ምትፍናን ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ናበይ ከምርሕ እዩ?

ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ጌታቸው ረዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ንኣርባዕተ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኣብቲ ክልላዊ ምምሕዳር ካብ ዝነበሮም ሓላፍነት ምስጓጉ የዘራርብ ኣሎ።

ካብቶም ካብ መዝነት መንግስቲ ዝተኣለዩ ላዕለዎት ኣመራርሓ፡ ኣባል ፈጻሚት ህወሓትን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ውድብን ኣለም ገብረዋህድ ዝርከቦም ኰይኑ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ እዮም።

ቅድም ክብል’ውን፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ላዕለዎት ካድረታት ህወሓት ኣብ መቐለ ኣኼባ ከካይዱ ምስ ፈተኑ ‘መንግስቲ ዘይፈልጦ’ ብምባል ከልኪሉዎም፤ ንገለ ኣመሓደርቲ ዞባታት እውን ካብ ሓለፍነቶም ምእላዩ ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ እዋን ግን፡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፀጥታ ዝርከብዎ ሓፈሻዊ ኣኼባ ይካየድ ከምዘሎን፡ ‘ካብ ህዝቢ ንመኸተ ዝተኣከበ ገንዘብ ኣበይ ኣትዩ?’ ዝብል፡ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳታት ምዃኑ ካብ ውሽጣዊ ምንጭታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

እቲ ምትፍናን፡ ናበይ ክወስዶም ይኽእል? እንታይ’ከ የስዕብ ይኸውን? ክንብል፡ ንገለ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉ ተዓዘብቲ ሓቲትና ኣለና።

እንታይ እዩ ዘባእሶም ዘሎ ?

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ሕጊ ሸዊት ውዳሴ፡ “እቲ ኣጀንዳ ናይ ትግራይ ኣይኰነን፤ ከምቲ ዝተለምደ ኣብ ውሽጦም ዘሎ፡ ናይታ ቑራስ ትግራይ ናይ ክልል ወንበር ንሕንሕ [ውድድር] ከም ዘሎ’ዩ ዘርእየከ” ይብል።

“ብሓደ ገፅ እቲ ናይ እኒ ደብረፅዮንን ኣለም [ገብረዋህድን] ጉጅለ ህወሓት ኣሎ። እዚ ጉጅለ በቲ ናይ ጌታቸው ግዝያዊ ምምሕዳር ኣካይዳ ሕጉስ ኣይመስለንን። ካብኡ ሓሊፉ ካልእ ዝሓስብዎ ነገር ዘለዎም ኣይመስልን፤ ብዝዀነ መገዲ ተመሊሶም ናብታ ወንበር ንምምፃእ እዩ”።

ህወሓት ግን ፡ ንባዕሉ ናይ ህዝቢ ረብሓ ዘቐድምን፡ ፍልልያት ብደምክራስያዊ ኣገባብ ዝፈትሕን ውድብ ከምዝዀነ እዩ ዝገልፅ።

ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተል ጋዜጠኛ ጌታቸው ኣረጋዊ፡ እቲ ኣፈላላይ ኣብ መንጎ ህወሓትን ግዝያዊ ምመሕዳርን ዝብል ኣገላልፃ፡ እንተዘይኣመነሉ’ኳ፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ፍልልያት ከምዘሎ’ዩ ዝሕበር።

“እቲ ፍልልይ [ከምቲ ቅድሚ ሕጂ እውን] ኣብ ህወሓት ዝተራእየ ፍልልይ ገይረ እየ ዝርድኦ” ኢሉ።

እቶም እቲ ብፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስጉምቲ ዝተወስዶም፡ ኣብዝሓ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ምዃኖም ዘረድእ ጋዜጠኛ ጌታቸው፡ ኣብ መንግስታዊ ጽፍሒ ዝነበሮም ሓላፍነት ከምዝተመንጠሉን፡ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ዝፍጠር ዘሎ ጉጅላኣውን ‘ጎናዊ’ ነፀብራቕ ከምዝዀነ ይሕብር።

ኣብ መንግስቲ ሓላፍነት፡ ‘ናይ ህዝቢ ምልዕዓል’ ብዝብል እዮም ዝፍለጡን ገንዘብ ዝኽፈሎምን ነይሩ።

ንልዕሊ 30 ዓመታት ፖለቲካ ትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ተቖፃፂሩ ዝፀንሐ ውድብ ህወሓት፡ መንግስታውን ውድባውን ንጥፈታት ብምትሕውዋስ ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

“እቲ ናይ ምብራር ስጉምቲ፡ ‘ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዕማም ኣይኰኑን ዝሰርሑ ዘለዉ፤ ኣንጻሩ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ’ ካብ ዝብል ምጥርጣራትን ዝብገስ’ዩ ዝመስለኒ” ዝበለ ጋዜጠኛ ጌታቸው፡ ኣብ ልዕሊኦም ገለ ጸለመታት ከምዝተፈጥረ ይዛረብ።

‘ውዕል ፕሪቶርያ ኣይተፈጸመን፡ እዚ ድማ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ስለዘይደለየ እዩ’፣ ‘ሓልኪሱ’፣ ኣይናትናን’ ወዘተ ዓይነታት ወረታት ይነዝሑ ነይሮም- ዝብሉ ጥርጣረታት ይለዓሉ።

ምስዚ ብዝተኣሳር፡ ናይቶም ሓለፍቲ ምብራር፡ ኣብ መንጎ እቲ ውድብ ዝጸንሓ ‘መትከላዊ’ ዝብሎ ኣሰራርሓን፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝኸዶ ዘሎ ‘ባዕላዊ’ መገድን፡ ተፃብኦ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ የረድእ።

ኣለም ገብረዋህድን ጌታቸው ረዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ኣቶ ኣለም ገብረዋህድን (ጸጋም) ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳን (የማን)

ከይዱ ከይዱ ናበይ ከምርሕ እዩ ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክልቲኦም ተዓዘብቲ፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ከምቲ ቅድም ክብል ክልተ ሰለስተ ግዜ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘጋጠመ ምፍንጫላት ከስዕብ ከምዝኽእል ይስማምዑ።

ጌታቸው ኣረጋዊ፡ ብፍላይ ኣብ እዋን መኸተ ካብ ህዝቢ ዝተዋፀኦ ገንዘብ ብዝምልከት፡ ጥርጣረታት ግዕዝይና ይለዓል ስለዘሎ ‘እቲ ጉዳይ ናብ ሕጊ ክኸይድ ይኽእል’ዩ ብዝብል፡ ፍልልይን ምክሳስን ከስዕብ ከምዝኽእል ይግምት።

ገለ ኣመራርሓ፡ ብሰንኪ እዚን ካልእን ክእለዩ ከምዝኽእሉ ይእንፈት።

በዓል ሞያ ሕጊ ሸዊት ብወገኑ፡ “እከለ‘ያ እንተዝስዕር፡ ኢልካ ሃንቀው ትብለሉ ባእሲ ኣይኰነን። እታ ተፃልእ ዘላ ጉዳይ፡ ፀባብ ረብሓ፡ ናይ ስልጣን ንሕንሕ እያ” ብምባል ረብሓ ህዝቢ ዘቐደመ ፍልልያት ከምዘይኰነ ይነቅፍ።

“እታ ናይ ጌታቸው [ረዳ] ስጉምቲ’ውን ናይ ፈራሕ በትሪ እያ” ዝብል ሸዊት፡ ናይ እኒ ኣለምን ደብረፅዮን ጉጅለ፡ ሱር ዝሰደደ መሓውር [ስለዘለዎ] ብቐሊሉ ዝምሖ ከምዘይኰነ ይዛረብ።

ሸዊት፡ ጌታቸው ረዳ ነቲ መሓውር መንጢሉ ክጥቀመሉን መንግስቲ ዀይኑ ናይ ምቕፃል ሕልሚ ኣለዎ ድዩ፡ ዝብል ሕቶ’ውን የልዕል።

“ብታሪኹ ከም ውድብ ብውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን እናተቖፃፀርዎ ዝመፅአ ውድብ የለን” ዝበለ ዀይኑ፡ ሕዚ እቲ ፌዴራል መንግስቲ፡ እቲ ነባር ጉጅለ ህወሓት ንቕድሚት ክመፅእ ከምዘይደለየ ይኣምን።

ቅድሚ እቲ ኲናት ወሰንቲ ዝነበሩ ነባራት መራሕቲ ህወሓት፡ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ድሕር ክብሉን፡ ከይፈተዉ ንጌታቸው ክቕበሉን ከምዝተገደዱ ይዝረብ። ህወሓት ግን፡ ነቲ ኩነታት ኣሚንሉ ሓቢሩ ንምስራሕ ከምዝተስማመዐ ይገልፅ።

ምጥያስ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ በዚ ምኽንያት ልዕሊ ኣርባዕተ ወርሒ ከምዝወሰደን፡ እቲ በቲ ኲናት ዝተሃሰየ ክልል ኣብ እዋኑ መንግስታዊ ኣገልግሎት ከይረክብ ከምዝገበረን ይንቀፍ።

እቲ ውሽጠዊ ፍልልያት ካብቲ እዋን ጀሚሩ እዩ ፈኸም እናበለ መፂኡ።

“ብኻልእ ወገን፡ ህወሓት ብስም መረጻስ ይኹን፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ወንበር ናይ ምምላስ ሕልሚ ኣሎ” ዝብል ሸዊት፡ እቲ ኩነታት ንበዓል ጌታቸው ቀሊል ከምዘይከውን ይኣምን።

“ምኽንያቱ እታ ዝተረፈት ትግራይ’ውን እንተኾነት፡ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሽከርክርዋ ዘለዉ እኒ ኣለም [ገብረዋህድ] እዮም፡ እዚ ኔትወርክ ምብጥጣስ ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ” ይብል።

ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ኣባለት ዘለዉዎ ዀይኑ፡ ‘ሰራዊት ልምዓት’ ዝብል ሰፊሕ ኣወዳድባ መሓውር’ውን ኣለዎ።

ስግኣታትን ሳዕቤናትን፡

ሸዊት፡ “እቲ ዘተሓሳስበካ ግን፡ ከይዱ ከይዱ እቲ ሳዕቤኑ ናብ ህዝቢ ምውራዱ ኣይክተርፎን’ዩ፤ ከምኡ’ውን ኣብዚ እዋን ንትግራይ አጀንዳ ከስእኑዋ ይኽእሉ እዮም” ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

ግዝኣት ሓድነትን ጉዳይ ተመዛበልትን ዝኣመሳሰሉ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ይርስዑ ከምዘለዉ’ውን የዘኻኽር።

“እዚ ድማ ን[ፌዴራል መንግስቲ] ኣዝዩ ምችው ኩነታት ዝፈጥር እዩ፤ በብገፆም ከተኣናግዶም እዩ። ኣብ መንጎኦም ብዝፍጠር ምውጣጥ ናብ ኣብዪ ከይዶም ኢድ ምንሰኦም ኣይተርፎን” ይብል።

መንግስቲ ፌዴራል ግን፡ ኣብ ትግበራ ውዕል ፕሪቶርያ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ሓንኪሱ’ ክብል ይወቅስ።

ጌታቸው ኣረጋዊ ብወገኑ፡ “ሓደ ሓይሊ ስዒሩ ክወፅእ ይኽእል እዩ፤ ወይ ድማ ዕንይንይ እናበሉ ጉባኤ ከይተኻየደ ክቕፅል ይኽእል’ዩ” ዝብል ግምት ኣለዎ።

እንተዀነ ጋዜጠኛ ጌታቸው፡ “ኣዐርዩ ናብ ዕግርገር ክኸይድ’ዩ” ዝብል እምነት የብሉን።