ሽልማት ኖበል 2023፡ ንሊቃውንቲ ክታበት ኮቪድ ክወሃብ እዩ

ክታበት ኮቪድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዓውዲ ሕክምና ዝወሃብ ሽልማት ኖበል 2023፡ ንክታበት ኮቪድ ንዝመርሐ ተክኖሎጂ mRNA ዘማዕበሉ ክልተ ሊቃውንቲ ክወሃብ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቶም ሊቃውንቲ፡ ዶ/ር ካተሊን ካሪኮን ዶ/ር ድሪው ዋይስማንን ኰይኖም፡ እቲ ሽልማት ብሓባር ክመቓርሕዎ እዮም።

እቲ ርኽበት ተክኖሎጂ፡ ለበዳ ኮቪድ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ፈተነ ምንባሩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ኣብ ዓለም ንሚልዮናት ይወሃብ ኣሎ።

ተመሳሳሊ ተክኖሎጂ፡ ኣብዚ እዋን ሕማም መንሽሮን ካልኦት ሕማማትን ኣብ ምፍዋስ ዝውዕለሉ ተኽእሎታት ምርምር ይካየድ ከምዘሎ ይዝረብ።

ሽልማት ሕክምና ኖበል፡ ካብቶም ሽዱሽተ ዓውዲታት እቲ ሽልማት እቲ ብቐዳምነት ዝስራዕ እዩ፤ ኖበል ዓመታዊ ኣብ ዓውዲታት ሕክምና/መድሃኒት፡ ፊዚክስ፡ ከሚስትሪ፡ ስነቍጠባን ስነጽሑፍን፡ ጸብለል ዝበለ ወይ መቐይሮ ዝዀነ ምርምራትን ርኽበታትን ንዝገበሩ ውልቀሰባት ወይ ትካላት ይወሃብ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post

ኮሚተ ሽልማት ኖበል፡ "እቶም ተሸለምቲ፡ ኣብዚ ዘመናዊ መዋእል፡ ጥዕና ደቂ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ዓቢይ ሓደጋ ወዲቝ ዝነበረሉ እዋን፡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ናህሪ ክታበት ንምምዕባል ኣበርክቶ ገይሮም'ዮም" ኢሉ።

ክታበት፡ ዓቕሚ ምክልኻል ሰብ፡ ንከም ቫይረስ ወይ ባክተርያ ዝኣመሰሉ ሓደጋታት ንምልላይን ንምምካትን ንክኽእል ይሕግዞ ወይ የሰልጥኖ።

ዝጸንሐ ቴክኖሎጂ ክታበት፡ ኣብ ዝሞተ ወይ ዝደኸመ ስሪት ናይቲ መበቆላዊ ቫይረስ ወይ ባክተርያ ዝተመርኮሰ፣ ወይ ድማ ንእሽቶ ኣሰር ናይቲ ተላባዒ ባእታ ብምጥቃም እዩ ዝምዕብል።

ብኣንጻሩ፡ ክታበታት mRNA ፍጹም ዝተፈልየ ኣገባብ እዩ ዝጥቀም።

ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ ክታበት ሞደርናን ፋይዘር/ባዮንቴክን ክልቲኦም ኣብ ቴክኖሎጂ mRNA ዝተመስረቱ እዮም ነይሮም።

ዶክተር ካሪኮን ዋይስማንን ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ፔንስልቨንያ ኣብ ዝሰርሑሉ ዝነበሩ እዋን እዮም ተራኺቦም።