ኣብ ኤርትራ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ሰብመዚ ገሊጾም

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኤርትራ 4.7 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ሰብመዚ ኤርትራ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ዝተፈለላየ ከተማታት እታ ሃገር ዝተሰምዐ ምንቅጥቃጥ ሰዓት 10፡05 ናይ ምሸት ከምዘጋጠመ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ዘውጽኦ መግለጺ ይጠቅስ።

ዛጊት ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ'ዩ እቲ መግለጺ ዘመልክት።

"ካብ ፎሮ 15 ኪሜ ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ፣ ከምኡውን ካብ ዓዲ ቀይሕ ኣስታት 38 ኪሜ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ፡ ርሒቑ ዝርከብ ከባቢ ሰዓተረ፡ ኣብ 40 ኪሜ ዕምቆት" እቲ ምንቅጥቃጥ ኣጋጢሙ ይብል እቲ ሚኒስትሪ።

ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ፡ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ፡ ዓዲቕይሕን ሰንዓፈን ዝርከብኦም ከባቢታት ከምዝተሰምዐ ዝገልጽ ጸብጻባት ከምዝበጽሖ'ውን እቲ መግለጺ ኣሚቱ።

"ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰብን ንብረትን ዘኸተሎ ጉድኣት ግን የለን" ክብል ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ገሊጹ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት በብእዋኑን ኣብ ዝተፈለላዩ ቦታታት ተመሳሳሊ ምንቅጥቃጥ ክኽሰት ምጽንሑ ይዝከር።

ኣብ ታሕሳስ 2020፡ ካብ ከተማ ኣቑርደት ኣስታት 91 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት 4.4 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ነይሩ።

ብፍላይ ኣብ ሰነ 2011 ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥን ነትጒ እሳተጎመራን ንነበርቲ ከባቢታት ሲራሩን ሚንዲግን ክፈናቐሉ ኣገዲዱ'ዩ።