እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ 'ምድሪ ባሕርን ክሊ ሰማይን ኤርትራ ንሱዳናውያን ኮነ ወጻእተኛታት ክፉት’ዩ'
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ትማሊ ሰኑይ 01 ግንቦት 2023 ምስ ተሌቪዥንን ራድዮን ኤርትራ ብቐጥታ ኣብ ዝተመሓላለፈ ቃለ-መሕትት፡ ነቲ ብ15 ሚያዝያ ኣብ መንጐ እቲ ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣዛዚ ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ (ኣር ኤስ ኤፍ) ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ሕሜቲን ንዝተወልዐ ግጭትን፡ ነቲ ናብኡ ዝመርሐ ውህሉል ፖለቲካዊ ጸገማት ሱዳን ካብ ኣበቛቝላኡን መብርሂ ድሕሪ ምቕራብ፡ እዚ ናይ ሕጂ ግጭት ብኸመይ ነባርን ዘላቕን ፍታሕ ይርከብ ንዝብል ርእይቶኡ ሂቡ።
ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታ ሱዳን
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገረ ሱዳን፡ ኣብ 1956 ነጻነታ ምስተጐናጸፈት፤
ካብ 1956-1969፡ መንግስቲ ኣዝሃሪ፡ ካብ 1969-1989፡ ስርዓት ኑሜሪ፡ካብ 1989 ክሳብ 2019፡ ከኣ መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር፡ ንመስርሕ ሃገራዊ ህንጸት በቲ ዝድለን ክኸውን ዝግበኦን መገዲ ስለዘይከድዎ፡ ብፍላይ ኣብ 30 ዓመታት ስሮኣት ኣልበሽር፡ 'ካብ ሓዲድ ህንጸት ሃገርነት' ስለዝወጽአ፡ ኣብ 2011 ምንጻል ደቡብ ሱዳን ከምዘኸተለ፤ ብድሕሪኡ እውን ክሳብ ሕጂ ገና ዘይተፈትሐ ከቢድ ህልቂት ዘኸተለ ናይ ዳርፉር ምልዕዓልን፡ ናይ ኮርዶፋንን ብሉ ናይልን ፖለቲካዊ ሕቶታትን ከምዘሎ ብምሕባር፡ ናይ ደቡብ ሱዳን ሽግር እውን ፖለቲካዊ ፍታሕ ክናደየሉ እምበር ብምንጻል ክውዳእ ኣይነበሮን ኢሉ።
እንተዀነ፡ ብፍላይ መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር፡ ንፖለቲካዊ ሕቶታት ግቡእ ምላሽ እናሃበ ንፖለቲካዊ ህንጸት ሃገር ሱዳን ክንዲ ዝሰርሕ ፖሊሲ ናይ ካልኦት ከሳሲ ክብል ንሱዳን መደበር ሽበራ ስለዝገበራ፡ እታ ብጂኦግራፊ ኣገዳስነታ ኮነ ባህሪያዊ ጸጋታታ እትልለ ሱዳን፡ ብሓድነት ኣክንዲ ትህነጽ ሽግራታ እናተዋህለለ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ እናነሃረ ናብ ምፍርኻሽ ከምዘምርሐት፡ ምንጻል ደቡብ ሱዳን ከኣ ሓደ ዓቢ ታሪኻዊ ጌጋ ከምዝዀነ ሓቢሩ።
ፍኑው ህዝባዊ ኣብያ
ኣብ መወዳእታ እቲ ብምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ኣልበሽር ዝተማረረ ህዝቢ ሱዳን፡ ብ19 ታሕሳስ 2018 ኣብ መላእ ሱዳን ፍኑው ህዝባዊ ናዕቢ ብምክያድ ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተኸታታሊ ተቓውሞ ብ11 ሚያዝያ 2019 ብሓገዝን ተሳትፎን ሰራዊት ሱዳን ነቲ ን30 ዓመታት ዝመለኾ ዑመር ኣልበሽርን ስርዓቱን ካብ ስልጣን ኣልይዎ።
ይዅን እምበር እቲ ብህዝባዊ ናዕቢ ዝተረጋገጸ ለውጢ ኣማስያኡ ብወተሃደራት ስለእተጨውየ፡ ናብዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ናይ ስልጣን ቍሩቁስ ከምዘምርሐ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ “ናይቲ ህዝቢ [ሱዳን] ቍጠባዊ፡ ድሕነታዊ፡ ናይ መነባብሮ ኵነታት እናኸፍአ ምስ ከደ እቲ ህዝቢ መሪርዎ፡ ኣብ 2019፡ ፍኑው ናዕቢ ገይሩ ነቲ ስርዓት ኣውዲቝዎ” ክብል፡ ስርዓት ህንጸት ሃገር ሱዳን ካብ መኣዝኑ ወጺኡ ስለዝሃውተተ ከምዝወደቐ ገሊጹ።
ድሕሪ 2019’ከ?
እቲ ህዝቢ “ይኣኽለና” ኢሉ ነቲ ስርዓት ምስቀየሮ፡ ሱዳን ኣብ ቀራና መገዲ ከምዝኣተወት፤ ጕዕዞ በሪ ኣማን (ሰላማዊ ምስግጋር) እታ ዝሓጸረትን ዝቐለለትን ክነሳ ብግቡእ ስለዘይተታሕዘት፡ ናብዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላውን ውግእን ከምዝማዕበለ፤ እቶም መራሕቲ ሰራዊት፡ ብንቡር መስርሕ ምስግጋር፡ ህዝቢ ዝመረጾ ስርዓተ መንግስቲ ከይተረጋገጸ፡ ዝተዋህብዎ ሓደራ ኣብ ምዕራፉ ከየብጽሑ ናብ ቍርቁስ ስልጣን ምእታዎም ከምዘሕዘኖ ሓቢሩ።
ህዝቢ ምስ ጸገሞ ንዘምጸኦ ፍኑው ለውጢ ክትብለጸሉ ኣይግባእን እዩ ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ በሪ ኣማን ከይተበጽሐ ንስልጣም ምሽማው ኣገዳሲ ከምዘይኰነ ሓቢሩ።
“በሪ ኣማን ማለት ሓድሽ ኵነት ኣብ ሱዳን ክመጽእ ኣለዎ፣ ካብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት እተራእየ፣ እቲ ሓድሽ ኵነት ከኣ ክግለጽ ዝኽእል ብስርዓተ መንግስቲ እዩ። ስርዓተ መንግስቲ ከኣ ህዝቢ ዝሓረዮ ህዝቢ ዝመረጾ ክኸውን ዘለዎ…!” ክብል እቲ ሕጂ ስቪልን ወተሃደርን እናተባህለ ዝግበር ዘሎ ምፍልላይ ካብ ቀንዲ መስመር ምንድልሃጽ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ “በሪ ኣማን” (ውሑስ ምስግጋር) ክብጻሕ እንተዀይኑ፡ ልኡላዊ ትካላት ብዝግባእ ክህነጹ፡ እዞም ሕጂ ንሓድሕዶም ዝዋግኡ ዘለው፡ ክልቲኦም ኣካል ናይቲ ዝወደቐ ስርዓት ዝነበሩ ሓይልታት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናይ ዳርፉርን ኮርዶፋንን ቡሉ ናይልን ዕጡቓት ኣብኡ ክሕቆፉ ከምዝግባእ ብምጥቃስ፡ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ምህናጽ ግዜ ከምዝሓትት ኣረዲኡ።
መስርሕ ምውህሃድ ሰራዊትን ናይ ግዜ መቓንን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ናብዚ ግጭት’ዚ ዘምረሐ ጉዳይ ምዃኑ፤ ኣልቡርሃን እቲ ሕሜቲ ዝእዝዞ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ናብ ሃገራዊ ሰራዊት ክጽንበር ክሓትት እንከሎ፡ ሕሜቲ ግን፡ እቲ ሃገራዊ ሰራዊት ብእስላማዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ስለዝተመልአ፡ ንሱ ክሳብ ዝጸሪ፡ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 10 ዓመት የድሊ እዩ ስለዝበለ ናብ ግጭት ከምዝኣተው እዩ ዝንገር።
ሽርክነት መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን
መንግስቲ ኤርትራ እቲ ብዘይ ዝዀነ ይዅን ሻርነት ናብ በሪ ኣማን ከብጽሕ ዝኽእል እቲ ሰራዊት ጥራይ እዩ ስለዝበለ፡ ቀንዲ ርክቡ ምስ ኣቦ መንበር መሰጋገሪ ልኡላዊ ባይቶን ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳንን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ከምዝነበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ገሊጹ።
“ከም ጐረቤት ከም መሻርኽትን ቀጥታዊ ዝምድናና ኮነ ዝዀነ እንገብሮ ምምኽኻር ምስ ቡርሃን እዩ ጸኒሑ” ብምባል፡ ኤርትራ ንሱዳን ናብ በሪ ኣማን ከሰጋግራ ዝኽእል እቲ ሰራዊትን እዩ ዝብል መርገጺ ከምዝጸንሓ ጠቒሱ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ከም ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ምዃኑ ዝጥቀስ ዘሎ ሓደ ብጀነራል ቡርሃን ዝተበገሰ ውሁድ ሰራዊት ናይ ምህናጽ ኣብዚ እዋን'ዚ ምምጽኡ "መዘንብዒ ወይ ምስምስ" እዩ ብምባል ነቒፍዎ።
"ሓደ ካብቲ ኣብዚ መወዳእታ እዋን ዘምጽእዎ ምዝንባዕ፡ ደምጅ ወይ ምጽንባር ሰራዊት ዝብል እዩ። ኣዳዕም ኣሰሪዕ ክጽንበር ኣለዎ ተባሂሉ። ዘዛርብ ጉዳይ ኣይኰነን። ሓደ ሰራዊት ክህሉ ዘከራኽር ወይ ዝውንዘፍ ኣርእስቲ ኣይኰነን። ሕጂ፡ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ዝትግበር ግን ኣይኰነን።
"ኵሉ መስርዑ ተጸኒዑ ክትግበረ ዘለዎ እዩ። ከም መትከል ግን፡ ሱዳን ከም ልኡላዊ ህዝቢ ክነብር እንተኾይኑ፡ ሓደ ናይ ምልክኻል ትካል ክህልዎ ኣለዎ። ብኸመይ ትሃንጾ ካልእ መስርሕ ስለዝኾነ፡ ምስዚ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ንብሎ ዘለና መስርሕ ክደባለቕ ኣይግባእን።
"ሕጂ ምምጽኡ መዘንብዒ ወይ ምስምስ ኢና ንብሎ ንሕና። ቅድሚ ሲቪላዊ መንግስቲ ምቛሙ ዝመጽእ ኣይኮነን። እቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ዓቢ ኣርእስቲ’ዩ ንገዛእ ርእሱ። ቅድም ብዛዕባኡ ዘዕግብ መልሲ ክትረክብ ኣለካ። ሲቪላዊ መንግስቲ ቅድሚ ምቛሙ ደምጅ (ጽንበራ) ክግበር ኣለዎ ምባል ሰረገላ ቅድሚ ፈረስ ምቕማጥ’ዩ። በየን ትኸይድ ደሓር?"
ኣብ መፋርቕ መስከረም 2019 ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝገበሮ ወግዓዊ ምብጻሕ፡ ምስ ኣቦ መንበር መሰጋገሪ ልኡላዊ ባይቶን ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳንን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ተራኺቡ፡ ኣብ ጸጥታ፡ ወተሃደራዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ጉዳያት፡ ኣብ ፖለቲካን ዲፕሎማስን፡ ኣብ ዞባዊ ድሌታት ንሰላም፡ ምርግጋእን ክተሓጋገዙ በዓል 6 ነጥብታት ስምምዕ ከምዝተፈራረሙ ይዝከር።
ብድሕሪኡ፡ ጀነራል መሓመድ ዳጋሎ (ሕሜቲ) ብ13 መጋቢት2023፡ ንናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንኣስመራ ምስ መጽአ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ “ሰራዊት ሱዳን ፖለቲካዊ ጸግዒ ክወስድ ከምዘይብሉ፡” ሰራዊት ሱዳን ካብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሓራ ብምዃን እወታዊ ተራ ክጻወት ድሌት ኤርትራ ምዃኑ" ከምዝገለጸ ዝሕብር ዜና ወጺኡ ነይሩ። ይዅን እምበር ልክዕ ዳርጋ ኣብ ወርሑ ብ15 ሚያዝያ’ዩ እቲ ናይ ካርቱም ግጭት ተወሊዑ።
ጉዳይ ሽምግልናን ዕርቅን
ኤርትራ ምስ ህዝቢ ሱዳን ኮነ ጉዳያት ሱዳን ዘለዋ ጽምዶ፡ ሕርያ ዘይኮነ ግዴታ ስለዝዀነ፤ ኤርትራ ብዅሉ ዓቕማ ከተበርክት ድልውቲ ምዃኑ ዝገለጸ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዋላ እውን ዓቕሙ ድሩት እንተዀነ፡ ልዕሊ ኵሉ ካልእ ውድባትን ግዱሳትን ኣሸማገልቲ፡ ሽግር ሱዳን ንምፍታሕ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ እቲ ሱዳን ዝኣባሉ፡ ዞባዊ ውድብ በይነ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንምዕባለ (ኢጋድ)፡ ክኸውን ከምዝግባእ ሓቢሩ።
“ዝዀነ ዓለም ክግደስ ይኽእል’ዩ ኣብዚ ናይ ሱዳን ኵነታት ንርእዮ ዘሎና፡ ሃገራት በብውልቀን እውን ክግደሳ ይኽእላ እየን፤ እታ ዝቐለለት ኣድማዕነት ክህልዋ ይኽእል’ዩ ንብላ ንሕና ግን፡ እቲ ናይ ኢጋድ ተበግሶ እዩ” ክብል ዓቕሚ ኢጋድ ንምሕያል ምድግጋፍ ክግበር፡ ልዕሉ ኹሉ ግን ሱዳናውያን ሽግሮም ባዕሎም ክፈትሑ ዕድል ክወሃቦም ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።
ታሪኻዊ ዝምድና ህዝብታት ሱዳንን ኤርትራን
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ህዝብታት ሱዳንን ኤርትራን ፍሉይ ታሪኻዊ ዝምድና ስለዘለዎም፡ ሱዳን ክትረግእ፡ ህዝባ ሰላም ክረክብ፡ ሱዳን ክትለምዕን ክትዓብን ንህዝቢ ኤርትራን ሱዳንን ናይ ሓባር ረብሓ ምዃኑ ብዝከኣሎ ክሰርሕ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው፡ ሽግር ክፈጥር ዝኽእል ብዙሕ ዘራጊ ንፋሳት ስለዘሎ ብንቕሓት ምክትታል ከምዘድሊ ብምግንዛብ፡ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ጽምዶ ምስ ምዕባለታት ኵነታት ዝኸይድ ዘይኮነስ መትከላዊ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ኣብ ባዛር ናይ ረድኤት ኣይንኣቱን ኢና ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ “ገነዝቲ ሬሳታት” ዝበሎም ንኸምዚ ናይ ሱዳን ቅልውላው ዘጋድዱ ኣካላት ከምዘለው ብምሕባር፡ ኤርትራ ናይ ስደተኛታት ድኳናት ክትከፍት ድሌት ከምዘይብላ፡ ብዓቕማ ግን ምቕሉል ኣበርክቶ ክትገብር ድልውቲ ምዃና፡ ዝዀነ ካብ ሽግር ሱዳን ክእለ ዝደሊ ሰላማዊ ሱዳናዊ ህዝቢ ኰነ፡ ናይ ዝዀነ ይዅን ሃገር ተወላዲ ወጻእተኛ ንኤርትራ ክመጽእ እንተደልዩ፡ ኤርትራ ናይ ምድርን ባሕርን ዶባታን ክሊ ኣየራን ማዕጾኣ ክፉት ምዃኑ ሓቢሩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ከም ስደተኛ ዘይኮነ ከም ዜጋ ይነብር ስለዝነበረ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣሕዋት ሱዳናውያን እንተመጺኦም ኣኣብ ገዝኡ አዕቊቡ ዝርካቡ ትሕዞኡ ከካፍሎም ቅሩብ ምዃኑ ሓቢሩ።
“ህዝብና ኣብ እዋን [ብረታዊ]ቃልስና፡ ኣብ ሱዳን ከም ስደተኛ ዘይኮነ ከም ዜጋ ወዲ ሱዳን ኮይኑ እዩ ዝነብር ነይሩ። ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ይዅን ድሕሪ ሓርነታዊ ቃልሲ ሱዳን ደጀን ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ። ኣብ ሱዳን ዝነብር ኤርትራዊ ከኣ ጓና እየ ወጻእተኛ እየ ኢሉ ሓሲቡ ኣይፈልጥን እዩ” ክብል ዝምድና ህዝብታት ሱዳንን ኤርትራን ፍሉይ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣስታት 140 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ከምዘለው ጸብጻብ ኮሚሽን ስደተኛታት ዩኤንኤችሲኣር የረጋግጽ። ኲናት ካርቱም ምስተወልዐ ሓያሎ ካብታ ከተማ ዝወጽኡ መንእሰያት ገሊኦም ከይተሓተቱ ብዘይ ድሌቶም ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምእታዎም፡ እቶም ካብ ሃገር ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዶባት ሰጊሮም ንሱዳን ዝኣተው መንእሰያት ተመሊሶም ንሃገሮም ክኣትው ስክፍታ ከምዘለዎ እዮም ዝገልጹ።
ኣብ መወዳእታ 'ቲ ቃለመሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብቛንቋ ዓረብ ንህዝቢ ሱዳን ዝምልከት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።