ኣብ ደሴታት ካናሪ ጃልባ ስደተኛታት ብምጥሓላ 30 ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ደሴታት ካናሪ ገማግም ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ኣብ ዝጠሓለት ጀልባ ተሳፊሮም ካብ ዝነበሩ ከባቢ 60 ስደተኛታት ልዕሊ 30 ካብኣቶም ጥሒሎም ክዀኑ ከም ዝኸእሉ ክልተ ትካላት ረድኤት ኣፍሊጠን።
'ዎኪን ቦርደርስ' ን 'ኣላርም ፎን' ን ከምዝገለጻኦ ኣብታ ጀልባ ኣስታት 60 ሰባት'ዮም ነይሮም።
ሰበስልጣን ስጳኛ'ውን፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ሬሳታት ሓደ ትሕቲ ዕድመን ሓደ ሰብኣይን ከምዝረኸቡን ካልኦት 24 ሰባት ከምዘድሓኑን ገሊጾም።
እታ ጃልባ፡ ብረቡዕ እያ ካብ ግራን ካናርያ ንደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 160 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ጥሒላ።
እዚ ፍጻመ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ የጋጥም ብምህላዉ፡ ኣውሮጳ ንስደት እትህቦ ምላሽ ሓድሽ ምጽራይ ክካየድ ዝጠልብ እዩ።
ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ሄለና ማለኖ ጋርዞን፡ ኣርባዐተ ደቀንስትዮን ሓደ ህጻንን ዝርከብዎም 39 ሰባት ጥሒሎም ክትብል እንከላ፡ ዎኪንግ ቦርደርስ ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ ድማ 35 ሰባት ከምዝጠፍኡ ኣመልኪቱ።
እታ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ብተወሳኺ "ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ህጻንን ዝርከብዎም 60 ሰባት ኣብታ ክትጥሕል እትኽእል ድኽምቲ ጃልባ ኰይኖም ንልዕሊ 12 ሰዓታት ንህይወት ምድሓን ክጽበዩ ስቅያት'ዩ" ኢላ።
ጓርዳማር ካሊዮፕ ዝተባህለት መርከብ ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕን ስጳኛ’ውን፡ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ካብታ ጃልባ ኣስታት ሓደ ሰዓት ርሒቓ ትንሳፈፍ ከምዝነበረት ሮይተርስ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ስጳኛ EFE ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ይዅን እምበር እታ መርከብ ነታ ጃልባ ኣይሓገዘትን፤ ምኽንያቱ እቲ ስርሒት ብሰበስልጣን ሞሮኮ ስለዝተታሕዘ፡ ንሳተን ድማ ብናይ ስጳኛ ነፋሪት ህይወት ኣድሕን ድሕሪ ምርኣያ ድሕሪ 10 ሰዓታት ረቡዕ ንግሆ ዝመጸት ፓትሮል ጃልባ ከምዝለኣኸት ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ቢቢሲ ርእይቶ ክወሃቦ ናብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሞሮኮ ሕቶ ልኢኹ'ሎ።
መራሒ ዞባ ደሴታት ካናሪ ኣንጀል ቪክቶር ቶረስ ድማ ነቲ ፍጻመ፡ "ኣዝዩ ዘሕዝን" ክብል ብምግላጽ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ንጉዳይ ስደት "ዝተዋደደን ደጋፍን ምላሽ ዝህብ" ፖሊሲ ስደት ክተክል ጸዊዑ።
ደሴታት ካናሪ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣፍሪቃ'ኳ እንተሃለዋ ኣካል ስጳኛ ብምዃነን ብዙሓት ስደተኛታት ናብ መሬት ኣውሮጳ ክበጽሑ ተስፋ ብምግባር ካብ ኣፍሪቃ ናብተን ደሴታት ይጓዓዙ።

መስመር ስደት ምዕራባዊ ኣፍሪቃን ኣትላንቲክን ሓደ ካብቶም ቀተልቲ ተባሂሉ ዝግለጽ ኰይኑ፡ ኣብ 2022 ኣብቲ ጕዕዞ ብውሕዱ 543 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ወይ ከም ዝጠፍኡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ይሕብር።
ኣብቲ እዋን ኣብቲ መስመር 45 ስብርባር መራኽብ ከምዝተረኽባ ዝገለጸ IOM፡ እቲ ሓበሬታ ዘይርጡብን ሒደትን ብምዃኑ እቲ ዝተዋህበ ኣሃዛዊ ግምት ትሑት ገምጋም ክኸውን ከምዝኽእል ይእምት።
መብዛሕትኦም ነዚ ጕዕዞ ዝገብሩ ካብ ሞሮኮ፡ ማሊ፡ ሰኔጋል፡ ኮትዲቭዋርን ካልኦት ከባቢታት ሃገራት ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ምዃኖም ይሕበር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰበስልጣን ስጳኛ ብረቡዕን ሓሙስን ንግሆ ኣብ ጥቓ ደሴታት ላንዛሮትን ግራን ካናርያን ካብ ዝርከባ ካልኦት ሰለስተ ጀላቡ ልዕሊ 160 ሰባት ኣድሒኖም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ኣማኢት ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ገማግም ግሪኽ ከምዝጠሓለት ዝዝከር ኰይኑ፡ ዛጊት ብውሑዱ 78 ሰባት ከምዝሞቱ ዝገልጽ ዜና እኳ እንተተሰምዐ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ዝጥሓሉ ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት እውን ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ፍጻመ ኣመልኪቱ ክሳብ 500 ሰባት ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ከምዘጥፍኡ እኳ እንተሓበረ፡ ቢቢሲ ድማ ንሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ኣብ ጥርጣረ ዘእቱ ናይቲ ዘጋጠመ ጸብጻብ መርትዖታት ረኺቡ ኣሎ።
ሓለዋ ባሕሪ ግን፡ እታ ጃልባ ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝወስድ መስመር ብምንባራ ኣገልግሎት ምድሓን ከም ዘየድልያን ይምጕት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







