ኤርትራዊ ጳውሎስ ወልደሃይማኖት ፕረዚደንት ሴካፋ ኰይኑ ተመሪጹ

ምንጪ ስእሊ, CECAFA
ባይቶ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ንኤርትራዊ ኣቶ ጳውሎስ ወልደሃይማኖት ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመት ፕረዚደንት ናይቲ ማሕበር ኰይኑ ክሰርሕ መሪጹዎ።
እቲ ብ7 ለካቲት ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ምርጫ፡ 11 ኣባላት ሃገራት፡ ካፍ፡ ፊፋን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ዝተሳተፍኦ ምንባሩ መርበብ ሓበሬታ ካፍ ይገልጽ።
ኣብቲ መረጻ፡ ፕረዚደንት ፈደረሽን ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ኡጓንዳ ሙሴ ሃሲም ማጎጎ ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ቡሩንዲ ኣሌክሳንደር ሙየንገ ካብ ሕጹይነት ኣቐዲሞም ዝሰሓቡ ኰይኖም፡ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ጳውሎስ ኣብቲ ጉባኤ ብዘይዝዀነ ተቓውሞ ክምረጽ ክኢሉ።
ፕረዚደንት ፈደረሽን ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ኡጋንዳ (ፉፋ) ሙሴ ሃሲም ማጎጎን ኣሌክሳንደር ሙየንገ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ቡሩንዲን ኣቐዲሞም ሕጹይነት ፕረዚደንትነት ስሒቦም ነይሮም።
ግዝያዊ ፈጻሚ ዳይረክተር ሴካፋ ጂን ሰኒንደ፡ "ጳውሎስ ወልደሃይማኖት ሓድሽ ፕረዚደንት ሴካፋ ምዃኑ እገልጽ ኣለኹ፡" ኢሉ።
ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሶማልያ ዓሊ ዓብዲ መሓመድ ሓድሽ ምክትል ፕረዚደንት ኰይኑ ክዓዪ ተመሪጹ።
"እዚ ባይቶ ኣባይ እምነት ብምሕዳሩ አመስግን። ብቕንዕና እምብዛ ሓላፍነታውያን ክንከውንን ዝያዳ መወልቲ ክንረክብን ምዃንና ቃል እኣቱ፡" ክብል ጳውሎስ ቃል ኣስሚዑ።
ሓሙሻይ ምክትል ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ፈዛል እስማዒል ብስም ፕረዚደንት ዶ/ር ፓትሪስ ሞትሰፐ ኣብ ዘስምዖ መግለጺ፡ ነቶም ሓደስቲ ዝተመርጹ መራሕቲ ሴካፋ እንቋዕ ሓጐሰኩም ኢሉ።
"ሴካፋ ብዝገብሮ ዘሎ ቀጻሊ ስራሕ ነመስግን። ኣፍኮን 2027 ኣብ ኬንያ፡ ታንዛንያን ኡጓንዳን ክእንገድ ብምዃኑ ድማ እንቋዕ ደስ በለኩም ንብሎም፡" ክብል ወሲኹ።
ኣብ ፊፋ ዳይረክተር ኣባል ማሕበራት ጌልሰን ታቫረስ ፈርናንደስ እውን ነቶም ሓደስቲ ዝተመርጹ መራሕቲ ሴካፋ እንቋዕ ሓጐሰኩም ድሕሪ ምባል፣ "ብስም ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ንዅሎም ኣባላት ነመስግን። ሓቢርና ኣብ ጐድንኹም ደው ክንብል ኢና፣ ተወፋይነት፡ ሓቢርካ ምስራሕን ጻዕርን ኢና ንጽበ፡" ኢሉ።
ሴካፋ ሓደ ካብ ገዳይም ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኰይኑ ብ1926 ከም ዝተመስረተ ይግለጽ። ክጅምር እንከሎ፡ ውድድሩ ብኬንያ፡ ኡጓንዳ፡ ታንጋኒጋን ዛንዚባርን ጀሚሩ።
ካብ 1973 ድማ ብሓድሽ ውዳበን ሴካፋ ዝብል ስምን ን12 ኣባላት ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ሓቚፉ ቀጺሉ።
ጳውሎስ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ሴካፋ ኰይኑ ክሰርሕ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ኤርትራዊ ኣብ ሴካፋ ፕረዚደንት ኰይኑ ክመርሕ ግና እዚ ናይ ፈለማ እዩ።
ጳውሎስ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኰይኑ ኣብ ዝዓየየሉ፡ ኤርትራ ኣብ መጻረዪታት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኮነ ዋንጫ ዓለም ኣይተሳተፈትን። እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እታ ንሓያሎ ዓመታት ካብ ኣህጉራዊ ውድድራት በዂራ ዝጸንሐት ሃገሩ ናብ ኣህጉራዊ ውድድራት ከም ዝተመልሰት ኣበሲሩ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ብተደጋጋሚ ክሃድሙን ዕቝባ ክሓቱን ስለ ዝተራእዩ፡ ካብ ኣህጉራዊ ውድድራት ንዓመታት ክትእለ ተራእያ እያ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምድናአን ኣብ 2018 ድሕሪ ምምሕያሹ፡ ኤርትራ ኣብ 2019 ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት ኣአንጊዳ ነይራ።
ቅድሚኡ ኤርትራ መወዳእታ ኣብ ካፋ ዝተጻወተትሉ ኣብ 2013 ኣብ ኬንያ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ማለት 2015 ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዝተኻየደ ኣይተሳተፈትን።
ጳውሎስ ኣብ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ፊፋ ሓደ ካብ ኣባላት ሽማግለ ኣብ ምዅስኳስ ቈልዑን ተልመዴናትን (Grassroots and amateur) ኰይኑ ምስ ኣርሰን ቬንገር ኰይኑ ክዓዪ ተሓርዩ ምንባሩ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







