ብማይ ዝጠልቀየት ሞባይልኩም ብሩዝ ተንቅጹ'ዶ?

መብዛሕትኡ እዋን ሞባይልና ኣብ ማይ እንተኣቲያ ተቐዳዲምና ኣብ ውሽጢ ሩዝ ኣእቲና ከምእትነቅጽ ምግባር ዳርጋ ልሙድ ሜላ እዩ።

እዚ ኣገባብ እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ውጽኢታዊ ክኸውን ይኽእል እኳ እንተኾነ፡ ውሕስነት ዘለዎ ፍታሕ ግን ኣይኮነን።

ኣይፎን ብማይ እንተድኣ ጠልቅያ ኣብ መሸማዕ ሩዝ ኣእቲኻ ኣይተንቅጻ ክብል ትካል ኣፕል መኺሩ ኣሎ።

እዚ ሜላ - ኣብ ሩዝ ኣእቲኻ ምንቃጽ - ዝውቱር'ኳ እንተጸንሐ፡ ክኢላታት ግን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ኣንጻሩ ከጠንቀቑ ጸኒሖም እዮም። ምኽንያቱ እቲ ዘካየድዎ ፈተነታት እቲ ሜላ ከምዘይሰርሕ ስለዝሕብር።

ሕጂ ድማ እቲ ትካል ቴክኖሎጂ ባዕሉ፡ ዓማዊሉ ክገብርዎ ብዛዕባ ዘለዎም መምርሒታት ዕላዊ ብምግባር ንኣሽቱ ንጥረ ነገራት ናይቲ እኽሊ ነቲ መሳርሒ ከበላሽዎ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ።

እቲ ትካል፡ ሰባት ኣብ ክንዳኡ ዝዀነ ኣብ ስክሪን ኣይፎን ዝፈሰሰ ራሕሲ መሰል ፈሳሲ ቀስ ኢሎም ክጸርግዎ ከምዘለዎም ብምምዓድ፡ እቲ መተሓላለፊ ስልኪ ንታሕቲ ገጹ ብምግባር፡ ድሕሪኡ ክነቅጽ ክገድፍዎ ከምዘለዎም ኣዘካኺሩ።

ዘበናውነት ስማርትፎን ሞባይላት እናወሰኸ'ኳ ይኸይድ እንተሃለወ፡ እዘን ሞባይላት ኣብ ማይ እንተወዲቐን ግን ንምጽጋን ዝጥቀሙሉ ህቡባት ኣገባባት ገና ዘይተራቐቝ እዮም።

ኣፕል ነቲ ዕድል ተጠቒሙ ዓማዊሉ ካብ ሓያሎ እቶም ኣገባባት ኣርሒቕዎም ኣሎ።

ካብ መሸመዓት ሩዝ ምውጋድ፡ ርጥብ ዝበለ ስልኪ "ናይ ደገ ምንጪ ሙቐት ወይ ዝተጸቕጠ ኣየር" ተጠቒምካ ከይትነቅጽ'ውን ይመክር፤ እዚ ማለት ራድየተራትን መንቀጺ ጸጕርን ክውገዱ ከምዘለዎም ይምዕድ።

ከምኡ'ውን ተጠቀምቲ፡ "ከም ጡጥ ወይ ናይ ወረቐት መንጸፍ" ኣብ ስልኮም ከእትዉ ክፍትኑ የብሎምን።

ኣብ ክንድኡ፡ ሰባት ስልኮም ቅድሚ ምስ ቻርጀር ዳግማይ ምትእስሳሮም ኣብ "ገለ ዋሕዚ ኣየር ዘለዎ ደረቕ ቦታ" ክገድፍዋ ይምዕድ።

ንፈለማ ግዜ ነቲ ሓድሽ ናይ ደገፍ ሰነድ ዝረኣየ መርበብ ሓበሬታ ማክወርልድ፡ ምቕያር ዲዛይን ስማርትፎናት፡ ኣብ መጻኢ ኵሉ ግዜ ከምዚ ዓይነት ምኽሪ ኣድላዪ ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ መሳርሒታት ራሕሲ ናይ ምጽዋር ዓቕሞም እናወሰኸ ስለዝኸደ እዩ።

ኵሎም መሳርሒታት ኣፕል ካብ ኣይፎን 12 ጀሚሮም ኣብ ሽዱሽተ ሜትሮ ዕምቈት ዘለዎ ማይ ጠሊቐን ክሳብ ፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ናይ ምጽዋር ተኽእሎ ከምዘለወን’ዩ ዝግለጽ።