ኮሮናቫይረስ፡ ካብ እንስሳ ዝሰገረ ወይስ ካብ ቤተ-ፈተነ ዘምለጠ? ኤፍቢኣይ'ኸ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ዉሃን ዝተረኣየ ኮሮናቫይረስ፡ ካበይ መጺኡ ዝብል ሕቶ ንነዊሕ እዋን ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ ሓደ እዋን ኮሮናቫይረስ ካብ ቤተ ፈተነ ቻይና ኣምሊጡ ዝመጽአ እዩ ዝብል ሓሳብ 'ናይ ሽርሒ ክልስ' ሓሳብ እዩ ተባሂሉ ተነጺጉ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ጸኒሑ ድማ: ተመራመርቲ እቲ ቫይረስ ቅድሚ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ምትሕልላፉ ካብ እንስሳት ናብ ደቂሰባት ዝሰገረ እዩ ኣብ ዝብል ሓፈሻዊ ምርድዳእ ከምዝበጽሑ ይዝከር።
እዞም እቲ ለበዳ ብኸመይ ከም ዝጀመረ ዝገልጹ ክልተ ክልሰ-ሓሳባት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ኣዘራረብቲ ኮይኖም ጸኒሖም እዮም።
ሕጂ ድማ፡ ቢሮ መርመራ ፌደራል (ኤፍ.ቢ.ኣይ) መግለጺ ምሃቡ ስዒቡ፡ ብድሕሪ እቲ ንሓቂ ዝግበር ሃድን ዘሎ ፖለቲካን ምፍልላይን ይቕላዕ ኣሎ።
ሕቶ ኣመጻጽኣ ኮቪድ ዝምልከቱ፡ ውሑድ ከፋፋልቲን መርዛምን ሳይንሳዊ ክትዓት ኣለዉ።
ንሳቶም ድማ እቲ ቫይረስ ንፈለማ እዋን ሰብ ዝለኸፈ ኣብ ዕዳጋ ዉሃን ድዩ፡ ኣይፋልን ኣብ መንግስቲ ቻይና ዝቆጻጸሮ ቤተ-ፈተነ እዩ ዝብሉ እዮም።
ናይ ኣሜሪካ ስለያ ትካላትን ክፍልታት መንግስትን እውን ኣብ ኣመጻጽኣ ኮቪድ ኣብ ምርድዳእ ክበጽሑ ምቅላሶም ዘገርም ኣይኮነን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ክፍሊ ጸዓት ኣመሪካ ንገምጋሙ መርመራኡ ቀይሩ እዩ። እቲ ትካል - እቲ ቫይረስ ካብ ቤተ-ፈተነ ከም ዝመጸ ጠርጢሩ። እዚ ድማ ቁጽሪ ናይተን ነዚ ኣረኣእያ ዝድግፋ ትካላት ናብ ክልተ የብጽሖ።
ድሮ ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ብ"ማእከላይ" ደረጃ ርእሰ ተኣማንነት፡ ኣብ ተመሳሳሊ መደምደምታ ከምዝበጽሐ ገሊጹ ነይሩ።
ሕጂ ድማ ዳይረክተር ኤፍ.ቢ.ኣይ ክሪስቶፈር ሬይ፡ እቲ ቢሮ "ናይ ቤተ ፈተነ ፍጻመ ክኸውን ዘሎ ተኽእሎ" ልዑል ምዃኑን፡ ተሓታቲ እዩ ኢሉ ከምዝኣምንን ንህዝቢ ገሊጹ ኣሎ።
ኣርባዕተ ትካላት ስለያ ኣሜሪካ ክሳብ ሕጂ መርትዖታት፡ እቲ ቫይረስ ካብ ተፈጥሮ ከምዝመጽእ ከምዘመልክት ክኣምና እንከለዋ፡ ካልኦት ክልተ ድማ ገና ከምዘይወሰና ይንገር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ገምጋማት ስለላ፡ ብርግጽ ኣብ ምስጢራዊ ሓበሬታ ዝተመርኮሱ እዮም።
እቶም ዝተፈላለዩ ትካላት፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ኣሜሪካ "ማሕበረሰብ ስለያ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኖም፡ ነፍሲ ወከፎም ካብ ዝተፈላለዩ ክኢላታትን ምንጪ ሓበሬታን፡ ካብ ሰብኣዊ ስለያ ክሳብ ስራሕቲ መንግስታዊ ሳይንቲስትታት ይጥቀሙ።
ንኣብነት ቤት ጽሕፈት ስለያን ጸረ-ስለያን ሚኒስትሪ ጸዓት፡ ካብቶም ዝቆጻጸሮም 17 ሃገራዊ ቤተ-ፈተነታት ሳይንሳውን ቴክኖሎጂካውን ፍልጠት ክጠልብ ይኽእል።
ስራሕቲ እዞም ትካላት ክደራረቡ ይኽእሉ እዮም፤ ግን ኣብ ሕቶ ኣመጻጽኣ ኮቪድ ክሳብ ክንደይ ከምዝተሓባበሩ ንጹር ኣይኮነን።
ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብቲ ብደረጃ ሃገር ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ መጽናዕቲን ፈተነን ከካይድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ 'ውሃን ኢንስቲትዩት ኦፍ ቫይሮሎጂ' ዝነበሩ ሓያሎ ተመራመርቲ፡ ኣብ ሕዳር 2019 ሓሚሞም ሕክምና ሆስፒታል ከምዘድለዮም ይንገር።
ብዛዕባ ምንጪ ናይዚ ሓበሬታ ግን ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።
መንግስቲ ኣሜሪካ፡ እቶም ምልክታት ምስ ኮቪድ-19ን ካልኦት ልሙዳት ወቕታዊ ሕማማትን ከምዝሰመሳሰሉ ገሊጹ ነይሩ - እዚ ድማ ምስቲ ክሲ ዘለዎ ቀጥታዊ ምትእስሳር ብነጻ ንምምርማር ኣጸጋሚ ገይርዎ’ዩ።
ኣብ መጀመርታ 2020፡ እቲ ካብ ቤተ-ፈተነ ከምዘምለጠ ዝገልጸ ክልሰ-ሓሳብ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዝነበሮ ምትእስሳር፡ ገለ ሰባት ከም ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክወስድዎ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
ምምሕዳር ዶናልድ ባዕሉ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ለበዳ ዘርኣዮ ድኽመት ንምሽፋን ኮነ ኢሉ ካልኦት ተሓተትቲ ንምግባርን ዋላ’ውን ጽልኢ ወጻእተኛታት ንምፍጣርን ዝተገብረ ፈተነ እዩ ኢሎም ሓሲቦም።
ግን ኣብ ጀነቲካዊ ኣሰራርዓ ሳርስ-ኮቭ-2 ዝተገብረ መርመራ፡ ካብ ቤተ-ፈተነ ክመጽእ ከምዘይክእል ብዘየማትእ መንገዲ ኣረጋጊጹ እዩ ዝብሉ ሳይንሳዊ ስነ-ሞጎታት እውን ነይሮም።
ድሒሮም ካልኦት ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት'ውን፡ ትንተና መረዳእታ ናይቶም ኣብቲ እቲ ሕማም መጀመርታ ዝተቐልቀለሉ ዕዳጋ ዉሃን ዝነበሩ ናይ መጀመርታ ሕሙማት፡ ኣመጻጽኣ ኮቪድ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ተፈጥሮኣዊ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝያዳ ጽዒሮም።
ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ዝቆጻጸር ዘሎ ሪፓብሊካዊ ሰልፊ ኣቓልቦኡ ናብቲ ቤተ-ፈተነ ከቕንዕ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ብትራምፕ ዝተመዘዘ ዳይረክተር ኤፍ.ቢ.ኣይ ነዚ ርእይቶ ምሃቡ፡ እቶም ተመራመርቲ፡ እቲ ጉዳይ ዳግማይ ጸወታ ፖለቲካ ድዩ ዝኾን ዘሎ ኢሎም ክሓቱ ክገብሮም ይኽእል እዩ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ባይደን፡ እቲ ካብ ቤተ-ፈተነ ከምዘምለጠ ዝገልጽ ክልሰ-ሓሳብ ብዓቢኡ ካብቲ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ዝረተኣሳሰር፡ ንባዐዕሉ ነጻ ገይሩ ኣሎ።
እዚ ድማ ምናልባት ካልኦት ሳይንቲስት፡ እቲ ክልሰ-ሓሳብ ብህጸት ተነጺጉ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ዝብል ስክፍታኦም ዓው ኢሎም ንኽዛረቡ ዝገበሮም ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣማኻሪ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ጆርጅታውንን ላሪ ጎስቲን፡ ዋላ'ኳ ንባዕሉ ተፈጥሮኣዊ ኣመጻጽኣ ዝድግፍ እንተኾነ፡ ብዘየማትእ መንገዲ ካብ ቤተ-ፈተነ ከምዘየምለጠ ንምዝራብ ገና እኹል መርትዖታት ከምዘየለዉ ይኣምን።
ካብ ቤተ-ፈተነ ዘምለጠ ኣይኮነን ኢልካ ምእማን’ውን ጌጋ ከምዝነበረ ይሓስብ።
ንሱ፡ እቲ ኣብ ካልእ ዝተፈላለየ ጉዳያት ኣብ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ዝተዋፈረ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሓቂ ነዚ ትረኻ ኣብ ሕቶ ምልክት ምእታው ቅኑዕ ክኸውን ከም ዝኽእል ይእምት።
"ማለተይ እወ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ነይሮም። ግን ንሱ፡ ብዛዕባ'ቲ ቤተ-ፈተነ ሓበሬታ ምድላዩ ተጋግዩ ድዩ? ኣይፋልን።"
ገለ ክኢላታት፡ ሕጂ ኮንግረስ ሓድሽ ሓበሬታ ከቃልዕ ክኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎም።
ተመራመርቲ ኣመሪካ ምስ ኢንስቲትዩት ቫይሮሎጂ ዉሃን ብቐረባ ክተሓባበሩ ጸኒሖም እዮም።
ብመንግስታዊ ትካላት ወይ ማህደር መፅናዕቲታት ዝተዓቀበ ክጠቅም ዝኽእል መረዳእታ ክህሉ ይኽእል እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ቻይና፡ ብመንገዲ ዕዳጋ ይኹን ቤተ-ፈተነ- እቲ ቫይረስ ካብ ቻይና’ዩ መጺኡ ዝብሉ ሓሳባት ኣይቕበልን።
ሕቶ ኣመጻጽኣ ኮቪድ፡ ኣብ ዋሽንግተንን ቤጂንግን ብመሪርነትን ቁጥዐን ፖለቲካን ተሸፊኑ ክጸንሕ ተኽእሎ ኣሎ።
ፕረዚደንት ባይደን ኣብ 2021 ንትካላት ስለያ፡ "ኩሉ ሜላ" ተጠቒሞም መሊሶም ክምርምሩ ዝኣዘዘሉን ከምኡ'ውን መልሲ ንምርካብ ዝተጸገሙሉን ምኽንያት ሕጽረት ሓበሬታ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







