ኰይሻ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ግድባት ኢትዮጵያ ህንጸቱ ስለምንታይ ተጓቲቱ?

ሓፅቢ ኰይሻ

ምንጪ ስእሊ, SM

ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 57 ሚልዮን ወይ ድማ 51 ሚኢታዊ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ዝኸውን፡ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ [ጸዓት] ከምዘይብሉ - መረዳእታ ባንኪ ዓለም ይገልፅ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እናወሰኸ እኳ እንተመጸ፡ ሕጽረት ቀረብ ኤሌክትሪክ ካብ ዘለወን ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ፡ ግድባት መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እታ ሃገር፡ 5250 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዘፍርዩ፡ በዓል መዚ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እዚ መጠን ሓፍ ንምባልን ሽፋን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምዕባይን ኣብ ኢትዮጵያ ሓሙሽተ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ህንጸት ይርከቡ።

ኮይሻ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ህንፀት ዝርከቡ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ እዩ።

ቁጽርታት፡ ብዛዕባ ኮይሻ እንታይ ይብሉ?

ካብ ኣዲስ ኣበባ 540 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ወረዳ ኮይሻ ኣብ ህንፀት ዝርከብ ግድብ ኮይሻ መሰረቱ ሩባ ኦሞ እዩ። እዚ ግድብ ካብ ግድብ ግቤ ሰለስተ 120 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ይርከብ።

ግድብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ፡ 783 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ዝርከብ ኮይኑ፡ ህንፀቱ ምስ ተዛዘመ 201 ሜትሮ ቁመት ክህልዎ ምዃኑ ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣቶ ሞገስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ለካቲት 2008 ዓ.ም ህንፀቱ ዝተጀመረ ኮይሻ፡ 1800 ሜጋ ዋት ፀዓት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ክህልዎ ትፅቢት ይግበር።

ምዝዛም እቲ ግድብ ካብቲ ዝተመደበሉ ግዜ ንላዕሊ ዝደንጎየ ዀይኑ፡ ሕዚ እውን ኣብ ህንፀት ይርከብ።

"ምስ ልቓሕ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ነቲ ፕሮጀክት በቲ ዝድለ ፍጥነት ከይዛዘም ኣጓቲቶምዎ" ይብል ኣቶ ሞገስ።

ሽዱሽተ ‘ኣሃዱታት’ መመንጨዊ ዝህልዎ ግድብ ኮይሻ፡ 100 ትርብዒት ኪሎሜተር ኣብ ልዕሊ ዝሽፍን ቦታ ዝዓርፍ ኰይኑ፡ 6.5 ቢልዮን ሜትር ኪዩቢክ መጠን ማይ ከዕቁር ይኽእል።

ኣይተ ሞገስ ከም ዝብሎ፡ እዚ ግድብ ዝሕዞ መጠን ማይ ብኣንጻራዊ ውሑድ እንተዀነ’ኳ፡ ብምኽንያት ብራኽኡ ልዑል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ኣለዎ።

እቲ ግድብ 2100 ሜጋ ዋት ፀዓት ከም ዘመንጩ እዩ ዝግለፅ።

እዚ መጠን ድማ፡ ኰይሻ ድሕሪ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካልኣይ ዝዓበየ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክኸውን የኽእሎ።

እንተዀነ፡ እቲ ግድብ ዘመንጩዎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብቲ ኣብ መጀመርታ ተመዲቡ ዝነበረ፡ ብ300 ሚእቲ ሜጋዋት ከምዝነከየ ተገሊፁ።

እዚ ድማ ምስቲ 1870 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎ ግድብ ግቤ ሰለስተ ዝመጣጠን እዩ።

ኣቶ ሞገሰ፡ ኣብ መጠን ማይን ቁመትን እቲ ግድብ "ዝኾነ ለውጢ" ከይተገብረሉ፡ ቁፅሪ ‘ኣሃዱታት’ መመንጨዊ ብምንካይ፡ ነቲ ግድብ ዝሐሸ “ውጽኢታዊ" ከም ዝገብሮ ይገልጽ።

ምንጪ ገንዘብ ኮይሻ ጠንቂ ምድንጓያትን

ኣቶ ሞገስ ንቢቢሲ ዘካፈሎ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ፕሮጀክት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ 61 ሚእታዊት በጺሑ ኣሎ።

ህንፀት እቲ ግድብ ኣብዚ ደረጃ ንኽበፅሕ ክልተ ምንጪ ፋይናንስ ኣለዎ።

ኮይሻ ህንፀቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ሳቼ ዝተባህለ ባንኪ ኢጣልያ ልቓሕ ሂቡ ነይሩ።

እንተኾነ እቲ ባንኪ "ንህንጸት እቲ ፕሮጀክት ዘድሊ ልቓሕ ክህብ ተሰማሚዑ'ኳ እንተነበረ፡ ሓደ ግዜ ልቓሕ ምስ ሃበ፡ብመሰረት እቲ ስምምዕ ክቕፅል ኣይከኣለን" ይብል ኣቶ ሞገስ።

በዚ ምኽንያት እቲ ህንፀት እቲ ግድብ ዝተቛረፀ ዀይኑ፡ ምድንጓይ ምዝዛም እቲ ግድብ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ ድማ ይጥቀስ።

"ኣብቲ እዋን'ቲ ካልእ ኣለቃሒ ክርከብ ስለ ዘይተኽኣለ፡ መንግስቲ ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ክኽፈል ዝነበሮ መጠን ገንዘብ ብምሽፋን እቲ ፕሮጀክት ክቕጽል ገይሩ" ይብል እቲ በዓል ስልጣን።

እቲ ግድብ ፈለማ 2.4 ቢልዮን ዩሮ ከምዝውድእ እኳ እንተተገመተ፡ ሕጂ ግን ወጻኢታቱ ዝያዳ ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት።

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ኮንትራክተር ህንፀት እቲ ግድብ ኣብ ዝተቛረፀሉ እዋን ካብ ስራሕ ወፃኢ ብምፅንሑ፡ ካሕሳ ብምሕታቱ እዩ።

ኣቶ ሞገስ፡ እቲ ግድብ በቲ ሕጂ ዘሎ ምንጪ ፋይናንስ እንተቐጺሉ፡ ንኽዛዘም ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ክወስደሉ ከምዝኽእልን፡ ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺ ፋይናንስ እንተተረኺቡ ግን፡ "ኣብ ዝሓጸረ ግዜ" ክዛዘም ከምዝኽእል ይዛረብ።