እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍጋን፡ ኣብ ሆስፒታል ካቡል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብረትን ቦንባን፡ ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም፤ ብውሑዱ ሽድሽተ ሰባት ድማ ቖሲሎም።
ሰብመዚ እታ ሃገር፡ እቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ኣካላት ንሆስፒታል ሳርዳር ዳውድ ክሃን ዒላማ ከም ዝገበሩ ገሊፆም።
መሰኻኽር ዓይኒ፡ ዕጡቓት ናብ ታሕተዋይ ክፍሊ እቲ ሆስፒታል ሰይሮም ከም ዝኣተዉ ሓቢሮም።
እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ--ኬ (IS-K)፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀመ ገሊፁ ኣሎ።
ኣብቲ ህንፃ ዝነበረ ዶክተር ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍፀመሉ እዋን፡ ኣብ ውሑስ ክፍሊ ክዕቆብ ተነጊሩዎ ክጸንሕ እንከሎ ተኹሲ ይሰምዕ ከም ዝነበረ ገሊፁ።
ሳየድ ኣሃድ ካብ ሞንጎ እቶም ነትጒታት እቲ ሓደ መጥቃዕቲ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ከም ዝኾነ ንማዕኸን ዜና EVN ሓቢሩ።
“ኣፍጋናዊ ዜጋ እየ። በዚ ኵናት ደኺመ፤ ርእሰ ቅትለትን ነትጒታትን….. ክሳብ መዓስ ኢና ነዚ ስቓይ ክንፃወሮ?” ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ጣሊባን ቢላል ካሪሚ፡ ዕጡቓት ኣይኤስ--ኬ (IS-K) ኣብ መእተዊ ፈላማይ ነትጒ ድሕሪ ምፍንጃሮም፡ ናብቲ ህንፃ ከም ዝኣተዉ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ሰራዊት ጣሊባን ሻቡ ንሻቡ፡ ኣርባዕተ ዕጡቓት ኣይኤስ--ኬ (IS-K) ብምቕታል፡ ንሓደ ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓሉ ድማ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣፈኛ ጣሊባን ዛቢሁላህ ሙጃሂድ፡ ብሄሊኮፕተር ዝመፅኡ ፍሉይ ሓይሊ ጣሊባን እቶም ዕጡቓት ናብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል ከይኣትዉ ከም ዝገትእዎምን፡ ንኹሎም ኣብ መእተዊ እቲ ህንፃ ኣብ ውሽጢ 15 ደቓይቕ ከም ዝቐተልዎምን ንሮይተርስ ገሊፁ።
መሰኻኽር ዓይኒ፡ ኣብቲ ከባቢ ክልተ ሄሊኮፕተራት ከም ዝረኣዩ ንሮይተርስ ተዛሪቦም።
ኣይ ኤስ-ኬ (እስላማዊ መንግስቲ ግዝኣት ኮራሳን) ተባሂሉ ዝፅዋዕ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላትን ሓይልታት ጣሊባንን ንዝተፈፀሙ መጥቃዕትታ ሓላፍነት ክወስድ ምፅንሑ ይፍለጥ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ በቲ ጉጅለ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 150 ሲቪላትን 13 ወተሃደራት ኣሜሪካን ከም ዝተቐተሉ ይዝከር።
ሆስፒታል ሳርዳር ክሃን ግዳይ መጥቃዕቲ ኮይኑ እዚ ፈላማይ ኣይኮነን።
ኣብ 2017 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብቲ ሆስፒታል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 30 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 50 ድማ ቆሲሎም።