እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቨርጂኒያ ብኣኽላባታ ተቐቲላ
ኣርባዕተ መዓልቲ ድሕሪ'ታ ናይ ጓል 22 ዓመት ቤታኒ ስቴፈንስ ሬሳ ምርካቡ ፡ ፖሊስ ቨርጂንያ ካልኣይ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ኣማውትኣ ክህብ ከሎ፡ ነቲ ብዛዕባ ኣቃትልኣ ክናፈስ ዝጸንሐ ቤላቤሎው ነጺጉ።
እቶም ኣባላት ፖሊስ ብዓርቢ ነቶም ኣኽላባት ኣብዝረኸቡሎም እዋን፡ እቲ ዝሕልውዎ ዝነበሩ ሬሳ ናይ እንስሳ ኢዩ መሲልዎም ነይሩ። እንተኾነ እቶም ኣኽላባታ ዝምንጭትዎ ዝነበሩ ናይ ስቴፈንስ ሬሳ ኢዩ ነይሩ ።
"ከምቲ ኣነ ዝተዓዘብኩዎ ካልኦት ኣርባዕተ ምክትላተይ'ውን እቶም ኣኽላባት መሰንገልኣ ክበልዑ ኢዮም ተዓዚቦም" ኢሉ ጂም ኣግኔው፡ ሓልፊ ፖሊስ ጎችላንድ።
"እቲ ኣዝዩ ዘሰንብድ ማህሰይቲ ኣብ ጎሮርኣን ገጻን ኢዩ ነይሩ" ኢሉ ጂም።
"ከምዝመስለኒ ፈለማ ኣውዲቖማ ክኾኑ ኣለዎም፡ ብድሕሪኡ ሃለዋታ ኣጥፊኣ፡ ካብኡ ብምምንጫት ቀቲሎማ" ኢሉ።
ጂም ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፈለማ እቲ ስእላዊ ዝርዝር ናይቲ ኣቀታትላ ክህብ ኣይደለየን ነይሩ፡ ካብ ሓልዮት ቤተሰብ ናይታ መዋቲት።
እንተኾነ ዳሕራይ ብዛዕባ ኣማውትኣ ኣብ ሪችሞንድ፡ ቨርጂንያ ቤላቤለው ክናፈስ ምስጀመረን ግዱስታ ዜጋታት ድማ ብቴሌፎን ከጨንቕዎ ምስ ጀመሩን፡ እቲ ዝርዝር ኣማውትኣ ክገልጽን ዝኾነ ሰብ ከምዘይቀተለን ድማ ገሊጹ።
ኣዕሩኽታ ድማ፡ እቶም ካብ ኮራኹር ከለው ጀሚራ ዘዕበየቶም ኣኽላባት እንታይ ረኺብዎም ኢዮ ቀቲሎማ ክብሉ ሓቲቶም።
ሓንቲ ካብ ኣዕሩኽታ፡ ባርባራ ኖሪስ ንኣብ ሪችሞንድ ዝርከብ ናይ ዜና ማዕኸን (WWBT) ከምዝሓበረቶም፡ "እቶም ኣኽላባት ብምስዓም ኢዮም ዝቐትሉኻ" ኢላ።
ኣቦ ስቴፈንስ ኢዩ ነቶም ኣኽላባት - ቶኖካን ፓክማንን - ብዓርቢ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ጓሉ ምጥፍኣ ኣብቲ ከባቢኦም ኣብ ዝርከብ ብእግራብ ዝተሸፈነ ቦታ ዝረኸቦም።
"ስቴፈንስ ኣዝያ እያ ተሃስያ፡ ገለ መዓልታት ቅድሚ ምርካብና እያ ድማ ሞይታ" ኢሉ ጂም። ክዳውንታ ኣብቲ ሬሳኣ ዝተረኽበሉ ቦታ ፋሕ ኢሉ ኢዩ ረኺብናዮ ድማ ኢሉ።
"ኣካላታ ኣዝዩ ተመንጪቱ ስለዝነበረ ምልክት ናይ መንከስቲ ንምርእይ ኣይተኻእለን" ኢሉ ጂም።
ገለ ሰበስልጣናት ከምዝበልዎ፡ ኣብ ርእሳ ዝተራእየ መንክስቲ ምስቶም ናይቶም ኣኽላባት መንከስቲ ይስነ፡ ምስ ናይ ካልኦት እንስሳታት ዋላ ምስ ናይ ድቢ መንከስቲ ተምሳልነት የብሉን ኢሎም።