እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መስርሕ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ዝተጓተተ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ
ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ኣዝዩ ዝተደናጎየ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ምክትል ኮሚሽነር ናይቲ ባይቶ ናዳ ኣልናሺፍ፡ ኤርትራ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ሰራዊታ ካብ ትግራይ ክትስሕብ እኳ ትፅቢት እንተተገበረ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይወፀአ ሓቢራ።
ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 52 ዓመታዊ ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ መብርሂ ዝሃበት እታ ኮሚሽነር ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውጽኡ "ኣዝዩ ዝተጓተተ ገና ዘይተዛዘመን" ክትብል ገሊፃቶ።
ቀጻሊ ክትትል ክግበር ድማ እታ ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን እቲ ትካል ኣተሓሳሲባ።
ሕብረት ኣውሮጳ ‘ውን ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ወተሃደራታ ካብ ትግራይ ክትስሕብ ኣብቲ ጉባኤ ጸዊዑ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ ብሰራዊት ኤርትራ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክምርመሩ እቲ ሕብረት ሓቲቱ።
ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ከምዘመልክቶ ሓይልታት ትግራይ ኣፅዋር ኣብ ዝፈትሑሉ እዋን ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ናይ ደገ ሓይልታትን ካብ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ወፃኢ ዘለዉ ዕጡቓትን ካብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ክወፅኡ ትጽቢት ይግበረሎም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስን ጥርን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ከተማታትን ትግራይ ከምዝወጽኡ ተቓሊሑ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ከምዘለዉ ኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣቶ ጌታቸው ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ዝገበሮም ፃንሒት’ውን ጉዳይ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከምዝተዘራረቡሉ ምጥቃሱ ይዝከር።
“ብዝተወደበ ኩነታት ዝንቀሳቐሰሎም ከባቢታት ከምዘለዉ ንፈልጥ ኢና። ነዚ ኣብ ዘተና ኣልዒልናዮ ኢና። ንክወጽኡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓቲቶም ኣለዉ። ኣብ ዝወፅኡሉ እዋን ‘ብሰላም ንኽወጹ ምድላዋት ጌርና ኢና ሰኒናዮም’ ዝብል እዩ ተነጊሩና” ኢሉ።
ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ’ውን እንተኾነ ወተሃደራት ኤርትራ ብቕትለትን ዓመጽን ክኽሰሱ ጸኒሖምን ኣለዉን።
ኤርትራ ሰራዊታ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝፈጸሞ ሰፊሕ ግህሰት ተሓታትነት ንምርግጋጽ ዝኾነ ስጉምቲ ከምዘይወሰደት ኣብቲ ዋዕላ ተሓቢሩ’ሎ።
እዚ ብሰፊሑ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብሓባራዊ መርመራ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን እኳ እንተተቓልዐ ብወገን ኤርትራ ግን ተሓታትነት ዘረጋግጽ ስርዓት ከምዘይተተኽለ እታ ምክትል ኮሚሽነር ኣመልኪታ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ተመርኲሶም ንዝቐርቡ መስርሓት ምርመራ ተሓታትነትን መሰጋገሪ ፍትሕን ክተሓባበር ተሓቲቱ ኣሎ።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ፍሉይ ተኸታታሊ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ (ስፐሻል ራፑቶር) መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ብወገኑ፡ መሰረታዊ ናጽነታት ህዝቢ ኤርትራ ምግሃስ ይቕጽል ከምዘሎን ናይ ምምሕያሽ ምልክት ከምዘየለን ኣብቲ ናይ ጀነቫ ዋዕላ ሓቢሩ።
እዚ ጉባኤ እዚ ንዘመናት ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዝነበረ ምልመላ ዜጋታት ንኲናት ኣብ ኲናት ትግራይ ከም ዝገደደ ምርኣዩ ድማ ጠቒሱ ።
ዕቑር ሓይሊ ዝብሃሉ ካብ 40-66 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ኲናት ክዋግኡ ምግባር ዘሻቕል ምዃኑ እቲ ፍሉይ ወኪል ኣመልኪቱ'ሎ።