ኣብ መጻወድያ ኣሜሪካን ኢራንን ተቐርቂራ ሰላማ ዝሰኣነት ዒራቕ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዒራቕ

ዒራቕ ብሰንኪ ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻታትን ሓይልታት ኣሜሪካን ኣብ መሬታ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕቲን ግብረ መልሲን ናብቲ ግጭት ተደፊኣ ክትኣቱ ከምእትኽእል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዒራቕ ዶክተር ፉኣድ ሑሴን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መንጐ ኢራንን ኣሜሪካን ዘሎ ወጥሪ ኣዝዩ ልዑል'ዩ" ኢሉ።

"ክልቲኦም ወገናት መጥቃዕቶም ደው ከብሉ ተስፋ እገብር። ኣብ መሬት ዒራቕ ጸገሞም ክፈትሑ ኣይክእሉን እዮም። ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ ከፊልና ኢና" ኢሉ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ደብዳብ ነፈርቲ ኣሜሪካ ዘጠቓለለ መጥቃዕቲ፡ 17 ብኢራን ዝድገፉ ተዋጋእቲ ዝቐተለ’ዩ። ብድሕሪኡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣዛዚ ሚሊሻ ኣቡበከር ኣ'ሳዓዲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኣብ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ጐደና ተቐቲሉ።

መንግስቲ ዒራቕ እቲ መጥቃዕቲ ንህይወት ሲቪላት ይዅን ኣህጉራዊ ሕጊ ኣብ ግምት ከየእተወ ዝተፈጸመ "ንጹር ቅትለት" ክብል ኮኒንዎ’ዩ።

ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ እንተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ፡ ግብረ መልሲ ናይቶም ኣብ ዮርዳኖስ ዝተቐተልዋ ሰለስተ ወተሃደራት ምዃኑ’ያ እትገልጽ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣሜሪካ፡ ኣባላቱ ንምሕላው "ኣድላዪ ስጕምቲ ክወስድ'ዩ" ይብል።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝዋግኡሉ ዘለዉ እዋን፡ ዒራቕ ትቃጸል ኣላ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ሚኒስተር፡ እቲ ካብ 2014 ጀሚሮም ከም ኣማኸርቲ ኰይኖም ኣብዚ ተዋፊሮም ዘለዉ 2500 ወተሃደራት ኣሜሪካ ንምስሓብ ዝምልከት ዝርርብ ዳግማይ ክጅመር ከምዘለዎ ገሊጹ።

"መብዛሕትኡ ህዝቢ ዒራቕ ሓይልታት ወጻኢ ኣብ መሬቱ ክህልዉ ኣይደልን እዩ" ኢሉ። "እቶም ዝተዓደሙ (ኣሜሪካውያን)፡ ብብልዝብ ክንገብሮ ኢና፤ እቶም ዘይተዓደሙ ድማ ክወጹ ኣለዎም፡ ብልዝብ ክኸውን'ውን ተስፋ ንገብር" ኢሉ።

እቶም ዘይተዓደሙ ሓይልታት ኣብዚ ንወተሃደራት ኣሜሪካ ዒላማ ክገብሩ ዝጸንሑ ሓያላት ደገፍቲ ኢራን ዝዀኑ ሚሊሻታት እዮም። ብወግዒ ኣካል ሓይልታት ጸጥታ ዒራቕ እዮም፤ ነቐፍቲ ግን እግረኛ ወተሃደራት ኢራን ምዃኖም እዮም ዝገልጹ።

እቲ ሚኒስተር፡ እቶም ሚሊሻታት ሕጂ ብድሆታት ይገጥሞም ከምዘሎ ሓቢሩ።

"ሕጂ ምስ ብዙሓት መራሕቲ ፖለቲካ እንተተዛሪብካ፡ ብዛዕባ እዚ ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለዉ" ኢሉ።

"ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባኡ ክዛረቡ ኣይደፍሩን። እዚ'ውን ኣካል ክውንነት ናይዛ ሃገር'ዩ። ሕጂ ግን ብዛዕባ'ዚ ንዛረብ ኣለና። ሰባት ነዞም ሰባት 'ይኣክል' ክብሎም ጀሚሩ’ሎ።"

ከምኡ'ውን እቶም ሚሊሻታት "እንተቐጺሎም ነዛ ሃገር ኣብዘይ ውራያ ናብ ኲናት ክደፍእዋ እዮም" ዝብል መልእኽቲ ከምዝረኸቡ ይዛረብ። እቲ መልእኽቲ ኣብ ቴህራን እውን በጺሑ ከምዘሎ የመልክት።

እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኢራን ኣብዚ "ጽልዋ" ከምዘለዋ እኳ እንተኣመነ፡ ኣብ ባቕዳድ ‘ክሳዕ ምእዛዝ ዝኸይድ ሓይሊ ኣለዋ’ ንዝብል ግን ነጺግዎ።

ዝያዳ "ቀጻሊ ዝርርብ" ይደሊ፡ ይብል ኣብ ለንደን ላዕለዋይ ተመራማሪ ዶክተር ሬናድ መንሱር።

"ንቴህራን ክሰምዑ ኣለዎም ድዩ? ሓደ ሓደ ግዜ እወ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣይፋል" ይብል። "ኢራናውያን ኣትዮም 'እዚ ታሕተዋይ መስመርና፡ እዚ ቀይሕ መስመርና' ይብሉ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ይቀራረቡ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ይፈላለዩ። እዚ ጉዳይ ጸሊምን ጻዕዳን ኣይኰነን" ብምባል ዝተሓላለኸ ምዃኑ የተንብህ።

ኣብ ዒራቕ - ኣብ ፖለቲካ: ኣብ ሚሊሻታትን ኣብ ጐደናታትን ካልእን ጽልዋ ኢራን ገዚፉ ይርአ። ኣብ መናድቕን ኣግራብ ስየን ባቕዳድ፡ ፖስተራት ናይቲ ኣብ ጥሪ 2020 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ባቕዳድ ብደብዳብ ነፈርቲ ኣሜሪካ ዝተቐትለ ላዕለዋይ ኢራናዊ ጀነራል ቓስም ሱሌማኒ ብብዝሒ ይርአ።

ኣብዚን ኣብቲን ገጽ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሚኒ ምርኣይ ልሙድ’ዩ።

ገለ ካብተን ኣብ ዙርያ ኣደባባይ ታሕሪር ኣብ ጸሓይ ዝንቀሳቐሳ ታክሲታት ሞተር-ብሽክለታ፡ ስእሊ ናይቲ ብኢራን ዝድገፍ መራሒ ዝሓየለ ዕጡቕ ሊባኖሳዊ ሓይሊ ሕዝቦላህ ዝዀነ ሸኽ ሓሰን ነስረላህ እውን ብብዝሒ ተለጢፉ ይርአ።

ስእሊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ መገድያ መገዲ ባግዳድ ምርካብ ልሙድ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዒራቕ፡ ብዛዕባ ጽልዋ ኢራን ትጭነቕ ዲኻ ንዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ፤ “ብኢራን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብዚ ከባቢ ብዘሎ ጽልዋ እሻቐል እየ። ካብዚ ኵሉ ጽልዋታት ክንገላገል ንጽዕር ኣለና፤ እቲ ብዛዕባ ዒራቕ ዝግበር ውሳነ ኣብ ባቕዳድ ክውሰድ ኣለዎ፡ ኣብ ባቕዳድ ድማ ብዒራቓውያን ክውሰድ ኣለዎ"ኢሉ።

ንሕጂ እታ ሃገር ኣብ መንጐ ክልተ ተባኢሶም ዘለዉ መሓዙታ ኢራንን ኣሜሪካን ኣብ መጻወድያ ተሸኺላ ኣላ። ክልቲኦም ጠቕሊሎም ናብ ምሉእ ኵናት ክኣትዉ ዝደልዩ ኣይመስሉን።

ኣብዚ ዝርከቡ ዕጡቓት ደገፍቲ ኢራን፡ ድሕሪ ቅትለት ኣዛዚ ሚሊሻ ኣብ ባቕዳድ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣሜሪካ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ከሐይሉ ምዃኖም ተሓንዮም። "ቅትለቱ... ንዅሉ ሕጊታት ዝጥሕስ እዩ" ይብል መግለጺ እስላማዊ ተቓውሞ ዒራቕ።

"ኣብ ጅሃድ ዘለዉ ኣሕዋትና ኣብ መሳርዕ ተቓውሞ ክጽንበሩ... ነቲ ጐበጣ ከባርሩን ንጽውዕ" ዝብል መግለጺ’ውን ኣውጺኡ።

እቲ ኵነታት ገና ዘይርጉእ ምዃኑ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዒራቕ ጂኒን ሄኒስ-ፕላሻርት ገሊጻ፤ "ብርግጽ ሰፊሕ ከባቢታት ዒራቕ ኣብ ዝተሳሕለ ካራ እዩ ዝነብር ዘሎ" ትብል።