ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ንምንታይ'ዩ ንግብጽን ሱዳንን ዘሻቕል?

መራሕቲ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን (2015)

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, መራሕቲ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን (2015)

ኢትዮጵያ ነቲ ክትሃንጾ ዝጸንሐት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ማይ ከምዝመልኣቶ ድሕሪ ምግላጻ፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረብ ማያ ስግኣት ፈጢራ ምህላዋ ከሲሳ።

ኢትዮጵያ ንልዕሊ 10 ዓመታት ክትሃንጾ ዝጸንሐት ፕሮጀክት

ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሰሜናዊ ከበሳታት ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ኣባይ ዝተሃነጸ ዓቢይ ግድብ እዩ። ፈለግ ኒል 85% ትሕዝቶ ማዩ ካብቲ ካብ ቀላይ ጣና ዝብገስ ፈለግ ኣባይ እዩ ዝረክብ።

ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ካብ ዶብ ሱዳን ከባቢ 30 ኪሜ ንደቡብ ዝተደኰነ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ካብ ወሓዚ ማይ ኤለክትሪክ ዘመንጩ (ሃይድሮኤለክትሪክ) ፕሮጀክት እዩ።

እቲ ግድብ ልዕሊ 1.6 ኪሜ ንውሓትን 145ሜ ቁመትን ኣለዎ።

12 ዓመታት ዝወሰደ እቲ ፕሮጀክት ገና ምሉእ ብምሉእ ኣይተዛዘመን ኣሎ።

ብድሕሪ እቲ 4.2 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገበረሉ ግድብ ዝርከብ ዲጋ፡ ክንዲ ለንደን ዝኸውን ስፍሓት ይሽፍን።

ፈለግ ኒልን ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን
መግለጺ ስእሊ, ፈለግ ኒልን ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን

እቲ ግድብ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ጥቕሚ

ካብ ብዝሒ ህዝባ 60% ቀረብ ኤለክትሪክ ከምዘይረክብ እትገልጽ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ሕጽረት ንምሽፋን ካብቲ ግድብ ጸዓት ከተመንጩ ትደሊ።

እታ ሃገር ንእተፍርዮ ኤለክትሪክ ብዕጽፊ ብምዕባይ ንትካላት ብስሩዕ ጸዓት ከተቕርብን በዚ ከኣ ኣብ ቍጠባኣ ናህሪ ክትውስኽን ትትስፎ።

ብዘይካ’ዚ ንጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ጅቡቲን ኤርትራን ሓይሊ ኤለክትሪክ ክትቅርብ ትኽእል እያ።

ግብጽን ሱዳንን ንምንታይ ተቘጢዐን?

ኣብ ፈለግ ኒል እትርከብ ግብጻዊት ቁቐት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ግብጺ፡ እቲ ግድብ ኣብ መጠን ማይ ፈለግ ኒል ምንካይ ከየስዕብ ትሰግእ

እታ 107 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ግብጺ፡ ንናይ ጽሩይ ማይ ጠለባታ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ፈለግ ኒል እያ እትምርኮስ።

ንኣባይቲ ይዅን ንሕርሻ ብፍላይ ከኣ ነቲ ብዙሕ ማይ ዝጠልብ ምፍራይ ጡጥ፡ እቲ ማይ የድልያ።

ብዘይካ’ዚ ግብጺ ነቲ ሓይሊ ኤለክትሪክ እተመንጭወሉ ዲጋ ኣስዋን (ቀላይ ናስር) ዝመልእ ማይ ካብ ፈለግ ኒል እያ እትረክብ።

እታ 48 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሱዳን’ውን ማያት ፈለግ ኒል ኣዝዩ የገድሳ እዩ።

ክልቲአን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዝረኽብኦ መጠን ማይ ክትቈጻጸሮ እያ ዝብል ስግኣት ኣለወን።

ግብጺ፡ ዝናብ ኣብ ዝውሕደሉ እዋናት፡ ውሕስነት እኹል ማይ ከምዝህሉ ኢትዮጵያ ከተረጋግጸላ ትደሊ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “በይናዊ ስጕምትታት ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሰፈረ መትከላት ረብሓን መሰላትን ከምኡ’ውን ውሕስነት ማይ ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ናይ ዝርከባ ሃገራት ዕሽሽ ምባል እዩ፡” ኢሉ።

ኣብ ዋሕዚ ማይ ፈለግ ኒል ዘጋጥም 2% ምጕዳል፡ ክሳዕ 200 ሽሕ ሄክታር ኣብ ዝበጽሕ ልሙዕ መሬት ክሳራ ከምዘስዕብ ከኣ ትምጕት።

ምጕዳል መጠን ማይ ኣብ ፈለግ ኒል ንዝካየድ መጕዓዝያ’ውን ክጐድእ ይኽእል እዩ።

ግብጺ ምምላእ እቲ ግድብ ካብ 12 ክሳዕ 21 ዓመታት ክወስድ ከምዘድልዮ'ኳ እንተመጐተት፡ ኢትዮጵያ ነዚ ነጺጋ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ እያ መሊኣቶ።

ሱዳን እውን ከም ግብጺ ብመጠን እቲ ማይ ትጕዳእ እኳ እንተዀነት ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግጭት ምላሽ ኣይሃበትን ኣላ።

ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ስምምዕ ክብጻሕ ይኽእል ዶ ይኸውን?

እቲ ግድብ ካብ 2011 ጀሚሩ ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ጠንቂ ምስሕሓብ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ 1929 ከምኡ’ውን ኣብ 1959 ዝተበጽሐ ስምምዕ ዳርጋ ንመላእ ማይ ፈለግ ኒል ንግብጽን ሱዳንን ዝህብ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ላዕለዋይ ተፋሰስ ዘለዋ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝዀነ ንመጠን እቲ ማይ ዘጕድል ፕሮጀክት ካብ ምህናጽ ክኽልክላ ስልጣን ዝህብ እዩ።

ኢትዮጵያ በዞም ዝጸንሑ ውዕላት ክትቅየድ ከምዘይትኽእል ብምግላጽ፡ ኣብ ግብጺ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ዝነበረሉ፡ እዋን ‘ቀውዒ ዓረብ’ ነቲ ዲጋ ምህናጽ ጀሚራ።

ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ 2015 ሓድሽ ስምምዕ'ኳ እንተኸተማ፡ ኢትዮጵያ ብኸመይ ነቲ ዲጋ ትምልኣዮ ኣብ ዝብል ብተደጋጋሚ ብዘይስምማዕ ተፈላልየን እየን።

ኣብ 2019፡ እቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ኲናት ንምውጋድ ዝሰርሕ ትካል ‘ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ’ ወተሃደራዊ ረጽሚ ክህሉ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣሜሪካ ኣብ 2019 ኣብ መንጐ ሰለስቲአን ሃገራት ስምምዕ ንምምጻእ ናብቲ ጉዳይ'ኳ እንተኣተወት ብዙሕ ኣይተዓወተትን።

እቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ርክብ ሰለስቲአን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ነዚ ናይ መወዳእታ ምምላእ ማይ ከምዝፈጸመት ቅድሚ ምግላጻ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ጥራይ እዩ ዳግማይ ተኻዪዱ