ብፖሊስ ኣመሪካ ዝህደን ዘሎ ገዚፍ ድቢ

ኣብ ካሊፎርንያ ካብ ዝሓለፈ ክረምቲ ጀሚሩ ናብ ገዛውቲ እናሰበረ ብምእታው ጸገም ክፈጥር ዝኸረመ ‘ሃንክ ዘ ታንክ’ ዝተባህለ ገዚፍ ጸሊም ድቢ ብፖሊስ ይህደን ኣሎ፡፡

227 ኪ.ግ ዝምዘንን ካብ መብዛሕተኦም ብኽብደት ዝገዝፍን እዚ ሰራቒ ድቢ፡ ኣብቶም ዝሰብሮም ገዛውቲ በቐጻሊ መግቢ ይረክብ ብምንባሩ፡ ከም ካልኦት ድቢታት ነቲ እዋን ኣብ በረድ ተዋሒጡ ከምዘየሕለፎ ተገሊጹ፡፡

ገለ ሰብመዚ ድማ እቲ ድቢ ኣብ ናይ ሰባት ከባቢ ምንባር ስለዝለመደ ምቕታሉ ኣድላዪ ክኸውን ከምዝኽእል ተዛሪቦም፡፡

ተሓለቕቲ እንስሳታት ግና ናብ መዕቆቢ ክውሰድ ከምዝለዎ ይምዕዱ፡፡

ሃንክ፡ ካብቲ ኣብ ዝጠመየሉ እዋን ናብ ዝተዓጸዉን ሰብ ዘለዎምን ገዛውቲ ሰይሩ ናይ ምእታው ተግባሩ እዩ እቲ ቅጽል ሽም ወጺእዎ፡፡

‘‘ሓይሉን ግዙፍ ኣካላቱን ተጠቒሙ ናብ ገዛውቲ ሰይሩ ክኣቱ ከምዘለዎ ተማሂሩ እዩ ይብል’’ ይብል ወሃቢ ቃል ፒተር ቲራ፡፡

‘‘ ማዕጾ ገዛ ሰይሩ ይኣቱ፤ ማዕጾ ጋራጅ ሰይሩ ይኣቱ፡፡ ብመስኮት ይኣቱ’’ ኢሉ፡፡

‘‘ኪንግ ሄንሪ’’ዝብል ተወሳኺ መጸውዒ ዘለዎ ሃንክ ብግዝፊ ኣካላቱን ጸሊም ሕብሩን ኩሉ ከምዝፈልጦ ዲፓርትመንት ፖሊስ ሳውዝ ሌክ ታሆ ሓቢሩ፡፡

ብልሙድ ድቢታት ንምብራር ዝጠቕሙ ከም ናይ ሓደጋ እዋን ደምጺታት ተፈቲኖም ነዚ ሓደገኛ ድቢ ግን ከርሕቕዎ ኣይከኣሉን፡፡

ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ተሓላቒ እንስሳታት፡ ገዚፍ ክብደት እቲ ድቢ ካብቲ ዘለዎ ናይ ሰባት መግቢ ናይ ምምጋብ ሸውሃት ዝብገስ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ፡፡

እቲ ትካል ሃንክ ካብ ምቕታል ናብ ምዕቆቢ ክውሰድ ከምዘለዎ ዝገለጸ ኮይኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ድማ ጉሓፍን ተረፍ መግብን ክድርብዩ እንከለው ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣፍሊጡ፡፡

ሰብመዚ እቲ ከባቢ ንሃንክ ዝምልከቱ 150 ጥርዓናት ቀሪቡሎም እዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ናብ ልዕሊ 40 ገዛውቲ ሰይሩ ዝኣተወ ኮይኑ፡ ኣብ ገሊኡ ከቢድ ዕንወት ኣብጺሑ፡፡

‘‘ኣብዚ ከተማ ን 40 ዓመታት ተቐሚጠ እየ፡፡ ኣብዚ ቀረባ እየ ገዛይ ምቑላፍ ጀሚረ፤ ከምኡ ገይረ ኣይፈልጥን’’ ዝብል ድማ ብዓርቢ ሃንክ ገዝኡ ዝፈገረሉ ቲም ጆንሰን ዝተባህለ ነባራይ እዩ፡፡

‘‘ብዙሕ እንተዘይንቕልቦም ከምዚ ኣይመሸገሩናን’’ ኢሉ፡፡