ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ንምዃን ትህቅን ዘላ ጸላም ኣፍሪቃዊት

ናይጀርያ ዝመበቈላ ከሚ ባደኖች መራሒት ሰልፊ ዓቃባውያን ንምዃን ጐስጓስ ምረጹኒ ጀሚራ'ላ።

ከሚ ባደኖች ንቦሪስ ጆንሰን ንምትካእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ሳልሳይ ዙርያ ውድድር፡ ምስ ቀዳሞት ኣርባዕተ ክትስራዕ ናይ ብዙሓት ትጽቢት ኣይነበረን።

ጓል 42 ዓመት ከሚ ባደኖች ሚኒስተር ማዕርነት ዝነበረት እያ።

ኣብ ዊምበልደን ደቡብ ለንደን ካብ ናይጀርያውያን ወለዲ ዝተወለደት ከሚ፡ ኣብቲ ኣደኣ ፕሮፌሰር ኰይና ትምህረሉ ዝነበረት ሃገራት ናይጀርያን ኣሜሪካን’ያ ዓብያ።

ጓል 16 ዓመት ምስ ኰነት ናብ ብሪጣንያ ብምምላስ ኸኣ፡ ጐድኒ ጐድኒ ዝልዓለ ትምህርታ ኣብ ማክዶናልድ ትሰርሕ ነይራ።

ካብ ዩኒቨርስቲ ሳሰክስ ብዓውዲ ኮምፒተር ሲስተም ብዲግሪ ምስ ተመረቐት ፡ ኣብ ሓደ ናይ ግሊ ባንኪ ምክትል ዳይረክተር ኰይና ክትሰርሕ ጀሚራ፣ ከይጸነሐት ዳይሬክተር መጽሄት ስፔክታተር ኰይና ከትዓዪ ጀሚራ።

ጓል 25 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ ኣባል ሰልፊ ዓቃባውያን ብምዃን ዝተመዝገበት ከሚ ባደኖች፡ ብተደጋጋሚ ኣባል ባይቶ ንምዃን ድሕሪ ምውድዳር፡ ኣባል ባይቶ ለንደን ኰይና ክትምረጽ ክኢላ።

ወሃቢት ቃል ሰልፊ ዓቃባውያን ኣብ ጉዳያት ቍጠባ ኰይና’ውን ሰሪሓ’ያ።

ኣብዚ ትገብሮ ዘላ ጐስጓስ ካብ ብዙሓት ሰባት ደገፍ ትረክብ ኣላ።

ኣብ 2017 ኣባል ባይቶ ክትከውን ዝኸኣለት ከሚ ባደኖች፡ ሚኒስተር ማዕርነት ኰይና ምስ ተመዘዘት፡ ኣብታ ዓሌታውነት ብብዝሒ ከም ዝርኣየላ እትግለጽ ዓባይ ብሪጣንያ ብዙሕ ነገራት ሰሪሓ ተባሂላ’ያ ትውደስ።

ከሚ ባደኖች፡ ኣብ መኽፈቲ እቲ ተካይዶ ዘላ ጐስጓስ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ “ንሰብ ቀዳምነታት ሂብና ክንሰርሕ ኣለና” ብምባል “ኣብ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ምዝባዕ ኢና እንርከብ” ኢላ።

ንሳ፡ መንግስቲ ሰኣን ቀዳምነታት ምስራዕ ገንዘብ የባኽን ኣሎ ብምባል እያ ትገልጽ።

“መንግስቲ፡ ኣብ ዕድጊ ዘህለኾ 300 ቢልዮን ፓውንድ ኣብ ማዕርነት፡ ብዙሕነትን ተተካኢ ጸዓትን ውዒሉ እንተዝኸውን፡ ኣርባሒ ምዀነ፡ እንተዀነ ከምኡ ክግበር ኣይተኸኣለን” ኢላ።

ኣስዒባ፡ “ንምንታይ ኢና ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ደው ዝበሉ ስርሓት፡ ሚልዮናት ፓውንድ ነባኽነሎም?” ብምባል ትሓትት።

“ኣብዛ ሃገር እየ ተወሊደ፡ ኣብዚ ግን ኣይዓበኹን፡ ናብዛ ሃገር ጓል 16 ዓመት ምስ ኰንኩ’የ መጺአ፡ ሕጂ ግን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ንምዃን ይወዳደር ኣለኹ፡ እዚ ዝድነቕ ነገርዶ ኣይኮነን?”

“ብርግጽ ዝድነቕ ነገር እዩ፡ ሰባት ነቲ ጸጽቡቑ ገዲፎም ንምንታይ’ዮም ኣብቲ ከክፉኡ ዘድህቡ ግርም’ዩ ዝብለኒ” ኸኣ ትብል።