‘ንዓይ ግን ክትሳተፊ ኢኺ ዝበለኒ ኣካል የለን’፡ ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኣብ ፈረንሳ ንዝካየድ ኦለምፒክ ፓሪስ ካብ ዝተመረጹ ኣትለታት ብቐጥታ ተሳታፍነት ዘይተመረጸት ኣትለት ፍረወይኒ ሃይሉ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ለውጢ ውሳነ ከምዘየለ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ብመሰረት ዘለዋ ብቕዓትን ኣብ ውድድራት ዘመዝገበቶም ዝሓሸ ሰዓትን ኣብ 5 ሽሕ ወይ 1500 ሜትሮ ተሳታፊት ከምእትኸውን ተጸብያ ዝነበረት ፍረወይኒ፡ ኣብ ሓሙሽተ ሽሕ ጥራይ ተጠባባቒት ከምዝዀነት ፈደሬሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ዝዘርግሖ ዝርዝር የመልክት።
ነቲ ውሳነ ዝተቓወመት ኣትለት ፍረወይኒ “እቲ ነዓይ ካብ ቀጥታ ተሳታፍነት ዘግለለ ውሳነ ለውጢ ከምዝተገበረሉን ነዓይ ኣብ 5 ሽሕ ናብ ተሳታፊት ከምዝመለሰንን ዝገልጽ ደብዳበ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ይርኢ ኣለኹ። ግን ከኣ ነዓይን ዝበጽሓኒ ደብዳበ ይዅን ዘዘራረበኒ ኣካል የለን” ክትብል ሎሚ ረቡዕ ንቢቢሲ ኣረዲኣ።
ፈደሬሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ዝርዝር ተሳተፍቲ ኣትለታት ናብ ዓለማዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ክልእኽ ከሎ፡ ንፍረወይኒ ኣብ ሓሙሽተ ሽሕ ጥራይ ተጠባባቒት ከምዘስፈራ ይፍለጥ።
"ናተይ ሕቶ ጉዳፍ ጸጋይ ንምንታይ ኣብ ሰለስተ ውድድራት ትሳተፍ ኣላ ዝብል ኣይኮነን። ኣብቲ ናይ 5 ሽሕ ውድድር ምስ በዓል ጉዳፍ ተሰላፊት ኮይና ዘላ ሳልሰይቲ ኣትሌት ዝተመረጸትሉ ሰዓት ('ሚኒማ') ናይ ዓሚ እዩ፤ ናተይ ግን ኣብዚ ዓመት ዝሓሸ ሰዓት ኣመዝጊበ እየ። ስለዚ ብኸመይ ንሳ ክትምረጽ ክኢላ ዝብል ሕቶ መልሲ ኣይረኸብኩሉን" ትብል
እቲ ጉዳይ. . .
ኦሎምፒክ ፓሪስ ካብ 26 ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 ክካየደ መደብ ከምዝወጽኣሉ ይፍለጥ። ሃገራት ድማ ዝውክሉና ዝበላኦም ኣትለታተን ብኣጋ ብወግዒ የፍልጣ ኣለዋ።
ኢትዮጵያ’ውን ኣብዚ ቅነ ንኦሎምፒክ ፓሪስ ዝውክልዋ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ኣትለታት ወግዓዊ ገይራ ኣላ። ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ግን ሓደ ቅሬታ ኣዘራራቢ ኰይኑ’ሎ።
ቅሬታኣ ተስምዕ ዘላ ኣትለት ፍረወይኒ ሃይሉ ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፡ ኣብ መስርሕ ምሕራይ ተሳተፍቲ ኦሎምፒክ ዝዀኑ ኣትለታት ሕቶ ተልዕል።
እታ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለማዊ መድረኻት ንሃገር ወኪላ ከምኡ’ውን ብውልቃ መዳልያታት ዝረኸበት ኣትለት፡ ካብ መንጐ ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ኦሎምፒክ ዝሳተፉ ኣትለታት ክትምረጽ ዘይከኣለትሉ ኵነታት’ዩ መበገሲ ቅሬታኣ።
“ኣብ ናይ 1500 ከምኡ’ውን 5000 ሜትሮ ኣትኲረ እየ ክሰርሕ ጸኒሐ። ሎሚ ዓመት ኣብ 1500 ዘሎ ብቕዓተይ ከኣ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ናይ ‘ኢንዶር’ ውድድር ወርቂ ኣምጺአ፤ ዝሓሸ ሰዓት እውን ኣለኒ” እትብል ፍረወይኒ እተን ንኦሎምፒክ ተመሪጸን ዘለዋ ግን ካብ ናታ ዝተሓተ ውጽኢት ዘለወን ምዃነን ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ምንጪ ስእሊ, EAF
ኣብ ናይ 5000 ሜትሮ ውድድር ብተጠባባቕነት ዝተትሓዘት ኣትለት ፍረወይኒ “ብፍላይ ኣብ 1500 ልዕሊ ሓሙሽተ ግዜ ምሳይ ተወዳዲረን ካብ ዝሰዓርክወን እያ ንኦሎምፒክ ተሓርያ ዘላ። ኣነ ሎሚ ዓመት ዝሓሸ ሰዓት (ሚኒማ) ንሳ ግን ናይ ዓሚ ዝነበረ ሰዓታ ተራእዩ መሪጾማ” ትብል።
ብተመሳሳሊ ኣብ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ’ውን ሎሚ ዓመት ዝበለጸ ሰዓት ናታ እናሃለወ ዓሚ ብዘመዝገባኦ ‘ሚኒማ’ ብፈደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ከምዝተሓረያ ወሲኻ ገሊጻ።
“እቲ ፈደረሽን ንኣትለታት ዝመርጸሉ ረቛሕታት ንጹር ኣይኰነን። ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮ እንተሪኢና ‘ሎሚ ዓመት ጽቡቕ ዝጐየዩ’ ብዝብል እዮም መሪጾሞም። ኣብ ደቂኣንስትዮ ግን ሎሚ ዓመት ጽቡቕ ሰዓትን ዝሓሸ ብቕዓትን እናሃለወኒ ኣይረኣይዎን” ክትብል ትነቅፍ።
ነዚ ቅሬታኣ መልስን መብርህን ክትረኽበሉ ትጽቢት ብምግባር ናብ ፈደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ደብዳበ'ኳ እንተእተወት ክሳብ ሎሚ “ቅኑዕን ቀጥታውን” እትብሎ መልሲ ዝሃባ በዓልስልጣን እቲ ፈደረሽን ኣይረኸበትን።
“በዚ ምኽንያት ከኣ ህዝቢ ንኽፈልጠለይ ብቪድዮ መልእኽቲ ክዝርግሕ ተገዲደ” ኢላ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ጻንሒት።

ምንጪ ስእሊ, EAF
ንሳ፡ ኣብ ምሉእ ዓመት ንዝነበራ ኣፈጻጽማ መሰረት ብምግባር ‘ኣብ 1500 ተሰላፊት ኣብ 5000 ከኣ ተጠባባቒት ኰይና ከምእትምረጽ’ እምነት ከምዝነበራን ልምምድ ክትሰርሕ ከምዝጸንሐትን እያ ትዛረብ።
እቲ ፈደሬሽን ኣብ ልዕለኣ ዘሕለፎ ውሳነ መንቀሊኡ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ከምዘይትፈልጥ እትገልጽ ኣትለት ፍረወይኒ፡ “ንባዕለይ እውን ሕቶ ዝዀነኒ ጉዳይ እዩ፤ በዚ ምኽንያት እዩ ክብል ኣይከኣልኩን” ኢላ።
ሎሚ ዓመት ኣብ 5000 ሽሕ ሜትሮ ዘመዝገበቶ ሰዓት 14 ደቒቓን 20 ሰከንድን ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ እታ ተመሪጻ ዘላ ግን ሰዓታ 14 ደቂቓ ምስ 34 ሰከንድ ከምዝዀነን ዓሚ ንዘመዝገበቶ ርእዮም ከምዝመረጽዋን ተረድእ።
“ንዝምልከቶም ከዘራርብ ፈቲነ ክረኽቦም ኣይከኣልኩን። ከምዚ ዘይተጸበኻዮ ውሳነ ክውሰን ከሎ ዝፈጥረልካ ጸቕጢ ከቢድ እዩ። እንተዀነ መአረምታ ገይሮም ከምዘእትዉኒ እየ ተስፋ ዝገብር። ግን ከኣ ንቐጸልቲ ውድድራት ብሞራል ምድላወይ ደው ኣይከብልን” ኢላ።
ፈደሬሽን እንታይ ይብል?
ኣብ ኦሎምፒክ ኮነ ካልኦት ሃገራዊ፣ ኣህጉራውን ዓለማውን ውድድራት ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትለታት ናይ ምምራጽ ሓላፍነት ንፈደሬሽን ኣትሌቲክስ ዝተወሃበ ሓላፍነት’ዩ።
ነዚ ሓላፍነት መሰረት ብምግባር ከኣ ኣብቲ ናይ ሎሚ ፈረንሳ እተአንግዶ ኦሎምፒክ ዝሳተፉ ኣትሌታት ከምዝተሓረዩ ምኽትል ፕረዚደንት እቲ ፈደሬሽን ኣትሌት ገዛሀኝ ኣበራ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እንተዀነ ዝወሰንናዮ “ብዘይፈለጥናዮ ምኽንያት ተቐይሩ” ይብል።
“ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዝሳተፉ ኣትለታት ንምሕራይ ክሳብ ቀረባ እዋን ዘሎ ብቕዓቶም እናተኸታተልና ዘመዝገብዎ ሰዓት ክንርኢ ጸኒሕና። በዚ መሰረት ከኣ ናይ መዋዳእታ ዝመረጽናዮም ዝሓዘ ዝርዝር ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣዳሊና። ብደረጃ ፈጻሚት ስራሕ ፈደሬሸን እውን ተዘራሪብናሉ” ክብል ነቲ ኣብ መወዳእታ በጺሖምሉ ዝነበሩ ምርድዳእ ገሊጹ።
እቲ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ከኣ: እታ ኣብ ሰለስተ ዓይነት ውድድራት ክትሳተፍ ሕቶ ኣቕሪባ ዝነበር ኣትለት ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ክልቲኡ ጥራይ ክትሳተፍ’ሞ ፍረወይኒ ኣብቲ ሓደ ንሃገራ ክትውክል ዝብል ከምዝነበረ እቲ ምኽትል ፕረዚደንት ኣረዲኡ።
“ጉዳፍ ኣብ 10 ሽሕ፡ 5 ሽሕን 1500 ሜትሮ ክትሳተፍ እያ መመልከቲ ኣእትያ ነይራ። ከም ፈጻሚት ስራሕ ዘሕለፍናዮ ውሳነ ግን ንሳ ኣብ ክልቲኡ ጥራይ ክትሳተፍ እሞ ፍረወይኒ ከኣ ኣብ 5 ሽሕ ክትወዳደር ዝብል እዩ ነይሩ” ይብል።
ረቡዕ 3 ሓምለ 2024 [26 ሰነ 2016 - ግእዝ] ነዚ ውሳነ ወሲኖም ወግዓዊ ክገብሩ ኣብ ዝተዳለዉሉ እዋን ግን ሓሙስ ንግሆ ብሃንደበት ንኣኼባ ከምዝተጸውዑ ተዛሪቡ።
“ንህጹጽ ኣኼባ ኢና ተጸዊዕና። ኣባላት ፈደሬሽን ንራኸበሉ ናይ ውሽጢ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣለና። ብኡ ኣቢሉ እዩ እቲ መጸዋዕታ በጺሑና። ‘ጽባሕ ናይ መወዳእታ ዝርዝር ኣትሌታት ወግዓዊ ክንገብር ስለዝዀንና ኣባላት ፈጻሚት ስራሕ ፈደሬሽንን ኮሚቴ ኦሎምፒክን ክርከቡ’ ዝብል እዩ እቲ ጻውዒት” ክብል ገሊጹ።
ግን ከኣ ኣትለታት መሪጹ ዝልእኽ ኣካል፡ ኣብቲ ፈደሬሽን ዘሎ ጕጅለ ቴክኒክን ፈጻሚት ስራሕን እምበር ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣብዚ ጉዳይ ስለዘይምልከቶ ምኽትል ፕረዚደንት ገዛሀኝ ኣበራ ዝርከቦም “ዳርጋ መብዛሕትኦም ኣባላት ፈጻሚት” ኣብቲ ህጹጽ ኣኼባ ኣይተረኸቡን።

ምንጪ ስእሊ, EAF
ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣብ ምምራጽ ኣትለታት ዘይምልከቶ እናሃለወ ስለዝተረኸበ እዮም ኣብቲ ፕረዚደንት ፈደሬሽን ኣትለቲክስ ኮሎኔል ደራርቱ ቱሉ ዝጸውዓቶ ህጹጽ ኣኼባ ክርከቡ ዘይከኣሉ።
“ኣትለታት እውን ሓንሳብ መሪጽና ወዲእና እናሃለና እዩ ካልእ ውሳነን ኣኼባን ዝበሃል ዘሎ። ስለዚ ኣባላት ፈጻሚት ስራሕ ክርከቡ ኣይከኣሉን። እታ ፕረዚደንት ንበይና ዝተረኸበትሉ ኣኼባ ከኣ ንፍረወይኒ ኣብ 5 ሽሕ ሜትሮ ተጠባባቒት ገይሩ ውሳነ ኣሕሊፉ” ይብል ምኽትላ ኣትለት ገዛሀኝ።
“ንሕና ኣቐዲምና ዘሕለፍናዮ ውሳነ ፍረወይኒ ሃይሉ ኣብ 5 ሽሕ ሜትሮ ክትጎዪ፤ ጉዳፍ ድማ ኣብ ክልቲኡ ክትሳተፍ ዝብል እዩ ነይሩ። ብውልቀሰባት ዝፍጸሙ ስርሓት እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ፕረዚደንት እቲ ፈደሬሽን እያ ነቲ ኣኼባ ጸዊዓ፤ ንሕና ከኣ ምስ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ኣይንሳተፍን ክመርጸልና እውን ኣይክእልን ኢልና ኢና ተሪፍና።
“ኣትለታት ካብ ምሕራይ ክሳብ ናይ ቅድመ ምድላው ስራሕቲን ካልኦትን ዝውገን ብፈደሬሽን እምበር ኮሚቴ ኦሎምፒክ ዋላ ሓደ ዝምልከቶ ኣይኰነን። እቲ ኮሚቴ ብዛዕባ ሎጂስቲክ፡ መዕረፊ ሆቴል ምሓዝን ኵነታት ምምችቻእን እምበር ካልእ ስልጣን ከምዘይብሉ ኣብ ሕግና’ውን ኣሎ” ይብል።
ኣብዚ እዋን ዝርዝር ናይቶም ንኢትዮጵያ ወኪሎም ናብ ፈረንሳ ዘምርሑ ኣትለታት በቲ ፈደሬሽን ኣቢሉ ናብ ዓለማዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ዝተልኣኸ ኰይኑ፡ ፍረወይኒ ሃይሉ’ውን ኣብ 5 ሽሕ ሜትሮ ጥራይ ብተጠባባቕነት ተኻቲታላ።
“ዝርዝር ኣትለታት ዝቐርበሉ እዋን መዓልቱ ተዛዚሙ እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትለታት ምስ ተጠባበቕቲ ዝሓዘ ዝርዝር ናብ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ዓለም ኣረኪቦም እዮም። ሕጂ ንውጽኢት ሃገር ዝሕሰብ እንተዀይኑ፤ ከምቲ ኣቐዲምና ዝወሰንናዮ ኣትለት ጉዳፍ ኣብ ክልቲኡ ክትጎዪ ኣለዋ። ፍረወይኒ ድማ ኣብ ሓሙሽተ ሽሕ ክትወዳደር ይግባእ” ይብል ምኽትል ፕረዚደንት ፈደሬሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ኣትለት ገዛሀኝ።
ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ንሓላፍነት ስራሕ ፈደሬሽን ኣትለቲክስ ከምዝወሰደ ዝኽስስ እቲ ምኽትል ፕረዚደንት ከም ውጽኢት ናይዚ ኢድ ኣእታውነት ከኣ እቲ መስርሕ ምምራጽ ኣትለታት ቅንዕናን ሞያውነትን ዝጐደሎ ክኸውን ከምዝኸኣለ ይገልጽ።
“ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኦሎምፒክ ክትሳተፍ ካብ ዝጀመረትሉ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ እቲ ኣብ ጃፓን ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ንኣትለታት ናይ ምሕራይን ምምራሕን ሓላፍነት ዝወስድ ፈደሬሽን ኣትለቲክስ እዩ ነይሩ። ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣብ ምሕራይ ኣትለታት ክሳተፍ የብሉን። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ግን ከምኡ እዩ ዝገብር ዘሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ከኣ ንሕና ሓላፍነትና ኣሕሊፍና ስለዝሃብና ጥራይ እዩ” ኢሉ።
*ኣብዚ ጉዳይ ንፕረዚደንት ፈደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮሎኔል ደራርቱ ቱሉን ካልኦት ኣብቲ ዳሕረዋይ ዝተቐየረ ውሳነ ምምራጽ ኣትሌታት ተሳቲፎም ዝተበሃሉ ሓላፍቲ እቲ ፈደሬሽንን ረኺብና ንምዝርራብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፈተነታት ክሰምረልና ኣይከኣለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







