እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካዊት ኪም ካርዳሽያን ብሕጊ ምስ ካንዬ ዌስት ተፋቲሓ ነጨበረር ምህላዋ ኣረጋጊጻ
ኣመሪካዊት ኪም ካርዳሽያን ነቲ ንሸሞንተ ዓመታት ምስ ካንዬ ዌስት ዝጸንሐ ሓዳራ ብወግዒ መኸተምታ ከምዝገበረትሉ ተገሊጹ።
ኣብቲ ብረቡዕ ብማንዛ ዝተኻየደ ናይ ቤት ፍርዲ መጋባእያ፡ ኪም ካርዳሽያን ሽም 'ዌስት' ካብ ሽማ ክሕከኽ ተወሲኑላ።
ካርዳሽያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ያ ካብቲ ፍሉጥ ናይ ራፕ ደራፋይ ክትፈላለ ሕጋዊ ሕቶ ኣቕሪባ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣትሒዞም ኸኣ ተፈላልዮም።
እቶም ኣርባዕተ ዉሉዳት ዘለዉዎም ፍሉጣት ኣመሪካውያን መጻምድቲ ነበር፡ ንጉዳይ ምቕሊት ንብረቶምን ንጉዳይ ኣተዓባብያ ደቖምን ኣመልኪቶም ብሕጂ ክመያየጡ ምዃኖም'ዩ ዝግለጽ።
እቲ ብረቡዕ ዝተኻየደ መጋባእያ ነቲ ቀዳማይ ሕቶ ፍትሕ ካርዳሽያን መዕለቢ ገይሩሉ ኣሎ።
እቲ መስርሕ ፍትሕ ኣብ ክልተ ዝተኸፈለ ኮይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ንወግዓዊ ፍትሕን ምሕካኽ ስምን (ኣብ ከም ኣመሪካ ዝኣመሰላ ሃገራት ጓል ሓዳር ምስ መስረተት ብስም ብዓል ቤታ'ያ ክትጽዋዕ ትጅምር) ዘጠቓልል ኮይኑ እቲ ካልኣይ መስርሕ ንናብዮትን ንምምቃል ቀዋምን ተንቀሳቓሲ ንብረትን ዝምልከት'ዩ ዝኸውን።
ጓል 41 ዓመት ውርይቲ ተዋሳኢት፡ ሞዴልን ብዓልቲ ዋኒንን ኪም ካርዳሽያን ብፍትሕ ሓዳራ ኣዝያ ሕጉስቲ ምህላዋ ብተደጋጋሚ ክትገለጽ ጸኒሓ'ያ።
ንሳ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ "ቤት ፍርዲ ንፍትሕና ስለዘጽደቖ፡ ካንዬ ዌስት ሓዳርናን ርክብናን ከምዘብቐዐ ንክቕበሎ ክሕግዞ ይኽእል'ዩ" ኢላ።
ወዲ 44 ዓመት ካንዬ ዌስት ኣብቲ ብማንዛ ዝተኻየደ መጋባእያ ናይ ቤት ፍርዲ'ኳ እንተዘይተረኸበ፡ ሓዳሮም ብፍትሕ ንኸይዛዘምን ናብ ንቡር ርክቦም ንክምለሱን ይግባይ ክብል ከምዝኽእል'ዩ ዝግለጽ።
እዞም ሕጂ ርክቦም ብፍትሕ ዝዛዘም ዘሎ ፍሉጣት ኣሜሪካውያን ኣብ 2012 ተላልዮም ኣብ 2014'ዮም ሓዳር መስሪቶም።