ኣዘራረቢ ውህሉል ደሞዝ መምህራን ትግራይን ዝተዋህበ ሓድሽ ውሳነን

ምንጪ ስእሊ, DW
ኣብ ትግራይ መምህራን መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ 17 ኣዋርሕ [እዋን ኲናት ትግራይ] ውህሉል ደሞዝ ስለዘይተኸፈሎም ንዝተፈላለዩ ጸጋማት ከምዝተቓልዑ ይፍለጥ።
ብፍላይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት [ታሕሳስ 2016 ዓ.ም.ግ] እቶም መምህራን ሰፊሕ ኣድማ ኣካይዶም ምንባሮም ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ምምሃር ምስትምሃር ዳርጋ ክሳብ ምቍራፅ በፂሑ ነይሩ።
ውህሉል ደሞዝ መምህራን ክኽፈል ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዝተወሃበ ውሳነ ዛጊድ ብዘይምፍፃሙ፡ ማሕበር መምህራን እቲ ክልል ክሲ ኣፈጻጽማ መስሪቱ፡ እቲ ጉዳይ ብፍታብሄር ክርአ ጸኒሑ፣ ትማሊ ሰሉስ ድማ እቲ ቤት ፍርዲ ብይን ኣሕሊፉ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ባሕቲ ሓምለ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ፡ ብሽም ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃብትን ትግራይ ኣብ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝርከብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ሚልዮን ብር ከይንቀሳቐስ ዝኣገዶ ገንዘብ፡ ንመምህራን ክኽፈል ትማሊ ወሲኑ።
ቤት ፍርዲ፡ ንክሲ ኣፈፃፅማ ውህሉል ደሞዝ መምህራን ብ 15 ሓምለ 2017 [ግ] ኣብ ዝነበሮ መጋባእያ፡ ብወገን ከሰስቲ [ጠበቓታት ማሕበር መምህራን] ዝቐረበ ጥርዓንን መልሲ ተኸሰስትን ሰሚዑ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ኣፈፃፅማ ውሳነ ነቲ ዕለት ተለዋጢ ቈጸራ ሂቡ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብቲ ዝወዓሎ መጋባእያ ድማ፡ እቲ ተኣጊዱ ዝነበረ ገንዘብ፡ ንመኽፈሊ ውህሉል መሃያ መምህራን ክውዕል ከምዝኣዘዘ ማሕበር መምህራን ትግራይ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣረጋጊፁ።
ምክትል ኣደመንበር ማሕበር መምህራን ትግራይ ዝዀነት፡ወይዘሮ ንግሰቲ ጋረድ፡ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ " ኣብቲ ሎምዓንቲ ዝወዓለ መጋባእያ ኣብ ትግራይ ልዕልነት ሕጊ ክኽበር ዝጀመረሉ መዓልቲ መሲሉ እዩ ተሰሚዑኒ። ከም ማሕበር ድማ ኣብዚ ብርኪ እዚ ክንበፅሕ ምኽኣልና ዓብዪ ዓወት እዩ" ኢላ።
እቲ ንዓሰርተታት ኣሽሓት መምህራን እቲ ክልል ዝፀሉ ብይን፡ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ዝብል እምነትዶ ኣለኪ ብዝብል ንዘቕረብናላ ሕቶ እንክትምልስ፡ "መንግስቲ ትግራይ ባዕሉ ዘውፀኦ ሕጊ ተግባራዊ ክግበር እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ" ክትብል ተዛሪባ።
እቲ ባንኪ ብቐጥታ ንወረዳታት ኣብያተ ትምህርቲ ከከፋፈል ከምዝተወሰነ'ውን ወሲኻ ኣረዲኣ።
ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ 17 ኣዋርሕ ንመምህራን ክኽፈል ዝግበኦ ጠቕለላ ገንዘብ ናብ 5 ቢልዮን ብር ዝኣክል ከምዝዀነ እትዛረብ፡ እታ ምክ/ሓላፊት፡ "እዚ ናይ ሎሚ ውሳነ ፅቡቕ እንተዀነ'ውን ጅማሮ ጥራይ እዩ፤እቶም መማህራን ብሰንኪ እዚ ውዝፍ ክፍሊት ዛጊድ ንዕዳን ዕንድዳን ተቓሊዖም እዮም ዝርከቡ" ክትብል ወሲኻ ተዛሪባ።
"ካብ መጀመርታኡ'ውን መንግስቲ ትግራይ ድልውነት ስለዘይነበሮ ኢና ናብ ሕጊ ኬድና" ዝበለት ወይዘሮ ንግስቲ፡ ሕዚ'ውን እቲ ማሕበር እቲ ዝተረኽበ ተስፋ ሒዙ፡ እቲ ዝተረፈ ውዝፍ ዝኽፈለሉ መንገዲ ከናዲ ክቕፅል ምዃኑ ኣንፊታ።
"እታ ናይ ሕዚ ክፍሊት እንተበዝሐት ንነፍስወከፍ መምህር ነናይ ክልተ ወርሒ እንተበፅሐቶ እያ፤ እዚ ምስቲ ዘይተኽፍለ እንትነፃፀር ሰማይን መሬትን እዩ፤ እቲ ዝበዝሕ እዩ ዝተርፎ፤ እቲ ብይን ግን ናይ 17 ኣዋርሕ ክኽፈሎም ኣለዎ ዝብል እዩ፤ ስለዚ፡ንብረት ይዅን ካልእ ተሸይጡ'ውን እንተዀነ፡ ክፍሊት ዝፍፀመሉ ኵነታት ክሳብ ዝፍጠር ቃልስና ክንቅፅል ኢና" ኢላ።
መንግስታዊ ኣባይቲ መንበሪ ይዅን፡ እቶም ሰበስልጣን ዝኸዱለን ዝበለተን መካይን ተሸይጠን እንተዀነ'ውን መንግስቲ፡ ዕዳ መምህራን ክኸፍል ክግደድ ሓቲታ።
ከምኡ'ውን፡ዝዀነ ናብቲ ዝተኣገደ መንግስታዊ ሕሳብ ዝኣቱ ሓድሽ ገንዘብ ክኽፈሎም ክሓቱ ምዃኖም ገሊፃ ኣላ።
ኣብቲ ሰሉስ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ''ድሕሪ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ሕሳባት ባንኪ ግ/ም/ትግራይ ዝነበረ ገንዘብ ክጎድል ተገይሩ'' ዝብል ጥርዓን'ውን ከምዝተርአየ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ኣብ ዘካየዶ መጋባእያ፡ ካብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝመፀን ካብ ሕሳባት ግ/ም/ትግራይ ተንቀሳቒሱ ዝተበሃለ መጠን ገንዘብ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም. እምበር ካብ ባሕቲ ሓምለ [እቲ እገዳ ካብ ዝመሓላለፍ ንደሓር] ጀሚሩ ከምዘይኮነን ዝገልፅ መረዳእታ ከምዝዀነ እዩ ተመልኪቱ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ካብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃብትን ዝመፀ ደብዳበ እውን ርእዩ።
እቲ ደብዳበ፡ ሕሳብ ባንክ እቲ ቢሮ ድሕሪ ምእጋዱ ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ ዝስርሑ ስርሓት ጠጠው ከምዝበሉን፡ ካብ ፈደራል ክመፅእ ዝነበረ ባጀት ዕንቅፋት ከምዝገጠሞን ብምግላፅ እቲ እገዳ ንኽልዓል ዝሓትት ነይሩ።
ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ የማነ ፀጋም ክትዓት ሰሚዖም ተኸሰስቲ ብሓደራ ዝተቐመጠ ገንዘብ እዩ እናበሉ ክካትዕሉ ዝቐነዩ ገንዘብ ሕጂ ድማ ''እቲ ገንዘብ ንስራሕ መካየዲ ክንጥቀመሉ እግድ ይልዓለልና'' ምባሎም ንባዕሉ ዝዋቓዕን ዘይብቑዕን ምኽንያት እዩ ብምባል፡ ነቲ ሕቶ ውዱቕ ከምዝገበሩ ተፈሊጡ።
በዚ መሰረት፡ ዳያኑ ኣብ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝርከብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ሚልዮን ብር ብቐጥታ መኽፈሊ ደሞዝ መምህራን ክውዕል ናይ መወዳእታ ውሳነ ሂቦም።
ዳያኑ እቲ መጋባእያ ወሲኾም፡ እቶም ጠበቓታት ከሰስቲ፡ ንክፍሊት መሃያ ይውዓል ዝተበሃለ መጠን ገንዘብ ንኽንደይ መምህር ክንደይ መጠን ገንዘብ ከምዝብጽሖ ቀሚሮም ከቕርቡን ዝረኸቡዎ ተንቀሳቓስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት ተኸሰስቲ እንተሃልዩ ኣነጺሮም ከቕርቡን ንሓምለ 29/2017 [ግ] ተለዋጢ ቈጸራ ከምዝሃቡ ተፈሊጡ።
እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ተምሃሮን ልዕሊ 48 ሽሕ መምህራንን ካብ ምምሃር ምስትምሃር ወጻኢ ክዀኑ ከምዝገበረ ካብ ምኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ትግራይ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ መምህራንን ተምሃሮን ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ኣሸሓት ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝዓነዋን ሂዩማራይትስ ዎች የመልክት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







