ብዛዕባ ክታበት ኮቪድን ጐድናዊ ሳዕቤናቱን እንታይ ንፈልጥ?

ክታበት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክታበት ኮሮናቫይረስ ብኣውራኡ፡ ቁጽሪ ናብ ሆስፒታል ዝኣቱን ዝመውትን ብዝሒ ሰብ ናይ ምንካይ ዕላማ ከምዘለዎ መጽናዕትታት ይሕብሩ። እንተዀነ፡ ዓለም ኣንጻር ኮሮናቫይረስ እተካይዶ ኵናት ዛጊት ኣይተዓወተን።

እንግሊዛዊት ጓል 90 ዓመት ማርጋሬት ኪናን ብደረጃ ዓለም ፈላመይቲ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝወሰደት ሰብ’ያ። ንሳ ብዝጀመረቶ ክታበት ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣስታት 13 ቢልዮን ክታበት ኮሮናቫይረስ ተዋሂቡ።

ገለገሊኦም ከኣ መሐይሊ ክታበት ዝወሰዱ’ዮም።

ድሕሪ ክስተት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝነበሩ ክልተ ዓመታት እንታይ ተማሂርና? ብዛዕባ ውጽኢታውነት ክታበታት ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቶም ዝተቓልሑ ሓበሬታታት እንታይ ኢሎም? ብዛዕባ ጐድናዊ ሳዕቤናቱ’ኸ እንታይ ኢና እንፈልጥ?

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ክታበት ከፍርዩ ፍቓድ ዝተዋህቦም ትካላት ቀንዲ ቆላሕትኦም ቁጽሪ ናብ ሆስፒታላት ዝኣቱን ዝመውትን ግዳይ ናይ ምጉዳል ግደ እዩ።

እዞም ክታበታት እንተዘይፈርዩ ነይሮም ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ዝሓሙን ዝሞቱን ሰባት ምዛየደ ነይሩ።

ኣዝዩ ሓደገኛ ጐድናዊ ሳዕቤን ከምዝነከየ ትካላት ጥዕና ሕብረተሰብ ገሊጾም። ሕጂ ድሕሪ መጋረጃ እዚ መግለጺታት ዘሎ ጉዳይ ንመርምሮ።

ግብራዊ ውጽኢት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብቲ ዝበዝሕ ሕብረተሰብ ዓለም ክበጽሕ ምስጀመረ፡ ምስቲ ቫይረስ ተዛሚዱ ቁጽሪ ናብ ሆስፒታል ዝኣቱን ዝመውትን ሰብ ኣመና ከምዝጐደለ’ዩ ዝግለጽ።

ኦሚክሮን ዝተበሃለ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዋላ’ኳ እንተበዝሐ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብዙሓት ሰባት ብጽኑዕ ከይሓሙ ወይ’ውን ከይሞቱ ሓጋዚ ከምዝነበረ ተፈሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዝተሓተመ መጽናዕታዊ ዳህሳስ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ የል ተመራመርቲ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ንኽምልሱ ኣንቂድዎም ነበረ።

“ክታበታት ኮሮናቫይረስ እንተዘይህልዉና እንታይ ምተፈጠረ ነይሩ?” ዝብል ሕቶ ሓቲቶም።

ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ብሰንኪ እቲ ሕማም 18.5 ሚልዮን ሰባት ናብ ሆስፒታል ምኣተዉ ነይሮም፤ 3.2 ሚልዮን ሰባት ድማ ንሞት ምተቓልዑ፡ ክብል ኣብ ዙርያ እቲ ዛዕባ ዝተገበረ መጽናዕቲ የመልክት።

መደብ ክታበት ኣሜሪካ ንሕክምናዊ ወጻኢታት ክኸውን ዝነበሮ 1.15 ትሪልዮን ዶላር ከምዘድሓነ ኣፍሊጡ። እዚ ማለት ክታበት እንተዘይህሉ ነይሩ ነቲ ሕማም ንምፍዋስ ተወሳኺ ገንዘብ ምወጽአ ነይሩ ማለት’ዩ።

“ካብ 12 ታሕሳስ 2020 ጀሚሩ ኣብ ኣሜሪካ 82 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኰይኖም፡ እቶም 4.8 ሚልዮን ሰባት ናብ ሆስፒታል ክኣትዉ ተገዲዶም’ዮም። 798 ሽሕ ሰባት ድማ ከምዝሞቱ ጸብጻብ ቀሪቡ።

“ብኻልእ ኣዘራርባ ክታበት እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ኣብ ኣሜሪካ 1.5 ዕጽፊ ተወሰኸቲ ሰባት በቲ ቫይረስ ምተለኽፉ፤ 3.8 ዕጽፊ ናብ ሆስፒታል ምኣተዉ፡ ከምኡ’ውን 4.1 ዕጽፊ ተወሳኺ መጠን ሞት ከጋጥማ ይኽእል ከምዝነበረ እቶም መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ገሊጾም።

ምክትል ፕረዚደንት ማሕበር ክታበት ብራዚል ዶክተር ኢዛቤላ ባላላይ ብወገኑ፡ “ክታበት ኮቪድ ንብዙሓት ሰባት ኣብ መንጐ ሞትን ድሕነትን ዘሎ ፍልልይ ዘርኣየ’ዩ” ኢሉ።

ብራዚል ካብተን በቲ ቫይረስ ኣመና ዝተሃሰያ ሃገራት ሓንቲ ክትከውን እንከላ፡ ክታበት ከመይ ከምዝፈሪ ኣብ ምስራሕ’ውን መርኣያ ዝዀነት ሃገር እያ።

ኣብ ፈለማ 2021 ክታበት ይጸድቀሉ ኣብ ዝነበረ ግዝያት፡ ብራዚል ካብ ፈለማ ጀሚራ ኣዝዩ ከቢድ ዝዀነ ጉድኣት ወሪድዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መወዳእታ መጋቢት መጀመርታ ሚያዝያን ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ብሰንኪ ኮቪድ መዓልታዊ ዝሞቱ ዝነበሩ ሰባት ልዕሊ 3 ሽሕ በጺሑ ነይሩ። በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ድማ መዓልታዊ 72 ሽሕ በጺሑ ከምዝነበረ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሰሙናት ሓሊፎም ቁጽሪ ዝተኸተቡ ብራዚላውያን እናወሰኸ ምስከደ ድማ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ኣዐርዩ ክንኪ ጀሚሩ።

ዓሌት ኦሚክሮን ምስተኸሰተ ድማ ኣብ ጥሪ 2022 እቲ ቁጽሪ ከም ብሓድሽ ወሲኹ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ መዓልታዊ ዝሞቱ ሰባት ናብ 950 ክብ ኢሉ ዝነበረ ኮይኑ ካብቲ ናይ ፈለማ ዝነበሮ ቍጽሪ ግን ብሲሶ ነክዩ።

ጐድናዊ ሳዕቤናት ክታበት ኮሮና ኸ እንታይ’ዩ?

“ኣብ መስርሕ ብዙሓት ክታበታት ኮቪድ ምስተወሃቡ ብዛዕባ ድሕነት ህይወቶም ኣመና ርግጸኛታት ንኸውን” ዝበለ ዶ/ር ባላላይ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተቘጻጸርቲ ትካላትን ትካላት ጥዕና ሕብረተሰብን ድሕሪ ክታበት ከጋጥሙ ዝኽእሉ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ንምክትታልን ምምርማርን ላዑል ጻዕሪ ከካይዱ ጸኒሖም ኣለዉ።

ኣገልግሎት ሃገራዊ ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ “ከበድቲ ጐድናዊ ጉድኣታት ኣዝዮም ንኣሽቱ’ዮም” ክብል ገሊጽዎ። ድሕሪ ክታበት ካብ ዝተለመዱ ጐድናዊ ሳዕቤናት፡ ኣብቲ ዝተኸተብሉ ክፋል ሰብነት ስምዒት ሕማም ምህላው፡ ርእሲ ሕማም፡ ኣካላዊ ቃንዛን ረስንን’ዮም።

ካብቶም ጐድናዊ ሳዕቤናት መብዛሕትኦም ቅልል ዝበሉን ንትሕቲ ሓደ ሰሙን ዝጸንሑ ከምዝዀኑን መንግስቲ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።

ከበድቲ ሳዕቤናቱ’ኸ? ኣዛትት ቀረባ ግዜ ኸ እንታይ ይብሉ? ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ እዋናዊ ዝዀነ መረዳእታ ዘቕረበ ማእከል መከላኸልን መቈጻጸርን ሕማማት ኣሜሪካ [ሲዲሲ] እዩ።

ከም መረዳእታ ሲዲሲ፡ ክሳዕ ሕጂ ዝፍለጡ ከበድቲ ጐድናዊ ሳዕቤናት እዞም ዝስዕቡ’ዮም።

ኣናፊላክሲስ [ድሕሪ ክታበት ዝኽሰት ከቢድ ኣለርጂ]፡ ካብ ሓደ ሚልዮን ክታበት 5 ዝኣክል የጋጥም።

ምስ ክታበት ጆንሰን ተዛሚዱ ካብ ሓደ ሚልዮን ክታበት 4 ዝኣክል ኣለርጂ የጋጥሞም። ክታበት ፋይዘር ኣብ ዝወሰዱ መናእሰይ ከኣ ማዮካርዳይትስን ፐርካርዳይትስ [ቍጥዕ ልቢ] ተኸሲቱ ነይሩ።

መረዳእታ ሲዲሲ ከምዝሕብሮ፡ “መብዛሕትኡ ማዮካርዳይትስ ወይ ፐርካርዳይትስ ዘለዎም ተሓከምቲ፡ ንመድሃኒትን ዕረፍትን ጽቡቕ ምላሽ ዝሃቡ ኰይኖም ቀልጢፉ ድማ ይሕሾም።

“ኣብ ስርዓተ ቍጽጽር ድሕነት መሰረት ገይሮም ዝተኻየዱ ብዙሓት መጽናዕታትን ገምጋማትን፡ እቶም ክታበታት ጸገማት ዘየስዕቡ ምዃኖም የርኢ” ክብል ወሲኹ ኣፍሊጡ።

ክታበት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምስ ሞት ዝምልከት ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየዱ መጽናዕታት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብታ ሃገር ክሳዕ 7 ታሕሳስ [2022] ኣብ ዝተገበረ መጽናዕቲ ካብ ዝተኸተቡ 657 ሚልዮን ሰባት፡ ቁጽሪ ድሕሪ ክታበት ዝሞቱ ሰባት 17 ሽሕን 8 ሚእትን እዩ።

እንተዀነ ኣወሃህባ ክታበት ንሞት እዞም ዝተገለጹ ሰባት ቀጥታዊ ምኽንያት ይዅን ኣይዅን ኣይተገለጸን። መዛግብቲ ሕክምናን ምርመራታት ኣስከሬንን ብምትንታን ምስ ኣጠቓቕማ ክታበት ጆንሰን ብዝዛመድ 9 ሰባት ጥራይ ተረኺቦም።

ዶ/ር ባላላይ፡ ዝዀነ ይዅን መድሃኒት፡ ክታበት ይዅን መስርሕ ካብ ሓደጋ ናጻ ከምዘይኮነ ኣስሚርሉ።

“እዚ ዅሉ ቍጽሪ ዘርእየና ረብሓ ክታበት ካብቲ ሓሓሊፉ ዘጋጥም ጸገማት ንላዕሊ ጠቓሚ’ዩ” ኢሉ።

እንታይ ከ ክስዕብ ይኽእል?

እቶም ናይ ፈለማ ክታበታት ኮቪድ-19 ምስተረኸቡ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት’ውን እንተዀነ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ንምቍጽጻር ሕጂ ብዙሕ ፈተና ከምዝተርፍ’ዩ ዝግለጽ።

“ብደረጃ ዓለም ክታበት ኣብ ምሃብ ድሕሪት ዝተረፉ ሃገራት ኣለዋ፡” ክብል ተመራማሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣንድሬ ሪባስ ፍሬይታስ ተዛሪቡ።

ንኣብነት ሀይቲ እንተወሲድና፡ ካብ ጠቕላላ ህዝባ ክልተ ሚእታዊት ጥራይ’ዩ ክታበት ተኸቲቡ። ኣብ ከም ኣልጀርያ [15 ሚእታዊት]፡ ማሊ[12 ሚእታዊት]፡ ኰንጐ[4 ሚእታዊት]፡ የመን[2 ሚእታዊት] ዝኣመሰላ ሃገራት’ውን እንተዀነ ውሑድ’ዩ።

“እዚ ኣዝዩ ዘሻቕል ነገር’ዩ። ምኽንያቱ ሓያል ተላባዒ ቫይረስ በዚ ደረጃ ክጸንሕ ምፍቃድ ማለት፡ ዝኸፍአ ተላባዲ ወይ ከዓ ሕማማት ዘስዕቡ ዓሌታት ናይ ምኽሳት ሓደጋ’ዩ ዘመላኽት” ክብል ኣጠንቂቍ።