ኤርትራ፡ ሃንደበት ዝዓረፈ ኮኾብ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ሱሌማን ማሕሙድ (ስኾይ) መን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ክለባት ዓንሰባ - ከረን፡ ቀይሕ ባሕሪ [ኤልፓ] ከምኡ’ውን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመ ተሰሊፉ ዝተጻወተ ሱሌማን ማሕሙድ፡ ሰንበት 21 ጥሪ ወጋሕታ ኣብ ሪያድ ስዑድ ዓረብ፡ ኣብ ገዛኡ ብሃንደበታዊ ሕማም ከምዝዓረፈ፡ ቤተሰብን ፈተውትን ንቢቢሲ ገሊጾም።
እቲ ንደገፍቱ ብብሉጻት ሸቶታት ዘሰራሰረ፡ ኣብተን ዝተሰለፈለን ክለባት ኤርትራን ሃገራዊት ጋንታን፡ ሓደ ካብ ዝበለጹን ተዘከርትን ኣጥቃዕቲ ምዃኑ ድማ፡ ብዙሃት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይገልጹ ኣለዉ።
ቢቢሲ ዝረኸቦም ካብ መተዓብይቱን መጻውቱን ዝነበሩ፡ ሑሴን ኣብኬር ካብ ሽወደን፡ ከምኡ’ውን ሓላው ልዳት ጋንታ ዓንሰባ ዝነበረ ሮቤል ኣማኑኤል፡ “ሱሌማን ብክእለትን ምልከትን ኵዕሶ፡ ፍጥነት ጉያን ከም ሰብ ድማ ብዲሲፕሊንን ጻዕሪን ሓላፍነት ንኣሽቱ ኣሕዋቱን ብፍሉይ ከም ዝፍለጥ ኣዘንትዮም።
ሱሌማን፡ ካብ ኣቦኡ ማሕሙድ ናውድን ኣደኡ ዘይነብ ሽከርን ኣብ 1981 ኣብ ከረን ተወሊዱ ከም ዝዓበየ፡ ሑሴን የዘንቱ። ሮቤል ድማ፡ "ድሕሪ ማ'እሰርቲ ኣቦኦ ብፍላይ፡ ኣብታ ብጻዕራ እትፍለጥ ስድራ ዓብዩ፡ ንዅሉ ተጻዊሩ ድማ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሐ፡" ብሉጽ ሰብ እዩ ነይሩ ብምባል ብኣስተንትኖ ይዝክርዎ።
“ኵልና ኵዕሶ’ኳ እንተተጻወትና፡ ንሱ ግን ፍጥር ክብል ንዅዕሶ ተባሂሉ ዝተፈጥረን ፍሉይ ተውህቦ ዝነበሮን እዩ፡” ብምባል፡ ኣብ ጋንታታት ህጻናት ናይ ኣብያተ ትምህርቲ ዓቕሙ ከም ዘርኣየን፡ ገና ወዲ 13-14 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ ድማ ብጋንታታት ክጥመት ከም ዝጀመረ ሑሴን ኣብኬር ይዝክር።

ምንጪ ስእሊ, SM
እታ ስኾይ እትብል ሳጓ ዝተዋህበቶ ወዲከረን ሱሌማን፡ “እቲ ዕሉል ደጋፊ ጋንታ ዓንሰባ ዝነበረ ብርሃነ ዝተባህለ ሰብ እዩ ነታ ሳጓ ኣውጺኡሉ፡ ኣስመራ ሒዝዋ ከይዱ ድማ ብኣኣ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ፡” ብምባል ሮቤል የዘንቱ።
ቅሩብ ግዜ ኣብ ጋንታ ላሳለ ብምጽዋት፡ ኣብ 1999 እዩ ናብ ጋንታ ዓንሰባ ተጸንቢሩና፡ ድማ ይውስኽ።
ሑሴን ነዚ ኣመልኪቱ፡ ንክልቲአን ጋንታታት - ላሳለን ዓንሰባን ዘፋጠጠ ኵነታት ተፈጢሩ ነይሩ፡ ሱሌማን’ውን ንኽልቲአን ጋንታታት ፈሪምካ ብዝብል ተቐጺዑ ከም ዝነበረ ብምዝካር፡ ኣብ መወዳእታ ግን ናብ ጋንታ ዓንሰባ ወሲኑ ምስታ ጋንታ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ተጻዊቱ፡ ዝተፈላለየ ዓወታት ከምዘጐናጸፈ ይገልጽ።
ዓባይ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ [ኤልፓ] ብኣቶ ተወልደ ተስፋማርያም (ቫካሮ) ትእለን፡ ብግርማ ኣብርሃ ትስልጥንን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ድማ፡ ንሱሌማን ስኾይ ዓይና ኣውዲቓትሉ፤ በቲ ኣብ ከረን ዘርኣዮ ብሉጽ ብቕዓት ድማ፡ ምስ ሳልሳይ ርእሱ - ማለት ምስ ሓሚዳይ ዓብደልቃድርን ሃይለ ጐይቶኦምን ብሓባር - ኣብቲ እዋን ብፍላይ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ዝለዓለ ዋጋ ናብ ኣስመራ ተሰጋጊሩ።
ኣብ ኣስመራ’ውን፡ ኣብታ ብብዝሒ ደገፍታን ታሪኻን ኣትፍለጥ ክለብ ቀይሕ ባሕሪ ተሰሊፉ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ምስታ ጋንታ ብምውህሃድ፡ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ዓወታት ረኺቡ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዓቢይ ክብሪ፡ ዝናን፡ ብደገፍቲ እታ ጋንታ ይዅን ማሕበረሰብ ስፖርት ብሓፈሻ ተፈታውነት ተጐናጺፉ እዩ።
ስኾይ፡ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ መንእሰያት ትሕቲ 17፡ ትሕቲ 21፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዓባይ ሃገራዊት ጋንታ ተሰሊፉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይዅን ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝተገብሩ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ውድድራት ተጻዊቱ ብቕዓቱ ዘመስከረ ምዃኑ ይፍለጥ።
ብድሕሪ’ዚ፡ ምስ ካልኣዩ ሃይለ ጐይትኦም፡ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ብምዃን፡ ኣብ 2006 ኣቢሉ ናብ ዓባይ ሱዳናዊት ክለብ ኣልሙርቓኒ፡ ካብኡ ናብ ክለብ ኣልታሕሪር ሰጊሩ ዝብል ሑሴን፡ “ብሓፈሻ ኣብ ሱዳን ክሳብ ኣብ 2013 ጫማኡ ዝሰቅል ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ክለባት” ከም ዝተጻወተ ይገልጽ።
ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ንግዳዊ ስርሓት ተዋፊሩ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ምስ ሓዳሩን ሰለስተ ደቁን ክነብር ከም ዝጸንሐ ደቂ ከረን መተዓብይቱ ሓቢሮም።
ንሳቶም፡ “ስኾይ፡ ከም ብዙሓት መንእሰያት ኤርትራ፡ ካብ ንእስነቱ ሓላፍነት ስድራኡን ንኣሽቱ ኣሕዋቱን ተሰኪሙ ብጻዕሪ ዝዓበየ” ምዃኑ ብምግላጽ፡ “ብዅሉ መዳያቱ፡ ብፍላይ ኣብ ታሪኽ ኵዕሶ እግሪ ዞባ ዓንሰባ፡ ብክእለት፡ ጥበብ ኵዕሶ፡ ምምዝጋብ ሸቶ፡ ፍጥነትን፡ ንጋንታኡ ዘመዝገቦ ዓወታትን፡ ዲሲፕሊንን ካልእ፡ ንፍሉይነቱ ዝገልጽ፡ ሓወልቲ ዝግብኦ እዩ፡” ብምባል ኣብነታዊ ተጻዋታይ ምንባሩ ይምስክሩ።
ንዅሎም ብሞቱ ዝተጐድኡ ስድራኡ፡ መተዓብይቱ ፈተውቱን ብሓፈሻ ድማ ማሕበረሰብ ስፖርት ኤርትራ ጽንዓት ተመንዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







