ምንቅጥቃጥ መሬት ኣፍጋኒስታን: እቶም ብህይወት ዝተረፉ እውን ዘስካሕክሕ ዋጋ ይኸፍሉ ኣለው

ስድራ ቤት ራህማት ጉል፡ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ብኣፍጋኒስታናዊ ፖለቲከኛታት ነበር ዝተወፈየ ቴንዳ ኣብ ምትካል ተጸሚዶም ኣለዉ ።

እቲ ብማሕበር ቐይሕ ወርሒ ዝተወፈየ ቴንዳታት ኣብ ሓደ ሕጂ ከምቤት ዝጽዋዕ ቓልዕ ጎልጎል ጥቓ ጥቓ ተተኺሉ ይርከብ።

እቲ ኣብ ኣውራጃ ጋያን ዝርከብ ገዝኦም፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ደቡባዊ ምብራቓዊ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዓንዩ እዩ። በቲ ሓደጋ ሸውዓተ ኣባላት ስድርኡ ደቂሶም ከለዉ ሞይቶም።

"ሰለስተ ኣዋልደይን ኣርባዕተ ደቂ ደቀይን ሞይቶም፡ ልበይ ተሰይሩ እዩ ዘሎ። ይኹን እምበር ካልኦት ክንክንዘድልዮም ውጻእ መዓት ኣለውኒ” ኢሉ ራህማት ጉል። እታ ስድራ ቤት፡ ነቲ ድሕሪ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዘነመ ዝናብ ኣብ ነብሳ እያ ኣጽሕያቶ።

"ሓገዝ ንደሊ ኣሎና። ዝነበረና ዘበለ ኩሉ ጠፊኡ እዩ”

ካበየ ኩርንዑ ነቶም ግዳያት ዝኸውን ሓገዝ ይውሕዝ ኣሎ። ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ካብ ኣህጉራውን ከባብያውን ማሕበራት ግብረ ሰናይ፡ ካብ መንግስቲ ጣሊባንን ከይተረፈ ረድኤት ይውሕዝ ኣሎ ። ኣብ ጥቓ እቲ ራህማት ጉል ቴንዳ ተኺሉሉ ዘሎ ቀጽሪ፡ ቀይሕ ወርሒ፡ ዘይቲ ብልዕን ኮቦርታን ይዕድል ኣሎ ።

"ኩሉ ነገር እዩ ዘድልየና፡ ምኽንያቱ ኩሉ’ቲ እንውንኖ ዝነበርና ነገራት ኣብ ደቦቕቦቓን ጭቃን ትፋእ እሳተ ጎመራ ተቐቢሩ እዩ" ይብል ኣብ መንጎ ብዙሓት ሰባት ኮፍ ኢሉ ረድኤት ክቕበል ተርኡ ዝጽበ ዝነበረ ሰብኣይ።

እቲ ኣብ ማእከል ከተማ ጋያን ዝርከብ ንእሽቶ ቐጽሪ፡ ናብ ሓደ ክፉት ናይ ረዲኤት መኽዘን ተቐዪሩ ኣሎ። ኣብቲ ቦታ ረድኤት ዘመላልሳ ናይ ጽዕነት መኻይን መሊአን ኣለዋ። ኣፍጋኒስታን ከኣ ብቊጠባውን ሰብኣውን ቅልውላው ተጠቒዓ ኣላ።

እዚ ኣብ ኣውራጃ ጋያን ዝርከብ ሓደ ብኸፊል ዝፈረሰ ህንጻ፡ መርኣያ ናይቲ ዘጋጠመ ሰፊሕ ዕንወት እዩ።

ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ፡ ማእከላይ እቶት ሓደ ኣፍጋን ብሓደ ሲሶ ጎደሊ እዩ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ ይጠምዩ ኣለው።

ሰብኣዊ ሓገዝ ብመጠኑ እኳ እንተሎ፡ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ መንግስቲ ዝምወሎ ዝነበረ ሓገዛት ጎዲሉ እዩ። ብሰንኪ’ዚ ከኣ እቶም ኣብ ፓክታካን ኮስትያን ዝነብሩ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ስድራ ቤታት፡ ግዳም ሓደር ኰይኖም ኣለዉ ።

ገና ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮ መጉዳእቲ ናይ ብዙሓት ሰባት ኣሎ። ነታጒ ኣብ ምጽራይ ዝሰርሕ ትካል ግብረሰናይ ሃሎ ከኣ ተንቀሳቓሲ ክሊኒካት ጥዕና መስሪቱ ዓቕሙ ይገብር ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙ ኣሎ። ሕማም ፌራ እውን ተፈሪሑ ኣሎ።

ኪኢላ ጥዕና ናቅቡላህ ኣብ ቴንዳ ኮይኑ ንዝተጎድኡ ቖልዑ ይሕክም ኣሎ።

ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ባራኩላ ብፍርስራስ መንደቕ ኢዱተጎዲኡ ይቑንዞ ኣሎ።

ናቅቡላ ነቲ ተጀኒኑ ዝነበረ ኢድ ናይቲ ቖልዓ ፈቲሑ ድሕሪ ምርኣይ

"ብዙሓት ዝተጎድኡ ቈልዑ ኣለዉና" ክብል ገሊጹልና። ገሊኦም ፍሉይ ሕክምናዊ ክንክን ስለዘድልዮም ብወተሃደራዊ ሄሊኮፕተር ናብ ካቡል ተላኢኾም ኣለው። እተን ጉድኣትዘጋጠመን ኣቝሻት ካብታ ዝቐረበት ዓባይ ከተማ እንተወሓደ ብመኪና ናይ ሰለስተ ሰዓት ርሕቀት እየን ዝርከባ። እቲ መገዲ እውን ፈጺሙ ጥጡሕ ኣይኮነን።

እቲ ናይ እግሪ መጕዳእቲ ዝወረዶ ዛርማ ጉል ነታ ብኹምራፍርስራስ ዝተደብየት ቤቱ ኣርእዩና።

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ፡ ካብ ስድራ ቤቱ ቅድም ንመን ከም ዘድሕን ኣብ መዋጥር ኣተወ ። በዓልቲ ቤቱ ብፍርስራስ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሞይታ ።

"ናሕስን መናድቕን ምስ ፈረሰ፡ ሰበይተይ፡ 'ርድኣኒ' ኢላ ኽትጽውዕ ሰማዕኩ፣ ጓለይ እውን ኣብቲ ክፍሊ ስለ ዝነበረት፡ ቀዲመ ንዓኣ ኣውጺአያ" ይብል ።

ድሕሪኡ ናብቶም ኣብ ካልእ ክፍሊ ዝነበሩ ደቁ ደሃዮም ክገብር ከይዱ። ካብኡ ናብ ሰበይቱ ምስ ተመልሰ ሞይታ ጸኒሓቶ። እቲ ህዝቢ ንዓመታት ብዝቐጸለ ውግእን ዘጋጠመ ቁጠባዊ ቅልውላውን ደኺሙ እዩ። ሕጂ ከኣ ሓድሽ ቅልውላውባህሪያዊ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢምዎ ።