ትግራይ፡ ን17 ኣዋርሕ ዘይተኸፍለ ደሞዝን ዝቐፀለ ኣድማ መማህራንን

ኣደባባይ ሮማናት መቐለ

ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ መምህራን መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ 17 ኣዋርሕ ውህሉል ደሞዝ ስለዘይተኸፈሎም ኣድማ ካብ ዝገብሩ ሰለስተ ሰሙን ኰይኑ'ሎ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብቲ ኣድማ ዝተሳተፉ መምህራን ናብ ስርሖም ክምለሱ ኣተሓሳሲቡ።

ብሰንኪ ኣድማ እቶም መምህራን፡ ኣብ ኣስታት 33 ኣብያተ ትምህርቲ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ተሰናኺሉ ይርከብ። ምንጭታት ቢቢሲ ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ኣርባዕተ ክፍለ ከተማታት መቐለ ምሉእ ብምሉእ ትምህርቲ ደው ኢሉ’ሎ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም መምህራን ናይ 17 ኣዋርሕ ደሞዝ ስለዘይተኸፍለሎም "ንዓቢ ቍጠባዊ ብድሆ" ከምዝተቓልዑ ይገልጹ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ መምህር ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ነቲ ክፍሊት ውህሉል ደሞዝ ብዝምልከት ምስ ሰበስልጣን እቲ ክልል ኣኼባታት ከምዝተኻየደ ኣዘኻኺሩ።

"ኣብ መስከረም ካብ ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ክፍለከተማታት ክሳብ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተስፋ ዝህቡ ነገራት ነይሮም" ዝበለ እቲ መምህር፡ ድሕሪ’ቲ ኣኼባ ደሞዝ ከምዝኽፈል እምነት ከምዝነበሮም ይገልጽ።

"ሕቶና ብስርዓት ኢና ከነቕርብ ጸኒሕና። ጭቡጥ መልሲ ግን የለን" ዝብል እቲ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ መምህር፡ "ካብ [ትካል ውህለላን ልቓሕን] ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዝለዓሉ ሕቶታት [ክፍሊት] ግን ንህይወት መምህራን ይፍትንዎ ኣለዉ" ክብል መምህራን ንዘለዉሉ በዳሂ ኵነታት ኣረዲኡ።

"እቲ ዘለና እንኮ ኣማራጺ ስደት ስለዝዀነ ኢና ኣድማ ኣካይድና" ክብል’ውን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ደሞዝ መምህራን ካብ ቀደሙ ናብ ሕቶ ዘይኣቱ ምዃኑ ዝሓበረ ካልእ መምህር ብወገኑ፡ "ኣብ መወዳእታ ትዕግስቱ ወዲኡ፤ ምኽባር ዋጋ መነባብሮ፡ ክራይ ገዛን በብእዋኑ ዝቀያየር ዘሎ ኵነታት ዕዳጋን ክጻወሮ ኣይከኣለን። ሓሚሙ ክሕከም ከምኡ’ውን ንደቁ ድማ ብግቡእ ከዕብዮም ናብ ዘይክእለሉ ኵነታት ስለዝበጽሐ እዩ ኣድማ ኣካይዱ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቶም መምህራን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ከም በዓል ደደቢት ማይክሮፋይናንስ ዝኣመሰሉ መንግስታዊ ትካላት ዝወሰድዎ ልቓሕ ክመልሱ ኣይከኣሉን።

ዕዳ ክራይ ገዛ ከምዘለዎም ዝገልጹ እቶም መምህራን፡ እንተወሓደ ቀስ ብቐስ እቲ ውህሉል መሃያኦም ክኽፈሎም ምሕጽንታ የቕርቡ።

ምሕጽንታኦም ሰማዒ ከምዝሰኣነ ዝገልጹ ገለ መምህራን ድሮ ገጾም ናብ ካልኦት ሞያታት የቕንዑ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

"ብዅነታት ተገዲዱ ሞያኡ ዝቐየረ መምህር፡ ኣብ ጐደናታት ንግዲ ዝጀመረን መዓልታዊ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝሰርሕን መምህር ኣሎ። በዚ ደሞዝ መነባብሮኡ ክመርሕ ስለዘይከኣለ ተስፋ ኣብ ዝቘርጸሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ" ክብል ሓደ መምህር ነቲ ኵነታት ኣብሪሁ።

ካልእ መምህር ድማ “ደሞዝና ነቲ ካብ ኣዝማድ ኮነ ካብ መኽዘናት እኽሊ ዝተለቃሕናዮ ልቓሕ ንምኽፋል እኹል ኣይኰነን። ነዚ እንኸፍለሉ መንገዲ እንተዝፍጠር ነቲ ኣብ ሞራልና ዝፍጠር ጸቕጢ ምነከየልና ነይሩ። ሕጂ ግን ዘማርርን ዝሓዝንን መምህር እዩ ዝፍጠር ዘሎ። በዚ ኵነታት ከኣ ተምሃሮን ሕብረተሰብን እዮም ዝህሰዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ጉዳይ ንሰበስልጣን ክልል ትግራይ ንምዝርራብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰመረን። ይዅን እምበር ቢሮ ፋይናንስ እቲ ክልል፡ ካብ ፈደራል መንግስቲ በጀት ስለዘይተልኣኸ ንዘጋጠመ ናይ 300 ሚልዮን ብር ጉድለት በጀት ስዒቡ ነቲ ውዙፍ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ክኸፍል ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ’ሎ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ብወገኑ ኣድማ ዝገበሩ መምህራን ናብ ስርሖም ክምለሱ ከም ዝግባእ ኣስሚሩሉ።

"እቲ ሕቶ ቅኑዕ እዩ . . . ምሕታትኩም ቀጽሉ፤ ግን ከኣ 'ስራሐይ ገዲፈ እየ ዝሓትት' እንተተባሂሉ ትግራይ እያ ትጉዳእ። እቲ ዝበጽሓና ጉድኣት ዘይኣክል ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ተወሳኺ ጥፍኣትን ጉድኣትን ምፍፃም ግቡእ ኣይኰነን” ኢሉ።

ቤት ጽሕፈቶም ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ፈደራል ክዘራረብ ይጽዕር ከምዘሎ ዝጠቐሰ ዶክተር ኪሮስ፡ መምህራን ነዚ ተገንዚቦም ናብ ስራሕ ክምለሱ ጸዊዑ።

ተሌቪዥን ትግራይ ንሓላፊት ቢሮ ፋይናንስ እቲ ክልል ዶክተር ምሕረት በየነ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ባጀት ፈደራል መንግስቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ከምዝተላእከ ኣመልኪቱ።

ብሰንኪ'ቲ ዝተፈጠረ ቅልውላው ደሞዝ ሰራሕተኛታት ንምኽፋል ካብ ፈደራል መንግስቲ ልቓሕ ከም ዝሓተተ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።