ሞዴል 2007 ዝዀነት ኣይፎን ብ190 ሽሕ ዶላር ተሸይጣ

መብዛሕትኡ ግዜ ኣይፎናት ሓደ ግዜ ካብ ድኳን እንተወጺአን ብኡንብኡ ዋጋአን ኣዝዩ ከም ዝንኪ ይፍለጥ።

እንተዀነ ሓንቲ ኣብ 2007 ዝተሰርሐት ኣፕል ኣይፎን ታሪኽ ኣመዝጊባ ኣላ።

እዛ ዘይተኸፍተት 4ጂቢ (4GB) ሞዴል ኣይፎን ቀዳማይ ሕታም ኰይና፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ሓራጅ፡ ብ190,372.80 ዶላር እያ ተሸይጣ።

ኣብቲ እዋን ከምዚአን ዓይነት ሞዴላት ብብዝሒ ስለዘይተሰርሓ፡ ብኣከብቲ ኣይፎን ከም "ቅዱስ ጽዋእ" ክትቑጸር ምኽንያት ኰይኑ።

እቲ ብኤልሲጂ ኦክሽንስ ዝመሓደር ሎት፡ ብድምር 28 ጨረታታት ዝሰሓበ ክኸውን እንከሎ፡ እታ ኣይፎን ካብቲ መበገሲ ዋጋ ብኣስታት 400 ዕጽፊ እያ ተሸይጣ።

እቲ ሓፈሻዊ ክፍሊት፡ እቲ ቤት ሓራጅ ዝኸፍሎም ወጻኢታት ምምሕዳር ዘጠቓልል እዩ።

ካልኦት ክልተ ዝተዓሸጋ፡ ቀዳማይ ሕታም ኣይፎናት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብክብረወሰን ዋጋ ተሸይጠን ከም ዝነበራ መርበብ ሓበሬታ እቲ ቤት ሓራጅ ይሕብር።

ኣብ መጀመርታ ብ599 ዶላር ትሽየጥ ዝነበረት እዛ ኣይፎን፡ ካብ 50,000 ክሳብ 100,000 ዶላር ክትሽየጥ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።

እንተዀነ ካብቲ ዅሉ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ክብረወሰናት መሸጣ ብዝዛይድ ዋጋ ክትሽየጥ ክኢላ ኣላ።

ኣይፎን 4ጂቢ ሞዴል ንፈለማ እዋን ኣብ 2007 ብናይ ሽዑ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣፕል ስቲቭ ጆብስ እያ ተዘርጊሓ።

ብሰንኪ ትሑት መሸጣ ግን ድሕሪ ክልተ ወርሒ ጥራይ እቲ ትካል ቴክኖሎጂ ተመሳሳሊ ፍርያት ከቋርጽ ወሲኑ።

መብዛሕትኦም ሰባት ነታ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝተጀመረት 8ጂቢ ሞዴል ክገዝኡ ወሲኖም፤ ምኽንያቱ 8ጂቢ ሞዴል ዕጽፊ ሰነድ ናይ ምኽዛን ዓቕሚ ነይርዋ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሒደት ኣዋርሕ፡ ገለ ብርቂ ዝዀኑ መዘከርታታት ኣፕል ወይ ቅርስታት ህይወትን ሞያን ስቲቭ ጆብስ ኣብ ሓራጅ ክሽየጥ ጸኒሑ’ዩ።

ገለ ካብዚኦም ኣብ መጽሓፍ ምረቓ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ሓደ መማህርቱ ዝጸሓፎ ግጥሚ፡ ኣብ ኮለጅ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝሰኣሎም ስእልታትን ኣብ 1978 ዝነበሮ ቢዝነስ ካርድን ይርከብዎም።

ኣብ 2011 እቲ ሓባራዊ መስራቲ ኣፕል፡ ብሰንኪ ሕማም መንሽሮ ጸላም ከብዲ ኣብ መበል 56 ዓመቱ ዓሪፉ።

ኣብቲ እዋን ኣፕል "ምንጪ ንዅሉ ህይወትና ዘሀብትሙን ዘመሓይሹን ማእለያ ዘይብሎም ምህዞታት" ከም ዝነበረን ንዓለም "ብዘይመጠን ዝሓሸት" ከም ዝገበራን ገሊጹ።

ዓለም ምስ ኣይማክ ኮምፕዩተር፡ ኣይፖድ፡ ኣይፎንን ኣይፓድን ክትላለ ዘኽኣለ ስቲቭ ጆብስ እዩ።