ግዳም ሓደር ምስ ጓል 80 ዓመት ሃብታም መበለት - ሓቀኛ ዛንታ ፍቕሪ ወይስ ምትላል?

እቶም መጻምድቲ

ካሮሊን ሆላንድ ኣብ ገማግም ባሕሪ ካሊፎርንያ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ካዩኮስ እትነብር ሃብታም መበለት እያ።

ምስ ደቪድ ፎውት ክትራኸብ እንከላ ጓል 80 ዓመት ነይራ፤ ንደቪድ ብ23 ዓመት እያ ትዓብዮ። ፈለማ ዝዀነ ስራሕ ክሰርሓላ’ዩ ናብ ገዛኣ ከይዱ። ኣብ ውሽጢ ሳምንቲ ብፍቕሪ ተጻሚዶም ዘይመውት ፍቕሮም ኣዊጆም።

ካሮሊን፡ ኣብ ዕድመኣ ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ክሳብ ክንድዚ ብዕምቈት ፍቕሪ ክሕዛ ትጽቢት ኣይነበራን።

"ናይ ሓልዮት መንፈስ ስለዘለዎ ፍሉይ ነገር’ዩ ዝህበኒ። ብዙሕ ዘመሳስል ነገር ኣለና። ስብእናኡ ኣዝየ እየ ዝፈትዎ፡ ስለዝዀነ ክኸይድ ከሎ ደስ ኣይብለንን" ትብል።

" ዓቕመይ ብዘፍቅዶ ብዝተኻእለኒ መጠን ክሕብሕባ’የ" ይብል ደቪድ ብወገኑ።

"ኵሉ ሰብ ካሮሊን ናተይ ምዃና ይፈልጥ እዩ፤ ብዛዕባ ርክብና ዘላግጽ ድማ ኣይደልን። ኣብ ገዛ ትጽበየኒ ሰብ ስለዘላትኒ ደገ ኣየምስን’የ" ክብል ይዛረብ።

ይዅን’ምበር፡ ደቂ ካሮሊን ግን ነገራት ብኻልእ መገዲ እየን ዝርእያኦ።

ንሳተን፡ ደቪድ ንኣደአን ኣታሊሉ ገንዘባ ከም ዝወስድን ከጉህያ ከምዝኽእልን እየን ዝኣምና።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ከባቢ ስለዝነብር’የ ብዛዕባ ዛንታ ደቪድን ካሮሊንን ፈሊጠ። ብዛዕባ ፍቕሮም ክኣምን’ዩ ድልየተይ - ግን ከም ስድራቤት ካሮሊን ኣነ'ውን ጥርጣረ ነይሩኒ።

ንካሮሊን ዘጋጠማ ነገር ምትላል ድዩ ወይስ ሓቀኛ ፍቕሪ? ሓንቲ ካብ ሓሙሽተ ልዕሊ 60 ዝዕድመአን ኣንስቲ እዚ ጸገም’ዚ የጋጥመን’ዩ።

"እቲ ኣብ ዕድመኦም ዘሎ ፍልልይ ደስ ኣይበለንን - ምልክት’ዩ ነይሩ" ትብል ኪም ዝተበሃለት ጓል ሓፍቲ ካሮሊን። "ክንድኡ ዝዕድመኡ ሰብ ፍቕሪ ከም ዝሓዞ ዘመስል መሕደሪ ንምርካብ እንተዘይኰይኑ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል?"

ቅኑዕ ኵነታት እቲ ዛንታ ንምዕዛብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እየ ረኺበ፤ ኵሎም ተሳተፍቲ ሓሳቦም ክገልጹ ድሌት ነይርዎም። ደቂ ካሮሊን ጭንቀተንን ስክፍታአንን ዝገልጻሉ ዕድል ምርካበን ብሓጐስ ተቐቢለናኦ። ደቪድን ካሮሊንን ድማ ሰባት ብጌጋ ይፈርድዎም ከም ዘለዉ ስለዝተሰምዖም ታሪኾም ክነግሩ ድሌት ነይርዎም።

ሓደ ጐረቤተይ ደቪድ ኣብ ገዛይ ዝተሓዳደስ ነገር ክሰርሓለይ ከምዝኽእል ምስ ሓበረኒ እየ ተላልየዮ። ደቪድ ኣብ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን እቲ ከባቢ ስሩዕ ተሳታፊ’ዩ፤ ብዅሉ ተፈታዊ’ዩ። ሃርሞኒካን ጊታርን ድማ ይጻወት ነይሩ። ብተወሳኺ ተዋዛይን ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወቱ ኣዝዩ ግልጽን ይመስል።

ብዛዕባ ባህሪያቱ ምስ ሰማዕኩ ስድራ ካሮሊን ስለምንታይ ስክፍታታት ከም ዝሓደሮም ተረዲአ። ዴቪድ ናብ ካዩኮስ ክመጽእ ከሎ ግዳም ሓደር እዩ ነይሩ። ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ገዛ ካሮሊን ገለ ስራሕ ክሰርሕ ክመጽእ እንከሎ ኣብ ጸገም ዝርከብ ግዳም ሓደር እዩ ነይሩ።

ወልፊ ሓሽሽ ከም ዝነበሮ ከይተማትአ’ዩ ተኣሚኑ። እቲ ወልፉ ናብ ንግዲ ዕጸ ፋርስ ስለዘእተዎ ተጠራጣሪን ጭንቑን ከምዝኸውን ገይርዎ ነይሩ።

ደቪድ ሓሽሽ ምውሳድ ከም ዝገደፎ ይዛረብ፣ ኣነ ግን ብዙሕ ከም ዝሰትን ማሪዋና እውን ከም ዘትክኽን ኣስተብሂለ።

ካሮሊን ኣብ 2014 ምስ ነፍስሄር በዓል ቤታ ጆ
መግለጺ ስእሊ, ካሮሊን ኣብ 2014 ምስ ነፍስሄር በዓል ቤታ ጆ

ደቂ ካሮሊን - ሱዛንን ሳሊን - ኣደአን ምስ ደቪድ ድሕሪ ምልላያ ኣብ ስብእናኣ ዘርኣየቶ ለውጢ ኣዝዩ ኣሰንቢድወን’ዩ። "ከም ሕልሚ ዓለም'ዩ፡ ኣዝዩ ግርም'ዩ" ትብል ሳሊ። "ንሱ ክመጽእ ከሎ ከም ጐርዞ፤ ብዙሕ ትስሕቕን ኪርኪር ትብልን ነይራ።"

ርክብ ደቪድን ካሮሊንን ፍቕሪ’ዩ ኢለን ንሓንቲ ደቒቕ’ውን ኣይኣመናን። መጻምድቲ ዘድልያ ጽምውቲ ኣደን ተንኮል ዝሓሰበ ሰብኣይን እዩ ዝረኣየን ነይሩ።

ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሕቶ ውርሻ እውን ኣሎ። ካሮሊን ምስ ነፍስሄር በዓል ቤታ ጆ፡ ሒደት ሚልዮናት ዶላር ዝግመት ንብረት ኣጥርያ’ያ።

ካሮሊን ምስ ደቪድ ምስ ተራኸበት ድሮ ናይ ኣእምሮ ዓቕማ ትስእን ከም ዘላ ብምእማን ንብረታ ባዕላ ንምምሕዳር ኣእምሮኣ ብቝዕ ከም ዘይኰነ ክእውጃ ፈቲነን።

ካሮሊን "ኣልዛይመርስ ከም ዘለኒ’የን ዝሓስባ" ኢላትኒ። "እወ ብዙሕ ነገራት እርስዕ እየ፡ ግን ብዙሕ ጸቕጢ ስለዘለኒ’ዩ። ባዕለይ ውሳነታት ክውስን ግን እኽእል እየ።"

ካሮሊን፡ ምስ ዴቪድ ዘለዋ ርክብ ካብ ደቃ ይናፈለያ ነይሩ። ንተዀነ ግን ዝመረጸቶ መጻምድቲ ክትሕዝ ምሉእ መሰል ከም ዘለዋ ትኣምን። ደቃ፡ ድሕሪ ሞት ኣቦአን ዘድልያ ደገፍ ከም ዘይሃብኣ ትገልጽ፡ ምስ ዴቪድ ቅድሚ ምርኻባ ድማ "መጺአን ሓቲተናኒ ኣይፈልጣን፡ ኣይመጻንን እውን" ትብል።

ደቃ ግን ነቲ ዝበለቶ ይነጽገኦ። ሓሙሽተ ሰዓታትላብ ዝርሕቀቱ እትነብር ሱዛን፡ ዝያዳ ኣብ ጥቓ ኣዲአ ክትህሉ ትምነ። ንሳን ሓፍታን ከኣ ቆልዑ የዕብያን ምሉእ ግዜአን ይሰርሓ ከም ዝነበራ ትዛረብ። ንኣደኣ ኣብ ጉዳያተን ከሳትፋ ከም ዝፈተናን ንሳ ግን ብዙሕ ፍቓደኛ ከም ዘይነበረትን ድማ ትዛረብ።

ሳሊ፡ ሱዛንን ካሮሊንን ኣብ 2022 መበል 80 ዓመት ልደት ካሮሊን የብዕላ
መግለጺ ስእሊ, ሳሊ፡ ሱዛንን ካሮሊንን ኣብ 2022 መበል 80 ዓመት ልደት ካሮሊን የብዕላ

ደቪድ ቅድሚ ምምጽኡ፡ እታ ኣብ ቀረባ እትነብር ሳሊ፡ ንኣደኣ ኣብ ሕሳባታን ምኽፋል ግብርን ትሕግዛ ነይራ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ዘይምስምማዕ፡ ካሮሊን ንገንዘባ ዳግማይ ክትቈጻጸሮ ደሪኽዋ’ዩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ካሮሊን ምስ ደቪድ ስምምዕ ሓባራዊ ልቓሕ ተፈራሪማ፤ እዚ ድማ 40 ሽሕ ዶላር ዝዋግኣ መኪና ክገዝእ ኣኽኢሉዎ።

ደቪድ ምሉእ ወጻኢታት ናይቲ ልቓሕ ክትሽፍን ገዲፉዋ እንተ ጠፊኡ እንታይ ከም ዝፍጠር ሓቲተያ። ብዛዕባ’ዚ ከም ዘይትጭነቕን ደቃ እንታይ ከም ዝሓስባ እውን ከም ዘይግድሳን ገሊጻትለይ።

"ካብ ደቪድ ዝከላኸላለይ ዘለዋ’ዩ ዝመስለን፡ ደቪድ ግን እቲ ኣብ ህይወተይ ዝፈተኹዎ ሰብ'ዩ።"

ብዛዕባ ደቪድ ዘሎ ሓቂኸ እንታይ እዩ?

ድሕሪ ናይ ሓደ መዓልቲ ስራሕ ናብ ካሮሊን ተመሊሱ ድራራ ከብስልን መድሃኒት ክትወስድ ከዘኻኽራን ርእየዮ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ህሞታት’ዩ ብሓቂ ከም ዘፍቅራን ከም ዝሓልየላን ዘእመነኒ።

ግን ድማ ኣብ ከተማ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዕሩኽቱ፡ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ስራሕ ክሰርሕ ከም ዘየድልዮ ክምካሕ ሰሚዐዮ’የ።

ስለዚ ሕሉፍ ታሪኹ ክምርምር ወሲነ። ታሪኹ ዘቤታዊ ዓመጽን ንህጻናትን ሸለልትነትን ከም ዘጠቓልል ድማ ክፈልጥ ክኢለ።

ቅድሚ ሕጂ ንሓንቲ መጻምድቱ ሰበይቲ ተኣማኒት ኣይኮነት ክበል ጠርጢሩ ምስ ቀጥቀጣ ዝምድናኡ ኣብቂዑ። ቅድመኡ ካብ ዝነበሮ ሓዳር፡ ዝወለዳ ጓሉ ብሰንኪ ሸለልትነት ዳርጋ ሞይታ ነይራ። ብድሕሪ ደቪድ፡ ነታ ቆልዓ ንዝዀኑ መጻምድቲ ሸይጥዋ፡ እቶም መጻምድቲ ከኣ ኣብ መወዳእታ ብሕጋዊ መንገዲ ውላዶም ገይሮምዋ።

ብዛዕባ’ዚ ምስ ሓተትክዎ፡ ደቪድ እዚ ዅሉ ዝሓለፈ ታሪኽ’ዩ ይብል። ሕጂ ናብ ቤተክርስትያን ዝኸይድ ሰብ፡ ዝሓሸ ህይወት ክመርሕ ድማ ምስ ኣምላኽ ውዕል ዝኣተወ ሰብ ምዃኑ ይዛረብ። ምንም ከይሓዘ ናብ ካዩኮስ መጺኡ ንካሮሊን ምርካቡ ብፈጣሪ ዝተዳለወ ምልክት ገይሩ እዩ ዝርእዮ።

"የሱስ እንታይ ከም ዝባረኸኒ ርኣይ" ኢሉኒ። "ክገድፋ ኣይከኣልኩን፡ ምኽንያቱ ኣብዚ ምስኣ ክኸውን ስለ ዘለኒ።"

ዴቪድ፡ ኢየሱስ ምስ ካሮሊን ክኸውን ከም ዝደለዮ ይዛረብ
መግለጺ ስእሊ, ደቪድ፡ የሱስ ምስ ካሮሊን ክኸውን ከም ዝደለዮ ይዛረብ

ታሪኾም ግን ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ወጥሪን መሪር ጥርዝን በጺሑ።

ንካሮሊን ኣብ ጎዶቦ ናይቲ ትነብረሉ ከተማ፡ ክልተ ገዛውቲ ዘለዎ መሬት ኣለዋ። እቲ ሓደ ገዛ ንጓል ወዳን ስድርኡን ኣካርያቶ እኳ እንተነበረት ዴቪድ ግን ነቲ ገዛውቲ ናብ ዕዳጋ ክተቕርቦ ኣእሚንዋ።

እዞ ከኣ፡ ዴቪድ ነቲ ናይ ኣዲአን ናይ ኣእምሮ ጸገም ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ዝኣመና ደቂ ካሮሊን ኣቖጢዑወን። ዴቪድ ነቲ ገዛውቲ ንዘሻይጡ ሰባት ከርእዮም እንከሎ ኣዲአን ዝተደናገረት መሲላ ዝተራእየትሉ ብናይ ጸጥታ ካሜራ ዝተቐድሐ ቪድዮ ኣርእየናኒ።

ካሮሊን ካብቲ ሽያጥ ገዛውቲ ንዴቭ 600 ሽሕ ዶላር ክትህቦ ቃል ኣትያ ነይራ።

እቲ ገዛውቲ ቀልጢፉ ምስ ተሸጠ ካሮሊን ንኽፍሊት ዝተጸሓፈላ ቸክ ካብቶም ሸየጥቲ ክትቅበል ትጽበ ነይራ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ግን ኮቪድ ሓሚማ ሆስፒታል ኣትያ።

ካሮሊን ብመኽሪ ዴቭ ክታበት ኣብያ - እቲ መደብ ክታበት መስርሕ ቁጽጽር መንግስቲ ምዃኑ ኣእሚንዋ ነይሩ።

ካሮሊን ናብ ገዝኣ ምስ ተመልሰት፡ እቲ ድኹም ኣካላውን ኣእምሮኣውን ኵነታት፡ ደቃ ንፋይናንሳዊ ጉዳያታ ክቆጻጸራ ዘኽኣለን ናይ ውክልና ስልጣን ረኺበን።

ካሮሊን ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐት ካብዛ ዓለም ተፈልያ። "ኮቪድ ኣይኰነን ዝቐተላ" ትብል ሱዛን፡ "ግን ድሮ ተጎዲኣ ስለዝነበረት እቲ ሕማም ኣበርክቶ ገይሩ’ዩ።"

ደቃ፡ ዴቪድ ኣብተን ናይ መወዳእታ መዓልታታ ንካሮሊን ክበጽሓ ኣይፈቐዳሉን። ከም ዝሞተት ክነግርኦ’ውን ኣይደወላን። እታ ናይቲ ከባቢ ቤተክርስትያን ዝሃበተን ድጋፍ ስለዘየሐጎሰን ስነ-ስርዓት ቀብሪ’ውን ኣይተኻየደን።

ሱዛንን ሳሊን ክሳዕ ሕጂ ኣዲአን ከም ዝተመዝመዘት’ዩ ዝስምዐን። ሓካይም ኮኑ ፖሊስ ወይ ኣገልግሎት ክንክን ከም ዘይሓገዝወን እየን ዝሓስባ። "ኩሉ ሰብ ኣእዳው ኣይዘርገሐን" ትብል። "እቲ ንሕና ንርእዮ ዝነበርና ኣይርእይዎን ነይሮም።"

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓደ ሚልዮን ሰባት ሕማም ምርሳዕ ኣለዎም። ሓደ ሲሶ ካብኣቶም ከኣ መርመራ ዘይተገብረሎም እዮም። እዚ ኵነታት’ዚ ንምዝመዛ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ይገብሮም። ሱዛንን ሳሊን፡ ብዛዕባ ኣዲአን ዘለወን ስክፍታታት ክገልጻ ምስ ሰማዕኩ፡ ምስ ክልተ ክኢላታት ሓካይም ኣረጋውያን ብዛዕባ እቲ ዝበልኦ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸገም ፋይናንሳዊ ግህሰት ኣዘራሪበዮም።

ዶክተር ማርክ ላክስን ዶክተር ጄሰን ካርላዊሽን ከም ዝብልዎ፡ ሓንጎል ብሕማም ወይ ዕድመ ምስ ዝጉዳእ፡ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ክጎድሉ ዝኽእሉ ነገራት ክኸውን ይኽእል’ዩ።

እዚ መስርሕ እዚ ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰር ፋይናንሳዊ ተቓላዕነት ብዝብል ክልለ ድሌት ኣለዎም።

ዶክተር ካርላዊሽ፡ "ፋይናንሳዊ ውሳነታት ኣዝዩ በዳሂ እዩ። ዋላ'ውን ቅልል ዝበለ ናይ ኣእምሮ ጸገም እንተሃልዩካ፡ ዋላ'ኳ ብኻልእ መገዲ ብሓፈሻ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ጽቡቕ ትገብር እንተኾንካ፡ ኣብ ፋይናንስ ክትጋገ ትኽእል ኢኻ” ይብል።

እቶም ሓካይም ፍርቂ ካብቶም ንሕክምና ናብ ክሊኒኮም ዝመጽኡ ሕሙማት ከም ዝተታለሉ ነጊሮሙኒ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ትካል ግብረ ሰናይ ሃውርግላስ ዳይረክተር ፖሊሲ ቨሮኒካ ግራይ፡ ኣብ 2022 ካብ ኣረጋውያን ግዳያት ናይ 19.5 ሚልዮን ፓውንድ ስርቂ ወይ ምትላል ከም ዝተፈጸመ ትገልጽ። እዚ ድማ ካብቲ ካብ 2017-2019 ዝነበረ ጉዳይ ብ50 ሚእታዊት ከምዝወሰኽ የርኢ።

ኣብ 70 ሚእታዊት ካብዞም ጉዳያት ደቂ እቶም ግዳያት ይሳተፉ። ኣብቶም ዝተረፉ ድማ ዝፈልጥዎም ሰባት፡ ኣለይቲ፡ ሓደስቲ ኣፍቀርቲን ደቂ ደቆምን ከይተረፉ ኢድ ይህልዎም። መብዛሕትኦም ጉዳያት ናብ ፖሊስ ኣይቐርቡን። እቶም ግዳያት ድማ ምስቲ ኣዕናዊ ጽልዋ ናይዚ ፋይናንሳዊ ግህሰት ክነብሩ ይግደዱ።

ቨሮኒካ ግራይ፡ ብሰንኪ’ቲ ሕቡእ ገበን ኢላ ትጽውዖ ኵነታት፡ "ብዙሓት ብዙሕ ገንዘብን፡ ንዓመታት ዝነብሩሉ ንብረት ይስእኑን ናብ ዓቢ ዕዳ ይወድቁን" ትብል።

እዚ ኣብ ከም ናይ ካሮሊን ዝኣመሰሉ ስድራ ቤታት ዘይተለምደ ዛንታ ኣይኰነን - እቶም ሓካይም ኣረጋውያን ኩሉ ግዜ ተመሳሳሊ ዛንታታት ከም ዝሰምዑ’ዮም ዝዛረቡ።

ዴቪድ ዳግማይ ኣብ ደገ ይነብር ኣሎ
መግለጺ ስእሊ, ዴቪድ ዳግማይ ኣብ ደገ ይነብር ኣሎ

ዴቪድ ዋላ እኳ እታ ካሮሊን ሓጊዛቶ ዝገዝኣ መኪና እንተላቶ፡ መሊሱ ግዳም ሓደር ኰይኑ ኣሎ።

መኪናኡ ኣብታ መጀመርታ ናብ ከተማ ምስ መጽአ ዝነብረላ ዝነበረት ቦታ ደው ኣቢሉ፡ ካብ ዳግመ-ምጥቃም ዝተሰርሑ ስልማትን ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን እናሸጠ መነባብሮኡ ክመርሕ ይጽዕር ኣሎ።

ንመወዳእታ ግዜ ክርእየ ከለኹ ኣብ ዝዀነ ሕልሚ መሳሊ ነይሩ፡ ንካሮሊን ከም ዘፍቅራ ደጋጊሙ ንነብሱ ይነግራ።

"ምስ ደወለት መጺአ፡ ንካሮሊን ናፊቐያ፡ ንካሮሊን የፍቅራ’የ" ኢሉኒ። "ኣነ ብኣኣ ክሕበን ይፍትን ነይረ።" ከኣ ይብል።