ተጨውየን ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ሓራ ወጺአን

ሓይልታት ጸጥታ ቡርኪናፋሶ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብእስላማውያን ዕጡቓት ተጨውየን ዝነበራ 66 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ሓራ ከምዘውጽኡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና'ታ ሃገር ኣቃሊሑ።

እተን ግዳይ መጭወይቲ ዝዀና ደቀንስትዮ ኣብቲ ዝተጨወያሉ ከባቢ መዓልታዊ መግበን ይምእርራ ከምዝነበራ ተፈሊጡ።

ንሳተን ካብቲ ዝተወሰዳሉ ከባቢ ንኣንፈት ደቡብ ኣስታት 200 ኪሎ ሜትር ርሒቐን ኣብ ሓደ መፈተሺ ነቝጣ ኣብ ኣውቶቡስ ከምዝተረኸባ ሓበሬታ ሓይልታት ጸጥታ ቡርኪናፋሶ የመልክት።

እቶም ዝጨወዩወን ዕጡቓት ግን ብዛዕባ ምትሓዞምን ዘይምትሓዞምን ግን ንጹር ሓበሬታ የለን።

ማዕከን ዜና ቡርኪናፋሶ፡ ብቕድሚ ትማሊ ዓርቢ ኣሳእል ናይተን ሓራ ዝወጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ከቃልሕ እንከሎ፡ ኣብ ብዙሓት ካብኣተን ምስ ሕዛላት ቈልዑተን ተራእየን።

“ድሕሪ መጭወይቲ ሸሞንተ መዓልትታት ናጽነተን ረኺበን” ክብል ነቲ ክስተት ዝጸብጸበ ጋዜጠኛ ተዛሪቡ። 

እቲን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር - ዋጋድጉ ከምዝርከባ፡ ንኤኤፍፒ ዝሓበረ ሰራሕተኛ ድሕነት ቡርኪናፋሶ፡ ብዛዕባ እቶም ጨወይተንን ድሕሪ መጭወይተን ብዛዕባ ዘጋጠመን ነገራትን ንተወሳኺ ሓበሬታ ክሕተታ ከምዝዀና ኣብሪሁ።

እቲ ፍጻመ ዝሓለፈ ሰሙን 12-13 ዘጋጠመ ኰይኑ ግዳያት ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን ኣብ ክልተ ጕጅለ ተመቒሎም ኣብ ወረዳ ኣርቢንዳ’ዮም ተጨውዮም።

ካብን ናብን መስመራት ጽርግያ በቶም ጅሃዳውያን ከምዝተዓጸወን ሕጽረት ቀረብ መግቢ ስለዘሎ ክፉእ ዓጸቦ ከምዝተኸሰተን ተገሊጹ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሓያሎ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ተፈጢሩ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተቓወምቲ ኣብ ኣርቢንዳ ዝርከብ መኻዚኖ እኽሊ ሰይሮም ብምእታው መግቢ ክወስዱ ፈቲኖም ነይሮም።

ቡርኪናፋሶ ከም ሃገር ዳርጋ ንዓሰርተ ዓመት ዝኸውን ብዕጡቓት ክትሕመስ ዝጸንሐት ኰይና ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።

እቲ ኣብ ጥሪ ዝሓለፈ ዓመት ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ንኸብቅዕ ከምዝሰርሕ መጽብዓ ኣትዩ ነይሩ።

ኣብ መብጽዓኡ ስለዝፈሸለ ግን ካልኦት ጕጅለ ወተሃደራት፡ እቲ ቀዳማይ ብዕልዋ ስልጣን ዝጨበጠ ጕጅለ ነቲ መጥቃዕቲ ደው ከብሎ ኣይከኣለን ኢሎም፡ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ርእሲኡ ካልእ ዕልዋ ኣካይዶም ስልጣን’ኳ እንተጨበጡ፡ ነቲ ጸገም ክገትእዎ ኣይከኣሉን።