ ካብ ሰነ ክሳብ ታሕሳስ ንሰብ ቀለቡ፡ ካብ ታሕሳስ ክሳብ ሓምለ ድማ ንእንስሳ ኣባያኡ እዩ ብምባል ምርኵስ መነባብሮ እቲ ህዝቢ ምዃኑ ይገልጹ።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ሓረስቶት ወረዳ ኢሮብ፡ "በለስ እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ኣብዚ ከባቢ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይምጸንሐን፤ ባዶ መሬት ክኸውን ነይሩ'ዩ። ስለዚ በለስ ህይወትና'ዩ፡" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም።

ኣብ ሜክሲኮ ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ዳልሃራ ዶ/ር የማነ ካሕሳይ'ውን፡ ብመንጽር መግብን ፋይናንሳዊ ኣታውን፡ በለስ መንብሮ ህዝቢ እዘን ከባቢታት ከም ዝዀነ የረድእ።

"በለስ፡ መግቢ ሰብ'ዩ፤ በለስ መግቢ እንስሳ እዩ። ሓጹር ገዛ ምዃን ሓዊሱ መሬት ከይሽርሸር ዝዕቅብ፡ ወቕታዊ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ጸጋ እዩ። ስለዚ ህይወት'ዩ፡" ብምባል ይገልጾ።

ትግራይ፡ ተኽሊ በለስ በብዝሒ ካብ ዝርከበሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ሓንቲ ኰይና፤ ኣብ ኤርትራ'ውን ይፈሪ እዩ።

ኣብዚ እዋን፡ 'በለስ ቴክ' ዝተባህለ ትካል፡ እቲ ንመግብነት ክውዕል ዝኽእል ተኽሊ በለስ ብምዝማን፡ ቍጠባዊ መኽስብ እቲኡ ክንድ'ቲ ዝግብኦ ኣብ ረብሓ ዘይወዓለ በለስ ንምዕባይን ንኸባብያዊ ዘላቕነት ክድግፍን ናብ ዘኽእል ሃብቲ ክቕይር ዝሕልን ምንቅስቓስ ይገብር ኣሎ።

እዚ ተመራመርቲ ተኽሊ በለስ፡ ሳይንስ ሓመድን ፍርያትን፡ ኢንጅነሪንን ቴክኖሎጂን ዝሓቘፈ ትካል፡ ኣብ ምርምርን ምዕባለን በለስ ብምትኳር ከምኡ እውን ምሕደራ ባልዕን ሕማማትን እቲ ዘርኢ ሰፊሕ መጽናዕቲ የካይድ ኣሎ።

ሓረስቶትን ኣፍረይትን፡ ምህርቲ ዝራእቲ ዘመሓይሹን ምስ ከባብያዊ ኵነታት ዝሰማምዑን ሜላታት ክመሃሩን ክቕበሉን ከም ዝሕግዞም ብምግላጽ፡ ካብ 14 ክሳብ 15 ነሓሰ 2025 ኣብ ከተማ ዓዲግራት ፈስቲቫል በለስ የሳልጥ ኣሎ።

ዘይስሩዕ ዝናብ፡ ከባቢያዊ ጸገማት፡ ድኹም ጽርየት ሓመድን ካልእ ጸገማትን ኣብ ዘለዎም ከባቢታት፡ በለስ ቀንዲ ምንጪ መግቢ ክኸውን ከም ዝኽእል ተመራመርቲ እቲ ኸባቢ ይገልጹ ኣለው።

በለስ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ገለ ክፋል እቲ ክልል ዘሎ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ክጻወሩ ዝኽእሉ ኣዝዮም ውሑዳት ኣትክልቲ ብምዃኑ ዘተኣማምን፣ ድሉውን ልዑል መኣዛ ዘለዎን ምንጪ መግቢ ከም ዝገብሮ ዶ/ር የማነ ይዛረብ።

በለስ፡ መኣዛታቱ ተመሊሶም ናብ ሓመድ ከም ዝኸዱ'ውን ተመራመርቲ ይገልጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ተኽሊ፡ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ብማእከላይ ወይ ኣዝዩ ትሑት ዝናብ ክነብር ከም ዝኽእል ክኢላታት እቲ ዓውዲ ይጠቕሱ።

ይዅን'ምበር፡ ቅድሚ 15 ዓመት ብዘይ እዅል መጽናዕትን ህጸትን ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝተገብረ 'ኮችኔያል' ዝተባህለ ሓሰኻ፡ ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ሰፍ ዘይብል ጸቕጥን ክሳራታትን ኣውሪዱ'ዩ።

እዚ ነቲ ተኽሊ ኣብ ምዕባይ ክሕግዞ'ዩ ብዝብል ንሓረስቶት ተዓዲሉ፣ እቲ ሓሰኻ ኣብ መጀመርታ ረብሓኡ ብግብሪ ተራእዩ'ኳ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ግን ኣብቲ ክልል ዝርከብ ምህርቲ በለስ ኣብሪሱ።

ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዙርያ በለስ ምርምር ዘካይድ ዘሎ ዶ/ር የማነ ካሕሳይ፡ ብሰንኪ እዚ ሓሰኻ ዘርኢ ዝወረደ ዕንወት ዝነግር ኣሃዛዊ መጽናዕቲታት'ኳ እንተዘይተኻየደ፡ ካብ 80 ክሳብ 100 ሽሕ ሄክታር ግን በሪሱ'ዩ ኢሉ።

እቲ ሓሰኻ ኣብ 2010/11 ናብ ገባሮ ምስ ተዓደለ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኰይኑ ብዞባ ደቡብ ዘሎ በለስ ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ከጥፍኦ እንከሎ፡ ካብ ደቡብ ምብራቕ ክሳብ ዞባ ምብራቕ -ምሉእ ክልተ ኣውላዕሎ - ብዙሕ ኣብሪሱ'ዩ።

"እዚ ማለት ካብ ጠቕላላ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓደ ሲሶ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ሓደ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ፡ ብደረጃ ክሳብ ክልተ ሲሶ ዓመታዊ ኣታዊ ስድራቤታት ከም ዝተጐድአ እዩ። ምኽንያቱ [በለስ] ቀለብ ብዕራይ ስለ ዝዀነ፡ [ክበርስ ከሎ] ሕርሻ እዩ ዝህሰ። ጸባ ዝህባ ከብቲ ኣለዋ- ነዚ ብዘይምርካበን ካብአን ዝርከብ እቶት ይስኣን ኣሎ ማለት'ዩ፡" ብምባል ኣረዲኡ።

ኣብ 2019 ዝወጽኡ ጸብጻባት፡ ስድራቤታት ኣብ ዓመት ኣስታት 350 ዶላር ካብ መሸጣ ምህርቲ በለስ ይረኽቡ ከም ዝነበሩ የመልክት። እዚ ኣብ ሓረስቶት ኢትዮጵያ እቲ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ እዩ።

ድሕሪ እዚ ሓደጋታት፡ ዝርግሐን ሳዕቤንን ኮችኔል ንምዕጋትን ንምቍጽጻርን ጻዕሪታት ክግበሩ ጸኒሖም።

እንተዀነ፡ ኣብ እዋን እቲ ምኽንያት ሞትን ምዝንባልን ሚልዮናት ሰባት ዝዀነ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣብ ተኽሊ በለስ ዝነበረ ባልዕ ብሰለስተ ዕጽፊ ተዛሚቱ ከም ዝተራእየ ዶ/ር የማነ ሓቢሩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ጐንጺን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕብር።

'በለስ ቴክ'፡ ንገባሮ ስልጠናታት ብምሃብ እቲ ባልዕ ምቍጽጻር ከም ዝክኣል ብምግላጽ፡ ኣብዚ እዋን ነቲ ባልዕ ሓሰኻ ዓሌታት ካብ ሜክሲኮ፡ ፔሩን ኣመሪካን ዝበላ ሃገራት የተኣታቱ ከም ዘሎ ይግለጽ።

በዚ መሰረት ለውጢ ክመጽእ ይኽእል'ዩ ዝብል እምነት ዘለዎ እቲ ተመራማሪ፡ "ኣብዚ እዋን ለውጢ ዘምጽኡ ኣንፈታት ሒዝና ኣለና እምበር ለውጢ መጺኡ እዩ ክብሃል ግን ኣይክእልን፡" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ሙቐት እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ፡ ደርቂ ኣብ ዝበዝሓሉ ግዜ ከም በለስ ዝበለ ዓይነት ተኽሊ ወሳኒ ንውሕስነት መግቢ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ይእመነሉ።

ካብ ሒደት ዓመታት ናብዚ ጀሚሩ ቻይናን ጃፓን ዝርከብአን ሃገራት ኤስያ፡ ብሰፊሑ ተክሊ በለስ የልምዓ ኣለዋ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ በለስ ኣብ ተደረቕቲ ከባቢታት 'ስትራተጂክ' ዝበሃል ተኽሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጽ ዶ/ር የማነ፡ ብዝሑን ጽርየቱን ክዓቢ ብምግባር፡ ኣብ ምልማዕ ካብ ዝነበሮ ብምምሕያሽ - ካብ ምፍራይ ክሳብ ምምጋብ ዘሎ - ዋጋ ክውሰኾ ብምግባር ሰፊሕ ረብሓ ክርከብ ከም ዝኽእል የረድእ።

በለስ ክሳብ ሕዚ ንምንታይ ውዒሉ?

በለስ ኣብ ፋብሪካ እናተሓጽበ

እዚ ራሕስን ዝናብን ኣብ ዝውሕዶም ከምኡ'ውን ሓውሲ ኣጻምእ ከባቢታት ብብዝሒ ዝፈሪ ተኽሊ፡ ካብ መግብነት ሓሊፉ፡ ምጉሕጓሕ መሬት ኣብ ምክልኻል ዘይነዓቕ ግደ ኣለዎ፤ ብተወሳኺ ንነዳድን ተሓዳሲ ጸዓትን ይውዕል።

እንተዀነ እዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ በለስ ንዕብየቱን ሃለዋቱን ዝውሃቦ ትዅረት ትሑት ብምዃኑን ንዝሓለፉ ዓመታት ብኩችኔል ስለ ዝተጠቕዐን፡ ብዙሕ ካብቲ ተኽሊ ዝፈርዩ ውጽኢታት ምርኣይ ኣይተለመደን።

እዚ፡ ምሕደራኡ'ውን ባህላዊ መገዲ ብምዃኑ ክንድቲ ዝድለ ካብኡ ክርከብ ዝኽእል ጥቕሚ ምጥቃም ኣይተኽኣለን።

ብ2005 [ኣ.ግ] ጸጋ ገብረኪዳን ዝተባህለት መሃዚት ስራሕ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ በለስ ማርማላታን ኩኪስን ብምፍራይ ናብ ዕዳጋታት ክተቕርብ ጸኒሓ'ያ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ተመራማሪት ዶክተር ዘቢብ ዮኑስ ካብ በለስ ተሓዳሲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምምንጫው ክትመራመር ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።

በዚ ኣብ 2019 ፈላመይቲ ኢትዮጵያዊት ተመራማሪት ተሸላሚት ፍሌየር ኰይና ነይራ።

ኣብታ ተኽሊ በለስ ንዝተፈላለየ መዓላታት ተውዕሎ ዘላ ሃገረ ሜክሲኮ ድማ ተመራማሪት ሳንድራ ፓስኮ ኦርቲዝ፡ ንከባቢ ዘይጎድእን ቀልጢፉ ክብስብስ ዝኽእልን ፕላስቲክ ኣብ ምፍራይ ገልዒ በለስ ተጠቒማ'ያ።

ጸጋ ኣብ 2020 ምስ ቢቢሲ ኣብ ገዝበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ ብምትሕብባር ፋኦን ሚኒስቴር ሕርሻን ኣብ ጣሊያን ምስ ዘርከብ ሓደ ዓብዪ ሱፐር ማርኬት ምትእስሳር ዕዳጋ ተፈጢሩላ፡ 4ሽሕ ዝኣክል ጠርሙዝ ማርማራታ ልኢኻ ምንባራ ገሊጻ ነይራ
መግለጺ ስእሊ, ጸጋ ኣብ 2020 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ ብምትሕብባር ፋኦን ምኒስቴር ሕርሻን ኣብ ጣሊያን ምስ ዘርከብ ሓደ ዓብይ ሱፐር ማርኬት ምትእስሳር ዕዳጋ ተፈጢሩላ፡ 4ሽሕ ዝኣክል ጠርሙዝ ማርማላታ ልኢኻ ምንባራ ገሊጻ ነይራ

ኣብ 2010 ዓ.ም ናብ ስራሕቲ ማኑፋክቸሪንግ ዝተዋፈረ ኣማኻሪ ንግዲን ፋይናንስን ኣስገዶም ተወልደ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ካብ ዘሎ ፍረ በለስ፡ ዘይቲ ብልዒን ጸጕርን ብውሑድ መጠን የፍሪ ኣሎ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ "ናይ በለስ ቅብኣት ብዙሕ ፕሮሰስ እዩ ዝግበር። ሓደ እቲ ፍረ በለስ ንክትረክብ እቲ ጽማቕ ክትኣልዮ ኣለካ፡ እዚ ንማርማላታ ዘፍርዩ ወይ ብጽማቝ መልክዕ ዝሽየጥ ክኸውን፡" ኣለዎ።

ኣብቲ ከባቢ፡ ለማጽ፡ ኣሻዅ፡ ዝበሉ ልዕሊ ሰለስተ ዓይነታት በለስ ከም ዘለው ዝገልጽ ኣስገዶም፡ እዚኦም ምቁራት ዝበሃሉ ናይ ሽኮር ትሕዝቶኦም ግን ትሑት ዝዀኑ ምዃኖም ጠቒሱ።

"እቲ ፍረ ንክትረኽቦ ብዙሕ በለስ ኢኻ ተውጽእ፣ ሓደ ኩንታል ፍረ ንክትረክብ ኣዝዩ ብዙሕ በለስ ኢኻ እትሓጽብ ወይ ጸሚቕኻ እተውጽኦ፤ ካብ ሓደ ኩንታል ድማ ካብ 3-5 ሊትሮ ዘይቲ ኢኻ ትረክብ- ውሑድ እዩ፡" ይብል ኣካያዲ ስራሕ ታበብ ፋብሪካ ዘይቲ ኣስገዶም።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ዋጋ ካብ ፍረ በለስ ዝስርሑ ቅብኣታት ኣዝዩ ክቡር'ዩ።

ኣብ ዓለም ልዕሊ 200 ዓይነታት በለስ ኣለው። እዚኦም ብሕብሪ ዝተፈላለዩ ኰይኖም፡ ቢጫ፣ ሮዛን ጻዕዳን ሕብሪ ፍረ ብብዝሒ ከፍርዩ ይስትውዓል።

ፍረ ተኽሊ በለስ፡ 24 ሚእታዊት መዓልታዊ ክንወስዶ ዝግብኣና ቫይታሚን ሲ፡ ካልሸየም፡ ማግኔዥየም፡ ፖታሽየምን ኮፐርን ዝሓዘ ምዃኑ ድማ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

ቅድሚ ኣስታት ሸውዓተ ዓመታት፡ ብስም ማሕበር በለስ ዓጋመ ዝተወደቡ መንእስያት ናብ ዕዳጋ እስራኤል በለስ ክልእኹ ጀሚሮም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ተኽሊ በለስ ማሕበራዊ ጸገማት [ሽቕለት ኣልቦነትን ስደትን] ኣብ ምፍታሕ፣ ወጻኢታት ኢንዳስትሪ ኣብ ምንካይንን ከባቢያዊ ውሕስነት ኣብ ምርግጋጽን ሓጋዚ ተራ ከም ዘለዎ ይእመን።

እዚ፡ ኣብ ትግራይ ካብቶም ብዝግባእ ኣብ ረብሓ ዘይውዓሉ ምዃኑ ዝገልጽ በለስ ቴክ፡ ንሕርሻ ገልዒ በለስ ናብ ዘላቒ ቍጠባዊ ምንቅስቓስ ንምቕያር፣ ምህዞ ንምዕባይን ከባብያዊ ምሕደራ ንምድንፋዕን ክሰርሕ ምዃኑ የመልክት።