ትግራይ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ዝተኸልከሉ ፖለቲከኛታት ኣብ መቐለ ክነካይዶ ኢና ይብሉ

ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ

ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ጸዊዖም ብመንግስቲ ዝተኸልከሉ ፖለቲከኛታት፡ ዝመጽእ ሰንበት ኣብ መቐለ ተመሳሳሊ ሰልፊ ከካይዱ ምዃኖም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ኣተሓባበርቲ ነቲ ሰልፊ ከም ዘካይዱ ንምምሕዳር ከተማ መቐለ ከም ዘፍለጡ'ኳ እንተሓበሩ፡ ምምሕዳር እታ ከተማ ግን "ዝካየድ ሰልፊ የለን" ኢሉ’ሎ።

ዝመጽእ ሰንበት 21 ታሕሳስ 2016 [ግእዝ] ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ክካየድ ንዝተወጠነ ሰላማዊ ሰልፊ ዘወሃህዱ ዘለዉ ድማ እቶም ብ30 ሕዳር 2016 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተሓሲቡ ንዝነበረ ህዝባዊ ሰልፊ ዝጸውዑ ልዕሊ ዓሰርተ ፖለቲከኛታት እዮም።

ካብኣቶም ድማ መራሒ ህዝባዊ ኣብዮታዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ (ኢህኣፓ)ን መራሒ ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣፍልጦ ዝረኸበ ውድብ ፖለቲካ ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታን ይርከብዎም።

ኣባላት ሰልፊ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ነበር ኣቶ የሽዋስ ኣሰፋን ኣቶ ናትናኤል መኮነንን ሓዊሱ ኣብዚ እዋን ብውልቆም ዝንቀሳቐሱ ካልኦት ፖለቲከኛታት ኣባላት ኣወሃሃዲ ኮሚቴ ሰልፊ እዮም።

እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጸዊዑ ዝነበረ ሰልፊ ግዚኡ እናኣኸለ ምስመጸ ካብ መንጐ እቶም ፖለቲከኛታት ኣርባዕቲኦም ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዝከር።

ሽዑ ከኣ እቶም ኣዳለውቲ ብሰንኪ “ካብ መንግስቲ ዝበጽሖም ጸቕጢ" ነቲ ሰልፊ ከናውሕዎ ከምዝተገደዱ ኣፍሊጦም ነይሮም።

ይዅን እምበር እቲ ኮሚቴ ኣብ ትግራይ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ "ምስቲ ኣብ ማእከል ዘሎ ተዋዲዱ ዝሰርሕ ጕጅለ" ኣብቲ ክልል ከምዘቘመ ኣባል እቲ ኮሚቴ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዝናቡ ኣበራ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካልእ ኣተሓባባሪ እቲ ሰልፊ ዝዀነ ኣቶ ይሳቅ ወልዳይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብዘይካ’ቲ ናይ መቐለ ኣብ ካልኦት 7 ከተማታት እውን ንምክያድ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ብምሕባር ምድላው መቐለ ግን ድሮ ተዛዚሙ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብታ ከተማ ዘሎ ንኡስ ኮሚቴ ንዕለት 5 ታሕሳስ 2016 ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካይድ ንቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ መቐለ ብደብዳበ ከምዘፍለጠ ኣቶ ይሳቅ ተዛሪቡ።

ትሕዝቶ እቲ ሰልፊ እንታይ’ዩ?

ብቢቢሲ ካብ ኣዳለውቲ ረኺቡ ዝረኣዮ ደብዳበ፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝካየድ ዘሎ ብቐንዱ ሰለስተ ሕቶታት ንምልዓል ብምዕላም ምዃኑ የረድእ።

ኣብቲ ደብዳበ ዝሰፈረ ቀዳማይ ሕቶ "ተጋሩን ካልኦት ብሰንኪ መንነቶም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዘለዉ ብሄራት ይፈትሑ" ዝብል እዩ። ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ምግባር እውን ካልእ ካብ ጠለባት እቲ ሰልፊ ይርከቦ።

ኣብቲ ሰልፊ ክለዓል እዩ ዝተበሃለ ካልእ ሕቶ ድማ ኲናት ከብቅዕ ይጠልብ።

ኣብቲ ብሰለስተ ኣተሓባበርቲ ሰልፊ ዝተፈረመ ደብዳበ "ኵሉ ሃገራውን ክልላውን ፖለቲካዊ ፍልልያትን ጸገማትን ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕ ኣለዎ" ዝብል ሓሳብ ኣሎ።

እዚ ኣብ መቐለ ዝርከብ ብልሙድ ‘ሮማናት’ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ኣደባባይ መበገሲኡን መዛዘሚኡን ዝገብር ሰላማዊ ሰልፊ፡ "ኣስታት 100 ሽሕ" ነበርቲ ክሳተፉሉ ትጽቢት ከምዘሎ እቲ ዳብዳበ የመልክት።

ኣደባባይ ሮማናት መቐለ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ደብዳበ ዝተጠቐሱ ኣተሓባበርቲ ሰልፊ ኣቶ ኣማኑኤል ሓድሽ "ንቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ መቐለ [እቲ ሰልፊ ከምዝካየድ] ሓቢርና ኣለና። እወታዊ ምላሽ ኢና ረኺብና። ነቲ እወታዊ ምላሽ መሰረት ብምግባር ድማ ምድላዋት ንገብር ኣለና" ብምባል ምምሕዳር እታ ከተማ ደብዳበኦም ከምዝበጽሖ ሓቢሩ።

ካልእ ኣተሓባባሪ እቲ ሰልፊ ኣቶ ኢሳቕ ወልዳይ ድማ “ኣብ [ትሕቲ] ናይቲ ዘቕረብናዮ ደብዳበ እዩ ምላሽ ተዋሂቡና ዘሎ። ፊርማን ጽሑፍን ኣብቲ ደብዳበ እዩ ተዋሂቡ" ክብል ካብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ እታ ከተማ ምላሽ ዝረኸቡሉ መገዲ ኣብሪሁ።

ቢቢሲ ኣብ ዝረኣዮ ደብዳበ ታሕተዋይ ክፋል "ምስ ትካላት ጸጥታ ብምርድዳእ፤ ነቲ ኣብ ዝተመደበ ቦታን ግዜን ዝተትሓዘ ፕሮግራም ብምርግጋጽ፤ ነቲ ሕቶ ከምዝተቐበልና ነፍልጥ” ዝብል ጽሑፍ ምስ ፊርማ ሰፊሩ’ሎ።

ይዅን እምበር እዚ መልሲ ብሓቂ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝተወሃበ ድዩ ኣይኮነን ቢቢሲ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብቢቢሲ ዝተሓተተ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣቶ ይትባረክ ኣምሃ ኣብዚ እዋን ኣብታ ከተማ ከምዘየሎ ብምግላጽ መልሲ ክህበሉ ከምዘይክእል ኣፍሊጡ።

ቢቢሲ ካብ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ድሕንነትን ከተማ መቐለ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ እውን ኣይሰለጠን።

ይዅን እምበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ከተማ መቐለ ኣብቲ ዝተጠቐሰ መዓልቲ ዝካየድ ሰልፊ ከምዘይህሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፁ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝጠቅዖ ደብዳበ "ኣብ ከተማ መቐለ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘየለ እናሐበርና፡ ካብዚ ብምብጋስ ኣካላት ጸጥታ ጥቡቕ ምክትታል ክገብሩ ነፍልጥ" ብምባል እቲ ሰልፊ ብምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፍልጦ ከምዘይተዋህቦ ኣመልኪቱ።

ኣተሓባበርቲ እቲ ሰልፊ ኣቶ ኢሳቕን ኣቶ ኣማኑኤልን ነዚ ደብዳበ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዝረኣዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቲ ደብዳበ ግን ኣብቲ ክልል ንዝንቀሳቐሳ ትካላት ሚድያ ከምዝተጻሕፈ ብምጥቃስ "ናባና ዝኣተወ ደብዳበ የለን" ኢሎም።

ኣዳለውቲ፡ እቲ ሰልፊ ሰንበት ንምክያድ ዘድሊ ናይ ቅድመ ምድላው ስራሕቲ የሳልጡ ከምዘለዉ ብተወሳኺ ኣፍሊጦም ኣለዉ።