እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካንየ ዌስት ዓመጽ ኣለዓዒሉ ብዝብል ካብ ትዊተር ተኣጊዱ
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ትዊተር ተኣጊዱ ዝነበረ ካንየ ዌስት፡ ብጸያፍ ጽሑፋቱ "ዓመጽ ኣለዓዒሉ" ተባሂሉ ተኸሲሱ፡ ካብ ትዊተር’ውን ተኣጊዱ።
እዚ ሕጂ የ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ኣሜሪካዊ ራፐር፡ ተኸታታሊ ዘይንቡር ትዊተር ዝጸሓፈ ኮይኑ ሓደ ካብዚኦም ስዋስቲካን ኣይሁዳዊ ኮኾብን ዘወሃህድ ምልክት ዘርኢ ይመስል።
ሓድሽ ሓላፊ ትዊተር ኤሎን መስክ፡ "ንካንየ ከስተኻኽል" ብሓደ ተጠቃሚ ትዊተር እዩ ተሓቲቱ።
ዌስት "ንዓመጽ ምልዕዓል ዝምልከት ሕጊና ጥሒሱ እዩ" ክብል መስክ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ኣስዒቡ'ውን፡ "ኣካውንቱ ክቋረጽ'ዩ" ክብል ገሊጹ።
ካብዚ ብተወሳኺ ብሓሙስ ምስ ኣሜሪካዊ ክልሰ-ሓሳባዊ ውዲት ኣሌክስ ጆንስ ገጹ ብማስክ ተሸፊኑን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ካንየ ዌስት ንመራሒ ናዚ ኣዶልፍ ሂትለር ንኢዱን ብዛዕባ ሓጢኣት፡ ስእለ-ጽዩፍን ዲያብሎስን ተዛሪቡ እዩ።
ሓላፊ ትካል ትምህርቲ ህልቂት ኣይሁድ ብሪጣንያ፡ ንርእይቶ ዌስት "ዘጽልእን ዘሕምምን" ክብል ገሊጽዎ።
ዋና ኣካያዲት ስራሕ ካረን ፖሎክ፡ "እዞም ርእይቶታት ምስቲ ልዑል ተርእዮኡን ዓቢ ሰዓብቱን ሓደገኛ ሳዕቤን ኣለዎም" ኢላ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዌስት ብተኸታታሊ ጸረ-ሴማውን ዓሌታውን ቃላት ምዝራቡ ክትዕ ዝፈጠረ ክኸውን እንከሎ እቲ ዓቢ ናይ ክዳውንቲ ትካል ኣዲዳስ ምስቲ ራፐር ዘለዎ ርክብ ከቋርጽ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
ዌስት ኣብ መጀመርታ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ጸረ-ሴማውያን መልእኽቲ ድሕሪ ምልጣፉ ካብ ናይ ትዊተርን ኢንስታግራምን ኣካውንቱ ተኣጊዱ ነይሩ። ክልቲኦም መድረኻት፡ ፖሊሲታት ጽልኢ ዘረባ ጥሒሱ ብዝብል፡ ዌስት ንራፐር ዲዲ ብህዝቢ ኣይሁድ ይቆጻጸር ኣሎ ኢሉ ዝኸሰሰሉ ጽሑፋት ኣልጊሶም እዮም።
እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ኣብ ሰሙን ፋሽን ፓሪስ ኣብ ዝገበሮ ምርኢት፡ "ህይወት ጸዓዱ ኣገዳሲ’የ" ዝብል ጭርሖ ዝሓዘ ቲሸርት ተኸዲኑ፡ ንዝተራእየ ድሕረ-ባይታ መልሲ ንምሃብ ዝተገብረ'ዩ።
ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ሊግ ጸረ ጸለመ ነታ ሓረጉ "ናይ ጽልኢ ዘረባ" ብምባል፡ ምስቶም ልዕልና ጸዓዱ ዝደልዩ ሰባት ኣተኣሰሲርዎ እዩ። እቶም ልዕልና ጸዓዱ ዝደልዩ ሰባት፡ ኣብ 2015 ‘ህይወት ጸለምቲ ኣገዳሲ’ዩ’ ንዝብል ምንቅስቓስ መልሲ ንምሃብ ‘ህይወት ጸዓዱ ኣገዳሲ’የ’ ዝብል ጭርሖ ክጥቀሙ ምጅማሮም ይፍለጥ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ዌስት ንኮሜድያን ትሬቨር ኖህ ጠቒሱ ዓሌታዊ ጸርፊ ድሕሪ ምጽራፉ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ን24 ሰዓታት ካብ ኢንስታግራም ተኣጊዱ ነይሩ።
እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ትዊተር እገዳኡ፡ እቲ የማናዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፓርለር፡ ዌስት ድሕሪ ደጊም ነቲ ትካል ክገዝኦ ከምዘይክእል ድሕሪ ምግላጹ'ዩ።
"እቲ ኩባንያ ነቲ ዕላማ መሸጣ ከቋርጾ ምስ የ ብሓባር ተሰማሚዑ ኣሎ" ክብል ገሊጹ።
እቲ ትካል ኣብቲ መግለጺኡ፡ "ፓርለር ንመጻኢ ዕድላት ዕብየትን ምዕባለን ናይቲ ንጡፍ ማሕበረሰብና መድረኽ ምዃን ክቕጽል'ዩ" ክብል ወሲኹ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንትዊተር ዝገዝአ መስክ፡ ብኡንብኡ ኣብ ልዕሊ ኣካታዕቲ ኣካውንታት ዝነበረ እገዳ ምልዓል ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓቢ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተኸታታሊ ሱር በተኻዊ ለውጢታት ጀሚሩ።
ናይ ዌስት ትዊተር ኣካውንት ቅድሚ ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢ መድረኽ ምግዛኡ ከምዝተመልሰ ብምግላጽ ዌስት ናብ ትዊተር ንኽምለስ ዝኾነ ተራ ከምዘይነበሮ ኣነጺሩ እዩ።
ዌስት ቅድሚ ዓመታት ብሕማም ባይፖላር ዲስኦርደር ዝተለኽፈ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኣብ ጥዕና ኣእምሮኡ ዘጋጠሞ ብድሆታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተዛሪቡ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ክኢላታት ሕክምናን ምስ ኩነታት ዌስት ዝመሳሰሉ ሰባትን፡ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ምስ ጸረ-ሴማውነት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ከምዘይከይድ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።