ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ብምስጢር ስነስርዓት መርዓ ኣካይዱ

ቀዳማይ ሚኒስተር ዩናይትድ ኪንግደም ቦሪስ ጆንሰን፡ ኬሪ ሳይሞንድስ ምስ ዝተብሃለት ሕጽይቱ ኣብ ቤተ ክርስትያን ካቴድራል ዌስትሚኒስተር ብምስጢር ስነስርዓት መርዓ ከምዝፈጸመ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ገለ ጋዜጣታት እታ ሃገር ከምዝጸብጸብኦ፡ እቲ መርዓ ዘመድ ኣዝማድን መሓዝቶምን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም እዩ ተኻይዱ።

ጸሓፊ ስራሕን ጥሮታን ዓዲ እንግሊዝ ቴሬስ ኮፊ ኣብ ትዊተሩ፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ንመርዓቱን 'ርሑስ ጋማ፤ እንኳዕ ደስ በለኩም' ኢሉዎም።

ሚኒስተር ሰሜናዊ ኣየርላንድ ኣርሌን ፎስተር ብወገኑ፡ 'እንኳዕ ደስ በለኩም!' ብምባል ሓጎሱ ገሊጹሎም።

ዘ መይል ዝተብሃለ ጋዜጣ ናብቲ መርዓ 30 ሰባት ጥራይ ከምዝተዓደሙ ብምሕባር፡ እዚ ድማ ምስቲ እታ ሃገር ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዘውጸአቶ ኣዋጅ ዝፍቀድ ብዝሒ ሰብ ከምዝኾነ እዩ ጸብጺቡ።

ኣብ ምስንዳእ እቲ ብሃይማኖት ካቶሊካዊ ዝተኻየደ ስነስርዓት መርዓ፡ ሒደት መራሕቲ ሃይማኖት ከምዝተሳተፉ'ውን ተገሊጹ።

ዘ ሰን ዝተብሃለ ከምዝጸብጸቦ፡ ዳውኒንግ ስትሪት ተባሂሉ ዝፍለጥ መንበሪ እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር እንግሊዝ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ እዩ ዝዝረብ።

እንተኾነ፡ ቀትሪ ሰዓት 01፡30 [07፡30 ኣ.ኢ] ምስ ኮነ ኣማንያን እታ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ንቐጽሪ እቲ ቤተ ክርስትያን ለቒቖም ክወጽኡ ከምዝተሓተቱ ተገሊጹ።

ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ድማ፡ ጓል 33 በዓልቲ እንድኡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ፡ ሳይሞንድስ፡ ጻዕዳ ተኸዲና ናብ ቐጽሪ'ቲ ቤተ ክርስትያን በጺሓ።

ገለ ነቲ ስነስርዓት ዝዓጀቡ ሙዚቀኛታት ኣብቲ ከባቢ ተራእዮም ይብሉ እቶም ጸብጻባት።

ወይዘሮ ሳይሞንድ ምስ ወዲ 56 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ፍቕሪ ዝመስረተት ኣብ 2019 ከምዝኾነ ይዝረብ።

ሕጹያት ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም ዝጸንሑ ኾይኖም፡ ኣብ ለካቲት 2020 ነብሰጾር ምዃና ተዘሪቡ።

ቦኽሪ ወዶም ዊልፍሬድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ'ዩ ተወሊዱ።