ምስጓግ ስደተኛታት ካብ ብሪጣንያ ዝተቓወሙ ተሓለቕቲ ይግባይ ክብሉ’ዮም

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክሰጕግ እየ ምባሉ ዝተቓወሙ ተሓለቕቲ፡ ነዚ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ብምውሳድ ይግባይ ከምዝብሉ ተገሊፁ።

ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክግዕዙ ፍቓድ ምሃቡ ስዒቡ’ዩ፡ እቶም ተሓለቕቲ ፅባሕ ሰኑይ ይግባይ ከምዝብሉ ተገሊፁ ዘሎ።

ኣብ ዝቕፅል ሰሉስ፡ 31 ሰባት ናብ ሩዋንዳ ከምዝምለሱ ዝተነገሮም እንትኾን፡ ኣብዚ ዓመት ተወሰኽቲ ነፈርቲ ስደተኛታት ፅዒነን ናብ ሩዋንዳ ክበራ እየን።

ናይ ዌልስ ልኡል ቻርለስ፡ ነዚ ሓድሽ ፖሊሲ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ “ዘሸብር” ክብል ከምዝገለፆን ሕጉስ ከምዘይኮነን ጋዜጣታት ዓባይ ብሪጣንያ ፀብፂበን።

ልኡል ቻርለስ፡ ንንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ወኪሉ፡ ኣብዚ ወርሒ ናብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብምጋሽ፡ ኣብ ኣኼባ ሃገራት ኮመንዌልዝ ክሳተፍ’ዩ።

እንተኾነ ፖለቲካዊ ርኢቶ ካብ ምሃብ ከምዝቑጠቡ ተገሊፁ።

ሓድሽ ፖሊሲ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝብሎ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ናብ ሩዋንዳ ተመሊሶም ከም ብሓድሽ ዑቕባ ክሓቱ’ዮም።

ምምሕዳር ቦሪስ ጆንሰን፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግታእ እዚ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ’ዩ ዝገልፅ።

ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ብቻነል እንግሊዝ ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ኣቋሪፆም፡ 10 ሽሕ ሰባት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም።

እንተኾነ ነዚ ምስጓግ ስደተኛታት ዝቃወሙ ተሓለቕቲ፡ “በስገዳድ ካብ ሃገር ክወፅኡrr ይግበር ኣሎ" ብምባል ንውሳነ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ይኹንንዎ።

እዞም ተሓለቕቲ፡ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ፈላማይ በረራ ከይካየድን ሰባት ንከይሳፈሩ ንምእጋድ ተሊሞም ነይሮም።

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ሞንጎ እቶም ተሓለቕቲ ጀስቲስ ስዊፍት፡ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡ ናይ ሚኒስትር ጉዳይ ውሽጢ ዓዲ ፕሪቲ ፓቴል ትልሚ ክሳኻዕ ክፍቀድ የብሉን ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምስተወሰዱ፡ ምቹው ዘይኮነ ኩነታት ከምዘየጋጥሞም ርግፀኛ ምዃን ኣይከኣልን ክብል ድማ፡ ነቲ ቤትፍርዲ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ካብ ሞንጎ እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ዝኾነ ገዲም ኣዛዚ ፖሊስ ኢራን፡ ናብ ሩዋንዳ ምስከድኩ ሰለልቲ ኢራን ክቐትሉኒ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ፍርሒ ኣለዎ።

ኣብ ዝቕፅል ሰሉስ ናብ ሩዋንዳ ክምለሱ ስሞም ካብ ሞንጎ ዝተፀርሑ ዝኾነ እዚ ውልቀሰብ፡ ኣብ ኢራን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ኣይትኩስን ብምባሉ ዝተኸሰሰ ኮይኑ፡ ፍርዱ እናተፀበየ እንከሎ እዩ ናብ ቱርኪ ብምህዳም፡ ቀፂሉ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዑቕባ ሓቲቱ።

“ንምንታይ ናብ ሩዋንዳ? ካብ ናብ ሩዋንዳ ናብ ኢራን ክኸድ እመርፅ። ናብ ሩዋንዳ ከይደ ብፍርሒ ክነብር ኣይደልን” ኢሉ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምስተመለሱ ዝዓረፈሉ መዕረፊ ቦታ ኣዳልየሎም እየ፡ ይብል።

ኣብ ሩዋንዳ ኮይኖም ከም ብሓድሽ ዑቕባ ብምሕታት፡ ናብ ዝቕበልኦም ሃገራት ክኸዱ ይኽእሉ።

ዑቕባ ሓቲቶም ተቀባልነት ዘይረኸቡ ሰባት፡ ናብ ዝመፅእሉ ሃገር ክምለሱ ከምዝኽእሉ’ዩ እዚ ሓድሽ ፖሊሲ ዘአንፍት።

ዛጊድ 130 ሰባት ናብ ሩዋንዳ ከምዝምለሱ ተገሊፁ ኣሎ።