እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀታሊ ስነ ጥበባዊ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ራፐር ኒፕሲ ሃስል ብቕትለት ገበነኛ ዀይኑ ተረኺቡ
ብ2019፡ ኣብ ከተማ ሎስኣንጅለስ ስም እናጥረየ ዝዓቢ ዝነበረ ኤርትራዊ ዝመበቆሉ ኣመሪካዊ ስነ ጥበባዊ ራፐር ኒፕሲ ሃስል ብጥይት ከም ዝተቐትለ ይዝከር።
ቀታሊኡ ወዲ 32 ዓመት ኤሪክ ሆልደር ገበነኛ ኰይኑ ስለ ዝተረኸበ ብቕትለት ተፈሪዱ’ሎ።
ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ቤት ፍርዲ ንሽዱሽተ ሰዓታት መርትዖታት ድሕሪ ምስማዕ እዩ ንሆልደር ገበነኛ ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ ብቕትለት ክፍረድ ወሲኑ።
ብሃስል ዝጽዋዕ ኤርሚያስ ኣስገዶም፡ ኣብ ኣፍ ደገ ናይ ክዳውንቲ ዱኳኑ፡ ንሸውዓተ ዓመት ብዝፈልጦ ወዲ ገዛውቱ ኤሪክ ሆልደር እዩ ብጥይት ተቐቲሉ ሞይቱ።
ድሕሪ ምማቱ፡ ስነ ጥበባውያን ብጾቱን ኣፍቀርቲ ኢንዱስትሪ ሙዚቃን ብሓበራ ናይ ሓዘን ዝኽሪ ገይሮሙሉ።
ኣብቲ ፍጻመ ካልኦት ክልተ ሰባት’ውን ብጥይት ብምህራሙ፡ ብኽልተ ፈተነታት ቅትለት’ውን ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ሆልደር፡ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ኣብ ዝወሃብ ፍርዲ፡ ንሕለፈት ክፍረድ ከምዝኽእል ይግልጽ።
ኤሪክ ሆልደርን ኒፕሲ ሃስልን ኣባላት ናይ ሓንቲ ጕጅለ ዓዋሉ ናይቲ ከባቢ’ዮም ኔሮም። ሆልደር ኣቐዲሙ’ውን ንሃስል ክቐተሎ ከም ዝዀነ የፈራርሕ ነይሩ።
መሰኻኽር ከም ዝገለጹዎ፡ ክልቲኦም ንዓሰርተ ደቒቕ ኣቢሎም ምስ ተሰሓሓቡን ሃስል ምስ ፖሊስ ከም ዝተሓባበር ወረ ምስ ሰምዐን ክልተ ሸጓጉጥ ሒዙ ተመሊሱ እዩ ተኲሱ ቀቲሉዎ።
እቶም ንቐታሊ ዝጣበቑ ጉጅለ፡ [ስምዒቱ ምቁጽጻር ምስ ሰኣነ] ሽዑ ንሽዑ እዩ ኣብቲ ቦታ ተኲሱ ቐቲሉዎ እኳ እንተበሉ፡ እቲ መጋባእያ ግን እቲ መጥቃዕቲ ደይ መደይ ኢሉ ወጢኑ ዝገበሮ እዩ ንዝብል እዮም ተቐቢሎሞ።
ሃስል ምስ ሞተ፡ ኣብ ናይ 2019 ሽልማት ስነ ጥበብ፡ ብሉጽ ኣርቲስት ሂፕ ሆፕን ሽልማት ሰብኣውነትን ተዋሂቡዎ።
ኣብ ቀብሩ ልዕሊ 20,000 ሰባት ተሳቲፎም። ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ከኣ "ንዝኽሪ ዝበቅዕ ሓድጊ" ብምሕዳጉ ንኢዱዎ ።
ኣብ ሎስኣንጅለስ ዝነብር ኣባል ማሕበረሰብ ዓዋሉ ነበር ሃስል፡ ነቲ ካብ ሙዚቃ ዝረኸቦ ገንዘብ ንጽጉማት ጐረባብቱ ንምሕጋዝ የውዕሎ ነይሩ።
ድሕሪ ሞቱ፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ እታ ከተማ " ናይ ምዕራባዊ ገማግም ጅግና" ክብሉ ብምስማይ: ኣብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሎስኣንጅለስ ዝርከብ ገዛውቲ ንዘሎ ሓደ መስቀላዊ መገዲ፡ "ኣደባበይ ኒፕሲ ሃስል" ተባሂሉ ክስየም ወሲኖም።
ብርያኒታ ኒኮልሰን እትበሃል፡ ምስ ሆልደር ርክብ ዝነበራን ጓለንስተይቲ፡ ብግዲ ንቐታሊ ናብ ቦታ ቅትለት ብመኪና ወሲዳ ዝመለሰቶ ኰይና፡ እቲ ቐታሊ ቅድሚ ምትኳሱ ብረቱ ከቀባብል እንከሎ ከም ዝረኣየቶ ኣብ ቤት ፍርዲ መስኪራ። ንሳ፡ ንሃስል ኣብ ጥቓ እቲ ማራቶን ዝተባህለ እንዳ ክዳውንቲ ድኳኑ፡ ዝኣዘዙዎ መግቢ ክወስዱ እንከለው ከም ዝረኣይዎን፣ ሆልደር እናጐየየ ከይዱ ዓው ኢሉ፡ ንሃሰል፡ "ሓሳዊ ዲኻ ዝበልካኒ ?" ክብሎ እንከሎ ከም ዝሰምዐት ተዛሪባ።
እታ እቲ ቀታሊ ንክእሰር ኣንፈት ዝመርሐት፡ ወይዘሪት ኒኮልሰን፡ እቲ ብቕትለት ዝተፈርደ ሆልደር፡ ቁሩብ መግቢ ድሕሪ ምብላዕ ካብ መኪናኣ ወጺኡ ከይዱ ንሃሰል ከም ዝቐተሎ መስኪራ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ሆልደር "ብዙሓት እሱራት ውልቀ-ሰባት" ከም ዝቐጥቀጡዎ እቶም ተኸላኸልቲ ጉጅለ ጠበቓታቱ ምስ ቢቢሲ ሽርክነት ንዘለዎ ማዕከን ዜና ሲቢሲ ሓቢሮም።
እቶም እሱራት ንሆልደር ኣብ ከባቢ ርእሱ ብመላጸ ከም ዝጠብሑዎን ኣብ ሕክምና ቁስሉ ከምእተሰፍየን ተሓቢሩ።