እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ እትርከበን 12 ሃገራት ዘሎ ሃይማኖታዊ ነጻነት ዘተሓሳስብ እዩ - ኣሜሪካ
ኣሜሪካ፡ ኤርትራ ሓዊሱ ኣብ 12 ክልተ ሃገራት ዘሎ ሃይማኖታዊ ነጻነት ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት ከምዘሎ ገሊጻ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ ኣብተን ኣህጉራዊ ሕግታት ነጻነት ሃይማኖት ዝጥሕሳ ኢላ ዝዘርዘረተን ሃገራት ዘሎ ኵነታት ከምዘተሓሳስባ ገሊጹ።
ኣብቲ ዝርዝር ዝተጠቐሰት ኤርትራ፡ ሃይማኖታዊ ነጻነት ደሪታ ብምባል ብተደጋጋሚ ብኣሜሪካን ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ መሰላትን ክትነቅፍ ጸኒሓ እያ።
መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራን ምእምናንን ከምዝእሰሩንከምኡ’ውን ዘመሓድርዎም ትካላት ከምዝዓጸዉን ከምዝሃገሩን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ተጸብጺቡ እዩ።
ኣብቲ መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣስማት ናይተን ምስ እምነት ዝተኣሳሰር ጭቆናን ከቢድ ምግሃስ መሰል ሃይማኖታዊ ነጻነትን ዝፍጽማ ሃገራት ብዝርዝር ተጠቒሱ ኣሎ።
ብተወሳኺ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ሃይማኖታዊ መሰረት ዘለዎም ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብ ዝርዝር ስግኣት ኣስፊሩ እዩ።
ብመሰረት እዚ፡ 12 ሃገራት ዝተጠቐሳ ክዀና እንከለዋ፡ ካብ ኣፍሪቃ እንኮ ዝተረቝሐት ሃገር ኤርትራ እያ።
እተን ነጻነት ሃይማኖት ዝድርታ ተባሂለን ዝተጠቐሳ ካልኦት ሃገራት በርማ፡ ቻይና፡ ኩባ፡ ኢራን፡ ኒኳራጓ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ፓኪስታን፡ ሩስያ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ታጂኪስታንን ቱርክመኒስታንን እየን።
ብዘይካ’ቲ ኣብ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ትካላትን ሰዓብተንን ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ግህሰት፡ ኣብታ ሃገር ከም ሃይማኖታዊ ትካላት ክንቀሳቐሳ ዝተፈቕደለን ሃይማኖታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፡ ሉተራን ቤተ ክርስቲያንን ሱኒ እስልምናን ጥራይ እየን።
ካብተን ዘተሓሳስባ ዝተበሃላ ሃገራት ብተወሳኺ፡ ኣልጀርያ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኮሞሮስን ቬትናምን ሃይማኖታዊ ነጻነት ብምግሃስ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ፍሉይ ቆላሕታ ክወሃበን ምዃኑን ብሊንከን ኣመልኪቱ።
ንሱ ወሲኹ፡ ምስ እምነት ዝተኣሳሰሩ ዕጥቃዊ ንጥፈታት ዘካይዱ ጕጅለታት'ውን ፍሉይ ስግኣት ምዃኖም ጠቒሱ።
መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ሶማልያ ኣልሸባብ፡ ኣብ ናይጀርያ ቦኮ ሓራም፡ ኣብ ሶርያ ሓያተ 'ታሕሪር ኣልሻም፡ ኣብ የመን ሑቲ፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣይኤስ፡ ኣብ ኢራን ኣይኤስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማሊ ጀማዓት ዝተበሃሉ ጕጅለታት ከምዘለለየት፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንክ ገሊጹ።
ብዘይካ’ዚ፡ ሓይልታት ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጹ ኣብ ምግባር መሪሕነት ዝወሰደ ጣሊባንን ከምኡ’ውን ዋግነር ዝተባህለ ሩስያዊ ጕጅለ ዕሱባት ወተሃደራት ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብዝገበሮ ንጥፈታት፡ ካብቶም ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ነጻነት ሓደጋ ዝፈጠሩ ዝተበሃሉ ጕጅለታት እዮም።
ኣሜሪካ ኣብ መላእ ዓለም ሃይማኖታዊ ነጻነት ክኽበር ትገብሮ ምክትታል ከምትቕጽልን ምስተን ጥሕሰት ዝፍጽማ ሃገራት ርክብ ብምግባር ናይ ምምሕያሽ ጻዕርታት ከምትገብርን እቲ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሩ።