ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ንምዃን ዝነሓንሑ ዘለዉ ክልተ ሕጹያት

ኣብ መሪሕነት ገዛኢ ውድብ ዓቃባዊ ሰልፊ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ክልተ ሕጹያት፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ተኪኦም ንክመረጹ ንኣባላት'ቲ ሰልፊ ሓሳባቶም የፍልጡ ኣለዉ።

ሪሺ ሱናክን ሊዝ ትራስን፡ ንዝቕጽል ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃን፡ ዝበዝሐ ድምጺ ከምዝረኸቡ ኣባላት ባይቶ ትማሊ ረቡዕ ዝሃብዎ ናይ ወዳእታ ድምጺ የመልክት።

ዝሓለፉ መንግስታት ዓቃባውያንን ሌበርን፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝተኸተልዎ ቁጠባዊ ፖሊሲታት፡ ዕብየት ከምዘየምፅእ ሕጽይቲ መሪሕነት ውድብ ቶሪ፡ ሊዝ ትራስ ገሊጻ።

ሚስ ትራስ፡ በቲ መወዳድርታ ዝዀነ ሪሺ ሱናክ ዝተኣታተወ ወሰኽ ግብሪ ድማ፡ ንዕብየት "ሓኒቑዎ" ክትብል ነቒፋቶ።

ቻንስለር ነበር ሚስተር ሱናክ ግን፡ ናህሪ ዋጋ ንብረት ምስወረደ ግብሪ ክጎድልን ቁጠባዊ ዕብየት ክፈትሕን ቃል ኣትዩ ኣሎ።

እቶም ተነሓናሕቲ ንኣባላት እቲ ውድብ ንምዕዋት ኣብ ዝቃለስሉ ዘለዉ እዋን፡ ቁጠባዊ ፖሊሲ ቀንዲ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ።

እቶም ኣስታት 160 ሽሕ ኣባላት እቲ ሰልፊ ብኢንተርነት ወይ ብፖስታ ድምጾም ክህቡ እዮም፡ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ኣብ መስከረም ካብ ስልጣኑ ኣብ ዝለቀሉ እዋን ክፍለጥ እዩ።

ሚስ ትራስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ንነብሳ "ናይ ለውጢ ሰብ” ምዃና ዝገለጸት ኰይና፡ንሕንሕ እቶም ኣመራርሓ እናሓየለ ይኸይድ ከምዘሎ ተዛሪባ።

ሚስ ትራስ፡ ሓደ እዋን ኣብ ትሕቲ ዓቃባዊ መንግስቲ ኮይና ኣብ ዝሰርሐትሉ፡ እቶም ፖሊሲ "ተሪር ቁጠባዊ” ፖሊሲ ዝኽተሉ ንለውጢ ይቃወሙ ከምዝነበሩ ኣዘኻኺራ።

ሚስ ትራስ፡ "ሕዚ ኣብ ብሪጣንያ ንዝርከቡ ሰባት ኣዝዩ ዘድልዮም ለውጢ'ዩ" ኢላ።

ንሳ፡ ቦሪስ ጆንሰን ካብቲ ቁጠባዊ መድረኹ ክወጽእ ቃል እኳ እንተኣተወ፡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ክቕጽል ድጋፍ ከምዝነበራ’ውን ወሲኻ ገሊጻ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚስተር ሱናክ ንደይሊ ቴሌግራፍ ከምዝበሎ፡ "ከምቲ ማርጋሬት ታቸር ኣብ 1980ታት ዝገበረቶ ሱር በተኻዊ ጽገናታት" ከተኣታትው ቃል ኣትዩ።

"ቁጠባዊ ዕብየት ንምዕዋት እቲ ዝበለጸ መንገዲ ግብን ቢሮክራስን ምጉዳል፡ ከምኡ'ውን ኢንቨስትመንትን ምህዞን ውልቃዊ ጽላት ምዕባይ'ዩ" ኢሉ።

ሚስተር ሱናክ ኣቐዲሙ፡ ብቕልጡፍ እንተዘይኰነ’ኳ፡ በዚ መገዲ ኣቢሉ ጽዕንቶ ግብሪ ክንክዪ ከምዝኽእል ገሊጹ።

ንሱ፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ተወሳኺ ፖሊሲታት ከቐምጥ ትጽቢት ይግበር።

ሪሺ ሱናክን ሊዝ ትራስን ድምጺ ብልጫ ኣባላት ባይቶ ተዓዊቶም እዮም። ሊዝ ትራስ ብ113 ድምጺ ካልኣይቲ ኮይና፡ ነታ ሓደ እዋን ተፈታዊት ዝነበረት ሚኒስተር ቢዝነስ ሰልፊ ፔኒ ሞርዳውንት በሊጻታ።

ክሳብ ሕዚ ብቐፃልነት ዝመርሕ ዝነበረ ቻንስለር ነበር ሪሺ ሱናክ ኣብቲ መረፃ ብ137 ድምፂ ቀዳማይ ደረጃ ረኺቡ ኣሎ።

እቶም ክልተ ናይ መወዳእታ ደረጃ ዝበጽሑ ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ዋዕላታት ከዳልዉ እዮም።

 እቲ ቀዳማይ ድሕሪ ሰሙን ኣብ ሊድስ ክካየድ እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ለንደን ክካየድ እዩ።

ብተወሳኺ ክልተ ብቴሌቪዥን ዝካየድ ክትዕ ከካይዱ እዮም፤ እቲ ሓደ ንዕለት 18 ሓምለ 2014 ዓ.ም ብቢቢሲ ዝሰናዳእ ኰይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ ብስካይ ኒውስ ዝዳሎ እዩ።

እቶም ኣባላት እቲ ባይቶ፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ድምጾም ክህቡ ዝግደዱ ኰይኖም፡ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ድማ 30 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ክግለጽ እዩ።

ሪሺ ሱናክ፡ ቻንስለር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግብሪ ክቑለል ከምዝገበረ ዝነቐፈት እታ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ሪሺ ሱናክ፡ ተመራጺ ሕፅይቲ ኰይና ከምዘላ እዩ ዝዝረብ።