‘ኣይምርዓውን' ዝበለት ጓሎም ዝቐተሉ ወለዲ ተፈሪዶም

ኣባላት ስድራቤታ ኲናት፡ ባዴላን ቦርሳን ሒዞም ክጓዓዙ ተራእዮም

ምንጪ ስእሊ, CARABINIERI

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ስድራቤታ ኲናት፡ ባዴላን ቦርሳን ሒዞም ክጓዓዙ ተራእዮም

ምስ ዝመረጹላ ሰብ ኣይምርዓውን ዝበለት 18 ዓመት ዝዕድመኣ ጓሎም ዝቐተሉ ፓኪስታናውያን ወለዲ፡ ዕድመ ልክዕ ክእሰሩ ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ፈሪዱ።

እታ ሳማን ዓባስ ዝተበሃለት መንእሰይ ን18 ኣዋርሕ ጠፊኣ ድሕሪ ምጽንሓ ሬሳኣ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ሰሜን ኢጣልያ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ገዛ ተረኺቡ።

ኣቡኣ ሻባር ዓባስ ኣብ ፓኪስታን ምስ ተታሓዘ ኣብ ነሓሰ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ናብ ኢጣልያ ተዋሂቡ።

ኣብ ፓኪስታን ተሓቢኣ ከምዘላ ትእመን ኣደኣ ናዝያ ሻሂ’ውን ኣብ ዘየተረኸበትሉ ተፈሪዳ።

ሻባር ዓባስ ኣቐዲሙ፡ "ኣብ ህይወተይ ንጓለይ ክቐትል ሓሲበ ኣይፈልጥን" ክብል ብውዕዉዕ ስምዒት ንቤት ፍርዲ ገሊጹ ነይሩ።

ኣኮ እታ መንእሰይ ዳኒሽ ሓስናይን፡ ኣብቲ ቅትለት ኢድ ኣለዎ ብዝብል ን14 ዓመታት ማእሰርቲ ዝተፈርደ ክኸውን እንከሎ ክልተ ደቂ ሓወቦኣ ግን ነጻ ተባሂሎም።

ሳማን ዓባስ ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ 2021 ብስድራኣ ናይ ክብሪ ቅትለት ተፈጺምዋ፤ እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ልዑል ስንባደ ፈጢሩ ነይሩ። ንሳ ድሕሪ ምጥፋኣ፡ ሕብረት እስላማውያን ማሕበረሰባት ኢጣልያ፡ ፋትዋ ዝተበሃለ ብግዴታ መርዓ ዝነጽግ ሃይማኖታዊ ውሳነ ኣውጺኡ።

እታ መንእሰይ ኣብ 2016 ምስ ስድራኣ ካብ ፓኪስታን ናብታ ናይ ሕርሻ ከተማ ኖቬላራ ከምዝተሰደደት ጸብጻባት ኢጣልያ ይሕብሩ።

ኣብኡ ድማ ምስ ፓኪስታናዊ መበቆል ዘለዎ መንእሰይ ርክብ ጀሚራ፤ ወለዳ ምስቲ መንእሰይ ክትሰዓዓም እንከላ ዘርኢ ስእሊ ድሕሪ ምርኣዮም ኣዝዮም ከምዝተቘጥዑ ይንገር።

መርመርቲ ኢጣልያ፡ ወለዲ ሳማን ዓባስ ኣብ 2020 ሰብኣይ መሪጾም ሓዳር ንኽትገበር ናብ ፓኪስታን ክትገይሽ ደልዮም ከምዝነበሩን ንሳ ግን ከምዝይኣበየት ገሊጾም።

ብድሕሪኡ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክትነብር ድሕሪ ምጽናሓ፡ ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ 2021 ካብ ስድራኣ ድሕሪ ዝተለኣኹ መልእኽትታት ናብቲ ኣብ ኖቬላራ ዝርከብ ገዛ ስድራቤታ ከምዝተመልሰት ጸብጻባት ኢጣልያ ይሕብሩ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ተታሊላ ናብ ገዛ ወለዳ ክትምለስ ከምዝተገብረን ኣብዚ ኣብቲ እዋን ድማ ከምዝጠፍአትን ገሊጾም።

ብፖሊስ ዝተዘርግሐ ናይ ጸጥታ ምስሊ፡ ብ29 ሚያዝያ 2021 ሰለስተ ኣባላት ስድራቤታ ኲናት፡ ባዴላ ሰማያዊ ቦርሳን ሒዞም እናተጓዕዙ ከለዉ የርኢ። ካልእ ምስሊ ድማ ንጽባሒቱ እታ መንእሰይ ምስ ወለዳ ካብቲ ገዛ ክትወጽእ ከላ ዘርኢ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ሬሳኣ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ኣኮኣ ኣበይ ከም ዝተቐብረት ድሕሪ ምግላጹ፡ ካብቲ ስድራቤት ዝነብሩሉ ቦታ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ናይ ሕርሻ ገዛ ተረኺቡ።

ኣብቲ ሬሳ ዝተገብረ መርመራ፡ ዓጽሚ ክሳዳ ከምዝተሰብረን፡ እዚ ድማ ብሰንኪ ማሕነቕቲ ክኸውን ከምዝኽእልን ኣረጋጊጹ።

ኣብ ፓኪስታን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ክብሪ ቅትለት ይቃወማ (ፋይል)

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፓኪስታን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ክብሪ ቅትለት ይቃወማ (ፋይል)
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እታ መንእሰይ ድሕሪ ምጥፍኣ ወለዳ ብኡንብኡ ካብ ኢጣልያ ናብ ፓኪስታን ከይዶም። ኣኮኣ ዳኒሽ ሓስናይን ክልተ ደቂ ሓውቦኣን ድማ ናብ ፈረንሳን ስጳኛን ተጓዒዞም።

እቲ ኣኮ ኣብ መወዳእታ ኣብ 2021 ኣብ ፓሪስ፡ ኣቦኣ ድማ ኣብ 2022 ኣብ ፓኪስታን ተታሒዞም። ኣደኣ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣይተረኸበትን።

ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ረጅዮ ኤሚልያ ዝርከብ ቤት ፍርዲ፡ ክልቲኦም ወለዲ ገበነኛታት ኰይኖም ድሕሪ ምርካቡ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪድዎም።

ኣቐዲሙ ንጹህ ምዃኑ ንቤት ፍርዲ ዝገለጸ ሻባር ዓባስ፡ "እዚ ፍርዲ ምሉእ ኣይኮነን፤ ኣነ'ውን ንጓለይ መን ከም ዝቐተላ ክፈልጥ እደሊ" ከምዝበለ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

ቅትለት "ክቡር" ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ካብ ገለ ልምድታት ቀቢላታት ዝመጸ ምዃኑ ይእመን፤ ብመሰረት’ዚ ልምዲ ሓንቲ ጓል ፈጺማቶ ዝበሃል ክሲ ኣብ ልዕሊ ስድራኣ ውርደት ከም ዘምጽአ ይግመት።

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ዘይዛመድ ወዲ ተባዕታይ ርክብ እንተጀሚራ፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ስድራቤት ክቐትልዋ ይፈቅድ።

ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቶም ዝበዝሑ ምኽንያታት "ቅትለት ክብሪ"፡ እታ ግዳይ ወለዳ ዘምጽኡላ ሰብ ኣይምርዓውን ኢላ እንተኣብያ ወይ ብሓይሊ እንተተዓሚጻ ወይ ጾታዊ ዓመጽ እንተበጺሕዋ ምዃኖም ይገልጹ።

ይዅን’ምበር ብዝያዳ ቀለልቲ ምኽንያታት’ውን ክፍጸም ይኽእል እዩ፡ ንኣብነት ዘይግቡእ ኣከዳድና እንተተኸዲና ወይ ከም ዘይምእዛዝ ዓይነት ባህርያት እንተርእያ።

ኣብ ፓኪስታን ኣብ ዓመት ኣማኢት ደቂ ኣንስትዮ በዚ ኣገባብ ይቕተላ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዝቕተሉ ደቂ ተባዕትዮ ቍጽሪ ኣዝዩ ሒደት’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ርሑቕ ኣውራጃ ኮሂስታን እትነብር ጓል 18 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ፡ ምስ ሰብኣይ ኰይና ዘርኢ ስእሊ ምስተዘርገሐ ብትእዛዝ ሽማግለታት ቀቢላ ብኣቦኣን ኣኮኣን ብጥይት ከምዝተቐተለት ይዝከር።

እንተዀነ እቲ ስእሊ፡ ድሒሩ ዝተሰነዐ ከምዝነበረ ተረጋጊጹ’ዩ።