ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብውሑዱ 1,000 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኣፍጋኒስታን ብሰሉስ ዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንተወሓደ 1000 ሰባት ከምዝቐተለን ብዙሓት ካልኦት ከም ዘቝሰለን ናይታ ሃገር መንግስታዊ ትካል ዜና ገሊፁ።

ኣብ ምብራቓዊ ኣውራጃ ፓክቲካ፡ መደራጋሕ፡ ዝዓነዉ ኣባይትን ሰራሕተኛታት ሂወት ኣድሕን ነቶም ዝቘሰሉ ሰባት ንምሕካም ልዕልን ታሕትን ክብሉ ዘርእዩ ኣሳእል ተዘርጊሖም ኣለው።

ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ሄሊኮፕተራት ነቶም ግዳያት ናብ ሆስፒታላት የብጽሓ ኣለዋ።

ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ትካል ዜና ባክታር፡ ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከም ዝኽእል ገሊፁ። ወሲኹ'ውን ልዕሊ 1500 ሰባት ከምዝቘሰሉ ሓቢሩ።

"እቲ ዘሕዝን ትማሊ ምሸት ኣብ ኣርባዕተ ኣውራጃታት ፖክቲካ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ። እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እዚ ብኣማኢታት ዝቝጸሩ ደቂ ዓድና ቐቲሉን ኣቝሲሉን ሓያሎ ኣባይቲ’ውን ኣዕንዩን እዩ" ክብል ኣፈኛ መንግስቲ ቢላል ካሪሚ ትዊት ገይሩ።

"ኵለን ትካላት ረድኤት ተወሳኺ ዕንወት ምእንቲ ኸየጋጥም ብኡንብኡ ጕጅለታት ናብቲ ኸባቢ ክልእካ ንምሕጸነን"

ሰበ ስልጣን ጣሊባን ትካላት ረድኤት ናብቲ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ዝርከብ ጕድኣት ዝወረዶ ኸባቢ ብህጹጽ ንኽመፁ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

መብዛሕትኦም ካብቶም ግዳያት ኣብቲ ኣብ ፓክቲካ ዝርከብ ኣውራጃታት ጋያንን ባርማልን ከምዝኾኑ ሓደ ናይቲ ዓዲ ሓኪም ንቢቢሲ ገሊፁ። ኤቲላት-ኤ ሮዝ ዝበሃል ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ መራኸቢ ብዙሓን ሓንቲ ኣብ ጋያን እትርከብ ቍሸት ከም ዝዓነወት ኣቃሊሑ።

ኣብ ልዕሊ 500 ኪሎሜተሮ ርሒቑ ኣብ ኣፍጋኒስታን ፓኪስታን ከምኡ'ውን ህንዲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ እዩ። መሰኻኽር የሆዋ ኣብ ካቡልን ኢስላምባድን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም እተሰምዖም ገሊጾም።

ይዅን እምበር ብኡንብኡ ብዛዕባ ምዉታት ዝገልጽ ጸብጻብ ኣይተረኽበን፣ ቢቢሲ ኡርዱ ከም ዝገለጾ ኸኣ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ፓኪስታን ብዙሕ ጕድኣት ኣየውረደን።

እቲ ኣብ ኣኽራን ብዙሓት ኣብ ዝደቀሱሉ እዋን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ዓቐኑ 6.1 ሬክተር ከም ዝነበረ ተመራመርቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ይገልፁ።

ኣፍጋኒስታን ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተቓልዐት ሃገር እያ። ዘይጽኑዕን ብግቡእ ዘይተሃንጸ ኣባይትን ኣብ ዘለውዎም ሓያሎ ገጠራት ኣፍጋኒስታን፡ ከቢድ ጕድኣት ናይ ምስዓብ ተኽእሎታት አለዎ።

ትካላት ረድኤት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንገለኡ ህንጻታት ንምድልዳል ጻዕሪ'ኳ እንተ ገበራ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ግጭት ነታ ድኻ ሃገር ምንቅጥቃጥ ምድርን ካልእ ባህርያዊ ዕንወትን ንኽትከላኸል ኣጸጊምዋ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ኣብታ ሃገር ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 7,000 ሰባት ሞይቶም እዮም። ኣብ ዓመት ብገምጋም 560 ሰባት ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ይሞቱ።