እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስለምንታይ'ዩ ብተደጋጋሚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጥም?
ኣብዛ እንነብራ ምድሪ፡ ካብ ጥንቲ፡ ኣስታት 1500 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣቢሉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘጋጠመ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ሰፊሩ ንረኽቦ።
እዚ ዓቐኑን ዘውርዶ ጕድኣቱን ዝፈላለ፡ ኣብ ገሊኡ ኸኣ እሳተ ጐሞራዊ ነትጕ ዘሰነዮ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ግን ተደጋጊሙ ክጋጥም ይርአ።
እዚ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣፍጋኒስታን ደጋጊሙ ዝተኸስተ ምንቅጥቃጥ ሓደ ካብኡ ኰይኑ፡ 'ስለምንታይ እዩ ኣብ ውሱን ከባቢ ብተደጋጋሚ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ዘጋጥም?' ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ'ሎ።
እዚ ጽሑፍ እምበኣር፡ ነዚ ሕቶ ከም መበገሲ ወሲዱ፡ ነቲ ባህሪያዊ ክስተት ንኽንርዳእ ብኣብነት ኣፍጋኒስታን ዝቐረበ እዩ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ውሽጢ ዕስራ ዓመት ካብ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ እቲ ዝኸፍአ እቲ ኣብ ምብራቓዊ ኣፍጋኒስታን ዞባ ፓክቲካ ዘጋጠመ እዩ።
ብሰንኪ እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብውሕዱ 1,000 ሰባት ሞይቶም፡ 3,000 ቈሲሎም ከምኡ'ውን ብኣማኢት ዝቝጸሩ ገዛውቲ ዓንዮም እዮም።
ኣፍጋኒስታን ስለምንታይ እዩ ብዙሕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጥማ?
ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣዝዮም ዓበይቲ ቀጸላታት (tectonic plates) ሃንደበታዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ እንከለዉ ዝፍጠር እዩ።
እዞም ቀጸላታት ኣብ ዝጋጨውሉ እዋን መንቃዕቲ የጋጥም።
ኣፍጋኒስታን ኣብ ልዕሊ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ነቓዕ ቀጸላታትን ከምኡ'ውን ኣብ መራኸቢ ቀጸላታት ህንዲን ዩሮ-ኤሽያ ስለእትርከብ ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተቓልዐት እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ጥራይ ዓቐኖም ካብ 4 ሬክተር ንላዕሊ ዝዀኑ 10 ማእከላይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሞም እዮም።
ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዓቐኖም ካብ 1.5 ክሳብ 4 ዝበጽሑ 219 ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጢሞም ነይሮም።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስለምንታይ ዝኸፍአ ኾይኑ?
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቀጸላታት ህንዲን ዩሮ-ኤሽያን ኣብ ዝጋጨውሉ እዋን ብዝፍጠር ዝተዋህለለ ምጭንናቕ ዝተፈጥረ እዩ። ዓቐኑ 5.9 ሬክተር ከም ዝነበረ ተመራመርቲ ስነ-መሬት ኣሜሪካ ይገልጹ።
እዚ ማለት ዳርጋ 40000 ቦምባ ማለት እዩ፣ ወይ ከኣ ኣብ ሂሮሽማ ዝወደቐ ኣቶሚክ ቦምባ 37 ዕጽፊ ከም ዝኸውን ኤጀንሲ ምሕደራ ህጹጽ እዋን ኣሜሪካ (US Federal Emergency Management Agency) ይሕብር።
እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝፈጠሮ ራዕዲ፡ 500 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ፓኪስታንን ህንዲን ዝርከቡ ሰባት ተፈሊጥዎም እዩ።
እቲ ዝኸፍአ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ውሽጢ 51 ኪሎሜተር ጥራይ ስለ ዝተፈጥረ ከም ዝዀነ ተመራማሪ ስነመሬት ዶ/ር ብሪያንባፕቲ ይገልጽ።
"እቲ ክፍሊ ኣፍጋኒስታን ናይ ጐቦ ሂማላያስ እግሪ ዅርባ እዩ” ይብል። "ኣብዚ እቶም ዓበይቲ ቀጸላታት ብቐጥታ ኣይጋጨዉን። የግዳስ ተንሸራቲቶም እዮም ዝሓልፉ። ከምዚ ዓይነት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዓሚቝ ኣይኮነን። እቲ ምንቅጥቃጥ ግን ንልዕለ መሬት ኣዝዩ ዝቐረበ እዩ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ
ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ኣብ ኣፍጋኒስታን ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ልዕሊ 7000 ሰባት ከም ዝሞቱ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
እዚ ማለት ኣብ ሓደ ዓመት ብገምጋም 560 ሰባት ይሞቱ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምብራቓዊ ኣፍጋኒስታን ልዕሊ 20 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዙሓት ገዛውቲ ዓንዮም እዮም።
ኣብ 2015 ኣብ ሂንዱ ኩሽ ዘጋጠመ 7.5 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ 399 ቀቲሉ እዩ። እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክሳብ ቻይና ዢንጂያንግ ዝተሰምዐ ነይሩ።
ኣብ 2001 ኣብ ጐቦታት ሂንዱ፡ ኩሽ ዘጋጠመ ክልተ ተኸታታሊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ልዕሊ 1,100 ከም ዝቐተለ ይዝከር።
ኣብ ግንቦት፡ ኣውራጃታት ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝዀና ታኻርን ባዳኽሻንን ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ 4,000 ሰባት ሞይቶም እዮም።
ኣስታት 100 ቁሸታትን 16,000 ገዛውትን ክዓንው እንከለዉ፡ 45,000 ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብዘን ኣውራጃታት ኣብ ለካቲት 1998 ዘጋጠመ ምንቅጥቃት ምድሪ 4,000 ቀቲሉ፤ 15,000 ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ገይሩ።
ኣፍጋኒስታን ብፍሉይ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝወርዳ ስለምንታይ እዩ?
ጃፓንን ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካን ካብ ኣፍጋኒስታን ዝበዝሕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጥመን ዶ/ር ብሪያንባፕቲ ይገልፅ።
"ይዅን እምበር ኣፍጋኒስታን ንዝኸፍአ ጕድኣት ዝተቓልዐትሉ ምኽንያት እቶም ገዛውቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክጻወሩ ስለዘይኽእሉ እዩ፡" ይብል።
"ካብ ጣውላን ብጭቃ ካብ ዝተሰርሐ ጡብን ወይ ድማ ካብ ፎኪስ ኮንክሪት ዝስርሑ ገዛውቲ እዮም።"
እዚ ኸኣ ኣብ ኣኽራን ኣብ ዝርከባ ቁሸታት ከዕንዎን ወይ ድማ ሩባታት ዓጊቱ ምዕልቕላቕ ማይ ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ሓደሓደ ግዜ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘጋጠመ ዝገልጽ ዜና፡ ናብ ሰበስልጣን ኣፍጋኒስታን ክሳብ ዝበፅሕ ዝተወሰነ መዓልትታት ይወስድ እዩ።
መደራጋሕ መሬት መገዲ ስለ ዝዓጽው፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ናብ ርሑቕ ቦታት ኣብ ምብጻሕን መሳርሒታት ኣብ ምጕዕዓዝን ጸገም ይፈጥር።
ከም ዝናብ፡ በረድ፡ ግመ ከምኡ'ውን ክቱር ቍሪ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ንድሕነት ዝግበር ጻዕርታት የዐንቅፍ።
ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ሕማቕ ግዜ ከም ዝተፈጥረ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ እዩ።
"ኣፍጋኒስታን 3.5 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ስለ እተመዛበሉ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋጥማ ኣሎ፡" ይብል እቲ መግለጺ።
"ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦት ሰባት ድማ፡ ብሰንኪ'ቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ጥሜትን ብህይወት ክነብሩ ይቃለሱ ኣለዉ።"