ሓንቲ ቁሸት ምስ ቤተ-መጻሕፍቲ ህፃናት ዘላለየት መምህር

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገልጸ ውጽኢት ካልኣይ ብርኪ ሃገራዊ ፈተና (ማትሪክ) ንብዙሓት ዘሰንበደ ኰይኑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ሚድያታትን ከዘራርብ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ 2015፡ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና (ማትሪክ) ካብ ዝተፈተኑ ልዕሊ 800 ሽሕ ተመሃሮ ካብ 50 ሚእታዊት ንላዕሊ ውጽኢት ዘመዝገቡ ኣስታት 27 ሽሕን ጥራይ’ዮም። ኣብ 2014 ድማ ካብ ዳርጋ 900 ሽሕ ተምሃሮ ኣስታት 30 ሽሕ ጥራሕ’ዮም ልዕሊ 50 ሚእታዊት ውጽኢት ረኺቦም።

ኣብ ክልቲኡ ዓመት ዝተራእየ ውጽኢታት ኣብ መላእ ስርዓተ ትምህርቲ’ታ ሃገር ድኽመት ከም ዘሎ ኣቃሊዑ።

ጠንቂ’ቲ ድኽመት ፖለቲካዊ፡ ሕብረተሰባውን ትካላውን ጽልዋታት’ዮም ዝብሉ ኣለዉ። ብካልእ ሸነኽ ነዊሕ ዝጸንሐ ኣብ ህጻናትን ወለድን ዝርአ ድኹም ናይ ምንባብ ባህሊ’ውን ልዑል ጽልዋ ከም ዘሕደረ ይንገር።

ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ዩኤስኤኣይዲ ዘካየዶ መፅናዕቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ሲሶ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ዝመሃሩ ህፃናትን ቁፅሮም ዘይነዓቕ ተምሃሮ ሳልሳይ ክፍልን ፈፂሞም ከንብቡ ከም ዘይኽእሉ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ህጻናት ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ክእለቶም ድሕሪት እንተተሪፉ ድማ ኣብ ትምህርቶም ክዕወቱን ኣብ ዳሕረዋይ ህይወቶም ኣፍረይቲ ክዀኑን ኣይኽእሉን።

እዞም መሰረታዊ ክእለታት ኣብ ምምዕባል ዓቢ ተራ ዝጻወቱ መጽሓፍቲ’ዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ግን ሓገዝቲ መፅሓፍቲ ክረኽቡ ዝኽእሉ ህጻናት ክንደይ ዝኣኽሉ’ዮም?

ብፍላይ ኣብ ገጠር ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ እኹልን ቅኑዕን መጻሕፍቲ ዝሓዘ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣለወን’ዶ? ህጻናት ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ወጻኢ ዘንብብዎም ሓገዝትን ካልኦት ምንባብ ዘተባብዑን መጻሕፍቲኸ ይረኽቡ’ዶ? ናይዞም ሕቶታት መልሲ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢ ‘ኣይፋል’ እዩ።

ካብቶም ነዚ ሓቂ’ዚ ተረዲኦም ፍታሕ ከናድዩ ዝፈተኑ ሓንቲ መምህር፣ ጋዜጠኛን ደራሲት መጽሓፍ ህጻናትን ኤልሳቤጥ ድንቁ እያ።

ንሳ ብውልቃኣ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወረዳ ወንጪ ኣብ ትርከብ ጨቦ ዝተበሃለት ቁሸት ዝነብሩ ህጻናት ምስ ቤተ-መጻሕፍቲ ህጻናት ከምዝላለዩ ገይራ።

ብፍላይ ኣብ ገጠራት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ህጻናት ተማሃሮ “ናብ ቤት ትምህርቲ ካብ ምኻድ፡ መምህር ዝፀሓፈሎም ካብ ምግልባጥ ዝዘለለ ነገር ኣይረኽቡን" ትብል።

ንነዊሕ ዓመታት ንፃናት ኣብ ምምሃር ዘሕለፈት ኤልሳቤጥ፡ ቁፅሪ ናይ ዘንብቡ ህፃናት ኣዝዩ እናነከየ ይኸይድ ከም ዘሎ ምስትብሃላ ትዛረብ።

“ንሕና ጋዜጣ፡ መፅሔት፡ ኣብ ሜዳ ኣብ መንደቕ ዝረኸብናዮ ነንብብ ነይርና” ክብል ዝዓበየትሉ ዘመን ትዝክር።

“ሕዚ ግን ወለዲ ኣብ ክንዲ ንደቆም መጽሓፍ ምንባብ ዘተባብዑዎም፡ [መታን ስቕ ክብልሎም] ሞባይል ደርብዮም ክገላገሉ ዝደልይሉ ዝመስል ግዜ በፂሕና። ብዕቱብ መፅሓፍ ገዚኦም ንልደት ወይ ንዝዀነ ፅምብል ንደቆም መፅሓፍ ዝሽልሙ ወለዲ ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም።”

እንተዀነ ግን ንደቆም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘብጽሖም ናይ ምንባብ ባህሊ ምዃኑ’ያ ትሙጕት።

ቆልዑ ኣብ ቴለፎን፣ ተለቪዥን፣ ኤሌክትሮኒክስን ዘሕልፍዎ ግዜ ነክዮም አዕሩኽ መፃሕፍቲ ንክዀኑ ወለዲ ባዕሎም ብኣብነት ክመርሑዎምን ኣብ ገዝኦም መጻሕፍቲ ዝህልወሉ ኣገባብ ከመቻችዉን ትምዕድ።

እዚ ግን ኣብ ገጠር ቀሊል ከም ዘይኰነ መምህር ኤልሳቤጥ ትኣምን።

ነዚ ድማ’ዩ ኣብ ገጠር ዝርከቡ ህፃናት፡ ቤተ-መጻሕፍቲ ህጻናት ንክረኽቡ ትጽዕር ዘላ።

ኣብ መንጎ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣብያተ ትምህርትን ቤተ-መጻሕፍቲ ህጻናትን ፍልልይ ኣሎ።

ቀንዲ ዕላማ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ ቤተ-መጻሕፍቲ ንስርዓተ-ትምህርቲ ምድጋፍ ስለዝዀነ ምስ ስርዓተ ትምህርትን ኣካዳሚያዊ ጠለባትን ንዝሰማምዑ መጻሕፍቲን ካልኦት ጸጋታትን ቀዳምነት ይህቡ።

ትኹረት ቤተ-መጻሕፍቲ ህጻናት ግን ኣብ ንኣሽቱ ህጻናት ፍቕሪ ምንባብን ትምህርትን ምዕባይ’ዩ። ስእላዊ መፃሕፍቲ፣ ንጀመርቲ ዝዀኑ ዛንታታት፣ ጽውጽዋያትን ካልኦት ትሕዝቶታትን ዘለዎም መጻሕፍቲ ይሕዝ፤ መብዛሕትኡ ግዜ መደባት ስድራቤታት ኣብ ግምት ዘእተወ ዝያዳ ተዓጻጻፊ ኣገልግሎት ዝህበሉ ሰዓታት ድማ ይህልዎ።

ካብዚ ተበጊሳ መምህር ኤልሳቤጥ ድንቁ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ህጻናት ኣተኵራ ትሰርሕ ኣላ።

‘ቆልዑ የንብቡ፤ ድሕሪኡ ወጺኦም ይጻወቱ’

ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፡ ወረዳ ወንጪ ኣብ ከባቢ ቀላይ ወንጪ ትርከብ ቁሸት ጨቦ፡ ወለዲ ኤልሳቤጥ ተወለዲኦም ዝዓብዩላ ቦታ’ያ።

ንሳ ልደታን ዕብየታን አብ ኣዲስ ኣበባ’ኳ እንተዀነ፡ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ናብታ ቁሸት ምምልላሳ ግን ሓደ ዓቢ ነገር ክትዕዘብ ኣኽኢልዋ’ዩ።

ኣብታ ቁሸት ብትምህርቶም ዕዉታት ዝዀኑ ህጻናት ዳርጋ የለውን ትብል ኤልሳቤጥ።

“ኣዋልድ 8ይ ክፍሊ ምስ በፅሐ ናብ ሓዳር ይኣትዋ ወይ ንከተማ ከይደን ሰራሕተኛታት ገዛ ይዀና። እቶም ኣወዳት’ውን 12 ክፍሊ ከይበፅሑ መራሕቲ መካይን ክዀኑ ናብ ከተማ ይስደዱ።”

ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ድሕሪ ምኻድ ድማ ንዝተፈላለየ “ጸገምን መከራን” ከም ዝቃልዑን፡ “ሰራሕተኛ ገዛ ኰይነን ዝምዝመዛ” ከም ዘለዋን ምስትብሃላ ትዛረብ።

“ካብታ ቁሸት ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣተዉ በዓል መን እዮም ኢለ እንተሓተትኩ ዝዀነ ተማሃሪ የለን” ዝበለት እታ መምህር “እንታይ ክገብር ይኽእል?” ኢላ ክትሓስብ ጀሚራ።

ሽዑ’ዩ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ቤተ-መጻሕፍቲ ህጻናት ናይ ምኽፋት ሕልማ ከተግህድ ካብታ እትፈልጣ ቁሸት ክትጅምር ዝወሰነት።

ይኹን’ምበር ብመምህርነትን ኣብ ትርፊ ግዜኣ ድማ ሓሓሊፉ ጋዜጠኝነት ብምስራሕ ብእትረኽቦ ኣታዊ፡ ኣይኰነን’ዶ ቤተ-መጸሕፍቲ ክትከፍተሉ ናይ ገዛ ወጻኢታታ እውን ምሉእ ብምሉእ ዝሽፍን ኣይኰነን።

ይኹን እምበር ዝሓሰበቶ ናይ ምስላጥ ድሌት ስለዘለዋ ሓገዝ ክትረክብ ክትጓየ ጀሚራ።

መጀመርያ ዘማኸረቶም ኣብቲ ከባቢ ተወሊዶም ንዝዓበዩ ገለ ሰብ ሃብትን ኣውፈርቲን’ዮም።

እቶም ኣብታ ቁሸት ዝተዓዘበቶም ጸገማት ብዝበለጸ ስለዝፈልጥዎ “ብዕላማይ ክሕጎሱ እዮም” ብምባል “ዋንነት ምእንቲ ክስምዖም” ኣብ መደባ ኣበርክቶ ክገብሩ ዓዲማ።

እንተዀነ ግን ዘይተጸበየቶም ብዙሓት ሰባት “ትርጉሙ ኣይተረድኦምን” ትብል። ጻዕራን ጉያኣን ንኸንቱ ምዃኑ ነጊሮማ።

ኤልሳቤጥ ግን ኢዳ ኣጣሚራ ኮፍ ኣይበለትን። ነቲ ጉዳይ ናብ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዝርከቡ ስድራቤታን ናይ ቀረባ መሓዙታን ምስ ኣማኸረቶም ንሓሳባታ ብልዑል ሓጎስ ተቐቢሎምዎ።

ወለዳ ኣብታ ቁሸት ብውርሻ ካብ ዝረኸብዎ መሬት ለጊሶሙላ። ካልኦት ድማ ዝኸኣሉ ብገንዘብ፡ ዘይከኣሉ ድማ መጻሕፍቲ፡ ንብረትን ሓሳብን ብምውፋይ ደጊፎምዋ።

ኤልሳቤጥ ናብ ተግባር ቅድሚ ምእታዋ ግን ሓደ ብድሆ ጎሊሑ ተራእይዋ።

ኣብያተ ትምህርቲ ገጠር ምናልባት ንእሽቶ ቤተ-መጻሕፍቲ ክህልወን ይኽእል’ዩ - ግን ተማሃሮ ኣብ እዋን ትምህርቲ ጥራይ’ዮም ዝጥቀሙለን። ቤተ-መጻሕፍቲ ህጻናት ድማ ኣብ ገጠር ኣይተለምደን። ብተወሳኺ ህጻናት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዘሎ ግዜኦም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስድራቤታዊ ንጥፈታት’ዮም ዘሕልፍዎ።

ስለዚ “ከመይ ኢሎም እዮም መጽሓፍ ከንብቡ ክመጽኡ?” ዝብል ሕቶ መልሲ ክረክብ ነይርዎ።

“መግቢ ነዳሉ” ዝብል ሓሳብ ተላዒሉ ከም ዝነበረ ትገልጽ ኤልሳቤጥ ግን፡ “ንመግቢ ኢሎም ክመጹ ኣይደለኹን” ትብል። ግዜ ወሲዳ ምስ ሓሰበትሉ ድማ ቤተ-መጻሕፍትን መጻወቲ ቆልዑን ብሓባር ክትከፍት ወሲና።

“እቶም ቆልዑ የንብቡ፤ ድሕሪኡ ወጺኦም ይጻወቱ” ብምባል እቲ ውሳነ፡ ህጻናት ንኽመጹ ዘተባብዕ ከም ዝነበረ እታ መምህር ትገልጽ።

በዚ መልክዕ እቲ ቤተ-መጻሕፍትን መጻወትን ህጻናት ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ጨቦ ተኸፊቱ።

ናይ መጀመርታ ናይ ህጻናት መጽሓፉ ብእንግሊዝኛ ዘሕተመ ዓቢ ሓዋ ይስሃቅ ድንቁ ኣብ ቀረባ እዋን ስለዝዓረፈ እቲ ቤተ-መጻሕፍትን መጻወትን “ንመዘከርታኡ” ብስሙ ተጸዊዑ ንማሕበረሰብ እታ ቁሸት ከም ህያብ ተዋሂቡ።

ክልተ ክፍሊን መጻወቲ ቀጽሪን ኣለዎ፤ ብቋንቋ እቲ ከባቢ ኦሮምኛ፣ ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን ዝተጻሕፉ ሓገዝቲ መጻሕፍቲ ከምኡ’ውን ፊደላት ቋንቋ ዘለማምዱን ናይ ምንባብ ባህሊ ዘማዕብሉን ብክልተ ቋንቋታት (ባይሊንጓል) ዝተዳለዉን መጻሕፍቲ’ውን የጠቓልል።

ኣብ እዋን ክረምቲ ኣገልግሎት ስለዝጀመረ ካብቲ ትጽቢት ዝዛይዱ ህጻናት’ዮም መጺኦም። ትምህርቲ ምስተጀመረ ቁጽሮም ክንክይ’ዩ ዝብል ስክፍታ’ኳ እንተነበረ ሕዚ’ውን ብዙሓት ህጻናት ከም ዝመጹ’ያ እታ መምህር ትዛረብ።

እቶም ህጻናት ተማሃሮ’ዮም፡ ዕዮ ገዛ ኣለዎም፡ ስድራቤታዊ ንጥፈታት ዝሰርሑሉ ግዜ’ውን የድልዮም’ዩ። እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ቤተ-መጻሕፍቲን መጻወቲን ህጻናት ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ - ቀዳምን ሰንበትን - ጥራሕ’ዩ ኣገልግሎት ዝህብ።

ቀዳመ ሰናብቲ፡ እቶም ህጻናት “ብሃንቀውታ” ዝጽበይወን መዓልታት ከምዝዀነናን፤ ወለዲ’ውን ረብሑኡ ተረዲኦም ደቆም ይሰዱ ከም ዘለዉ ትገልጽ።

ኣብተን መዓልታት “ቈልዑ ‘ናበይ ትኸዱ ኣለኹም?’ ክበሃሉ እንከለዉ ‘ናብ ቤተ-መጻሕፍቲ’ ኢሎም ክምልሱ ምስማዕ - ዓቢ ዕግበትን ሓጐስን ዝህበኒ ነገር እዩ” ትብል ኤልሳቤጥ።

“ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ደገፍ ስለዝገበሩልና ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲን መጻወቲታትን ክንውስኽ መደብ ሒዝና ኣለና” ከትብል ትውስኽ።

እቲ ኣብ ቁሸት ጨቦ ዝኸፈተቶ ቤተ-መጻሕፍቲን መጻወቲን ህጻናት “መበገሲ’ዩ። ኣብኡ ደው ኣይብልን” ብምባል ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠር ንዝርከቡ ህጻናት ቤተ-መጻሕፍቲ ህጻናት ክትከፍት ቀጻሊ መደብ ከም ዘለዋ ትገልጽ።

“ዕላማይ፡ እዞም ቆልዑ፡ ምንባብ ናብ ከመይ ዝኣመሰለ ደረጃ ከምዘብጽሖም ከምዝፈልጡ ምግባር’ዩ። ኣብ ህጻናት ምስራሕ ማለት ሃገር ምህናጽ ማለት’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።”

ኤልሳቤጥ ድንቁ ኣብ 2015 ‘ሰማያዊዋ ዣንጥላ’ ዘርእስታ ናይ ህጻናት መጽሓፍ ጽውጽዋይ ዘሕተመት’ያ፤ ምድላዋታ ዝተዛዘመ ካልኣይቲ መጽሓፋ ድማ ኣብዚ ዓመት ክትሕተም ተስፋ ትገብር።

ብተወሳኺ ኣብ ዩትዩብ፡ ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ቀዳማይ ክፍሊ ንዝዀኑ ህጻናት ፊደላት ግእዝ፣ ጽውጽዋያት፣ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታትን ንወለዲ ምኽርታትን ተቕርብ።