ኣብ ኤርትራ ስቅያት፡ ማእሰርቲን ምስዋርን ይቕጽል ኣሎ- ሕቡራት ሃገራት

ኩነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ "ናይ ምምሕያሽ ምልክት ኣየርኣየን" ክብል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ምክትል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብሰኑይ 6 መጋቢት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብታ ሃገር ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ሓቢራ።

ናዳ ኣልናሺፍ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ጀነቫ ሰዊዘርላንድ ዝተኸፍተ መጋባእያ ቤትምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር ማእሰርትን ምስዋርን ይቕጽል ኣሎ ኢላ።

"ስቅያት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ሰብኣውነት ዝጐደሎ ኣተሓሕዛ እሱራት፡ ግዱድ ምስዋርን ይቕጽል ከም ዘሎ ዝገልጹ እሙናት ጸብጻባት ናብ ቤት ጽሕፈትና ይቐርቡ ኣለዉ።

"ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝርከቡ" ድማ እታ ብዓልቲመዚ ጠቒሳ።

"ብተወሳኺ፡ ንሰባት ብሰንኪ እምነቶም ምእሳር'ውን ብዘይ ምቍራጽ ይቕጽል ኣሎ። ብኣማኢት ዝቍጸሩ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰዓብቲን" በቲ ኵነታት ከምዝተጸልዉ ድማ ይሕብር።

ኣብታ ሃገር መሰላት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብን ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድን ተኣጊዱ ከም ዝርከብ'ውን ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ'ሎ።

እቲ ግዱድን "ገደብ-ኣልቦን ወትህድርና/ሃገራዊ ኣገልግሎት" ኲናት ትግራይ ድሕሪ ደው ምባሉ'ውን ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎ ኣልናሺፍ ገሊጻ።

እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብስቅያት፡ ጾታዊ ዓመጽን ግዱድ ስራሕን ዝተሰነየ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ'ሎ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ካብቲ ገደብ ኣልቦን ግዱድን ወትህድርናን ምግሃስ መሰላትን ንምህዳም ናብ ስደት ከምዝውሕዙ ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ 2022፡ ልዕሊ 160,000 ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ሱዳን ከምዝነበሩ ጸብጻባት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር) የረድእ።

ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ዓመት ልዕሊ 130,000 ሓተትቲ ዕቝባ ምንባሮም ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ'ሎ።

"ኤርትራ፡ ንሃገራዊ ኣገልግሎታ ምስቲ ዘለዋ ዓለምለኻዊ ግዴታ ሰባዊ መሰላት ብዝሳነ ከተካይዶ ንጽውዕ" ክብል እታ ምክትል ኮሚሽነር ተማሕጺና።

"ሃገራት ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቝባ ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ምምላስ ደው ከብላ'ውን ንጽውዕ።"

ከም ግብጺ ዝበላ ገለ ሃገራት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ክመልሳ ምጽንሐን ተሓለቕቲ መሰላት ይገልጹ።

እቲ ብሰብመዚ መንግስቲ፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ መሰላት ከም ንቡር ምውሳዱ ከምዘሻቐላ'ውን ኣልናሺፍ ተዛሪባ።

ኣብ 2016 ከምኡ'ውን 2017 ዝወጹ ጸብጻባት ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት፡ መንግስቲ ኤርትራ "ጊልያነት፡ ማእሰርቲ፡ ግእዱድ ምስዋር ስቅያት፡ ከምኡ'ውን ሰብኣውነት ዝጐደሎ ተግባራት፡ ምስዳድ፡ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዝርከብዎም ገበናት ኣንጻር ሰባውነት ከም ዝፈጸመ'ኳ እንተ ኣመልከተ፡ ብምግሃስ መሰላት ዝተሓተተ ዋላ ሓደ ሰብ የለን" ብምባል ስጕምቲ ክውሰድ ኣሚታ።

ኣብቲ ኣኼባ መግለጺ ዝሃበት ኤርትራዊት ተሓላቒት ሰባዊ መሰላት ቫነሳ ጸሃየ ብወገና፡ ንዓመታት ለውጢ ዘይምርኣያ ከምዘሰልከያ ሕንቕንቕ እናበለት ተዛሪባ።

"ኣኮይ ስዩም ጸሃየ ኣብ 2001 ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ። ኣበይ ከምዘሎ፡ ብህይወት ይሃሉ ኣይሃሉ ስድራቤትና ዝፈልጦ ነገር የለን"።

"ብዛዕባ ስዩም መልሲ ክንረክብ ይግባኣና፡ ምጽባይ ሰልክዩና'ዩ" ዝበለት ቫነሳ ካልኦት ብዙሓት ኤርትራውያን'ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ተሰዊሮም ከምዝርከቡ ገሊጻ።

ንናጽነት ኤርትራ ዝተቓለሰት ወላዲቱ ነቲ "ተጋዳላይ ሰኣላይ" ብዝብል ዝፍለጥ ስዩም ጸሃየ "ወዳ ን20 ዓመታት ብምስዋሩን እታ ዝተቓለሰትላ ሃገራ በቲ መንግስቲ ብምዕናዋን እናተቐንዘወት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምማታ ልበይ ይሰብረኒ" ብምባል ቫነሳ ስምዒት ብዝትንክፍ ቃላት ተዛሪባ።

ኣኮኣን ብጾቱን ምልኪ ከይስዕርር ብዝሃብዎ ርእይቶ ዝገለጸት እታ ተሓላቒት መሰላት ኣብታ ብዘይሕገ-መንግስቲ እትመሓደር ሃገር ናጽነት ፕረስን ሲቪካዊ ምንቅስቓስን ከምዝተኣገደ ኣብሪሃ።

"ህይወት ኣብ ኤርትራ ዘይጽወር ስለዝኾነ ሰባት ይሃድሙ። እንተኾነ ግን ዋላ ምስ ወጹ'ውን ካብ ስቓዮም ኣየቋረጸን" ብምባል ውሕስነት ዑቕባ ዘይምርካብን ዘለዎም በሰላታትን ገለ ካብቶም ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጥምዎም ብድሆታት እዮም ኢላ።

"ግና ዘለና ምስልካይ ኣይክስዕረናን'ዩ። ቅድሜና ዝነበሩ ወለዶታት ብዙሕ መወስዋእቲ ከፊሎም'ዮም። ነዞም ናይ ሕጂን መጻኢን ወለዶታት'ውን ዝምልከት ስለዝኾ"።

ኤርትራ ብወገና፡ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ምግሃስ መሰላት፡ "ፖለቲካዊ ኣጀንዳ" ዘለዎ "ተጻብኦታትን ምስይጣንን" እዩ ክትብል ነጺጋቶ'ላ።

ወኪል ኤርትራ ኣብ ጀነቫ ኣደም ዑስማን ነቲ መጋባእያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሃገሩ "ናጻ ፖለቲካዊ ሕርያ" ከምዘለዋ ብምጥቃስ፡ "ኣብ መሰረታዊ መሰላት ዝጭበጥ ምምሕያሻት ትገብር ኣላ" ክብል ሞጒቱ።

እታ ብዓልቲመዚ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ቤት ጽሕፈታ ምስ ሰብመዚ ኤርትራ ዘካየዶ ርክብ ክትገልጽ እንከላ ድማ "መንግስቲ ብዝገበረሉ ዕድመ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዞባዊ ወኪልና፡ ካብ 4 ክሳብ 7 ግንቦት 2022 ንካልኣይ ግዜ ናብ ኤርትራ" በጺሑ ምንባሩ ጠቒሳ።

እቲ ወኪል ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ፍትሒ፡ ዜናን ካልኦት ላዕለዎት ሰበሰልጣንን ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ምስ ናይ ልምዓት መሻርኽቲ ኣካላትን ተራኺቡ ነይሩ።

ንኵነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ንምክትታል ዝተመዘዙ ፍሉያት ወኪላት ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ከምዝተኸልከሉ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት ናይቶም ብ"ጕጅለ-15" ዝፍለጡ "ንምልካዊ" ኣካይዳ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነቐፉ ላዕለዎት ሚኒስተራትን ጀነራላትን ክሳብ ሎሚ ተሰዊሮም ይርከቡ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ቀይይ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት'ውን ክሳብ ሎሚ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ነታ ሃገር ካብ 1991 ኣትሒዙ ይመርሓ'ሎ። እቲ ኣብ 1993 ዝቘመ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ'ውን ብዘይወግዓዊ መገዲ ፈሪሱ'ዩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ንዘቤታዊ ጉዳያት ዝምልከት ቃለ-መሕትት ዘካየደ ፕረዚደንት፡ እሱራት ክፈትሕን ፖለቲካዊ ጽገናታት ከተኣታቱን ትጽቢት ተነቢሩሉ'ኳ እንተነበረ፡ ዛጊት ዘአንፈቶ ነገር የለን።

ንዘቤታዊ ጉዳያት ዝምልከትን 4ይ ክፋልን ቃለ-መሕትት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ።