እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ሮናልዶ ንዘቕረቦ ነቐፌታ ነጺግዎ
ኣሰልጣኒ እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክርስትያኖ ሮናልዶ ንዘቕረበሉ ነቐፌታ ነጺጉዎ።
"ኣብ ስዑዲ'ዩ ዘሎ፡ ካብ ማንቸስተር ርሑቕ'ዩ ዘሎ። ዝኾነ ሰብ ርእይቶ ክህልዎ መሰሉ'ዩ" ክብል ኤሪክ ተን ሃግ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ተዛሪቡ።
ሮናልዶ ነቲ ኣብ ጸቕጢ ዝርከብ ኣሰልጣኒ ብምንቃፍ፡ እታ ጋንታ ንዓበይቲ ዓወታት ኩዕሶ እግሪ ከትመዝግብ "ብዅሉ ነገራ ዳግማይ ክትሃንጽ ኣለዋ" ክብል ርእይቶ ሂቡ ነይሩ።
ዩናይትድ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናይ ፕረምየር ሊግ ታሪኻ ዝተሓተ ዝበሃል ሻምናይ ደረጃ ሒዛ ምዝዛማ ከምኡ'ውን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመተ-ስፖርት ኣብ መኽፈቲ ሰለስተ ጸወታታት ክልተ ስዕረት ድሕሪ ምእንጋዳ ኣብ ልዕሊ ሆላንዳዊ ኣሰልጣኒኣ ዝወርድ ዘሎ ጸቕጢ ምሕያሉ ይፍለጥ።
ናብ ስዑድ ዓረባዊት ጋንታ ኣልናስር ቅድሚ ምኻዱ ኣብ ዩናይትድ ተመሊሱ ንካልኣይ ግዜኡ ዝተጻወተ ሮናልዶ’ውን ንኣካይዳ ኣሰልጣኒ ተን ሃግ ኣብ ሕቶ ኣእትዩዎ’ሎ።
ንሱ ኣብ ፖድካስት ሪዮ ፈርዲናንድ ፕረዘንትስ ቀሪቡ "እቲ ኣሰልጣኒ ኣብ [ፕሪምየር] ሊግን ሻምፕዮንስ ሊግን ንምዕዋት ክወዳደሩ ከምዘይክእሉ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ግን ከኣ ከም መጠን ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብዞም ሊጋት ንምዕዋት ኣይክንቃለስን ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ" ክብል ነቒፉ።
"ብስነልቦና ምናልባት ከምኡ ዓይነት ዓቕሚ የብልናን [ክትብል ትኽእል ኢኻ]፤ ኣነ ግን ከምኡ ክብል ኣይክእልን እየ። ክትፍትን ኣለካ" ኢሉ።
ንማንቸስተር ዩናይትድ ዝምነዮ ክገልጽ ከሎ ድማ “ዝበለጸት ጋንታ ክትከውን’ዩ። ኣነ ነታ ጋንታ ኣዝየ እየ ዝፈትዋ። ዝሓለፈ ዝርስዕ ሰብ ኣይኰንኩን” ክብል ተዛሪቡ።
ሮናልዶ ኣብ 2009 ናብ ሪያል ማድሪድ ቅድሚ ምስግጋሩ ኣብ ዩናይትድ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝጸንሓሉ እዋናት ሰለስተ ዋንጫታት ፕረምየርሊግ፣ ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ፣ ክልተ ዋንጫ ሊግን ሓደ ዋንጫ ኤፍ.ኤን ከምኡ'ውን ዋንጫ ዓለም ክለባት ፊፋን ኮሚኒቲ ሺልድን ተዓዊቱ እዩ።
ኣብ ነሓሰ 2021 ካብ ጁቬንቱስ ዳግማይ ናብ ዩናይትድ ዝተጸንበረ ኰይኑ፡ ኣብ ታሕሳስ 2022 ናብ ኣልናስር ቅድሚ ምግዓዙ ምስታ ጋንታ ኣብ ዝገበሮም 346 ጸወታታት ብድምር 145 ሸቶታት ኣመዝጊቡ።
ሮናልዶ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምስ ኣቕራቢ መደብ ፒይርስ ሞርጋን ኣብ ዝገበሮ ኣካታዒ ናይ ተለቪዥን ቃለ መሕትት "ከምዝተጠለመን" ተደፊኡ ከምዝወጸአን ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብቲ ወዲ ጋንታኡ ዩናይትድ ነበር ፈርዲናንድ ኣብ ዘዳልዎ ፖድካስት ቀሪቡ ዝገበሮ ጻንሒት ድማ ኣሰልጣኒኡ ነበር ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ኣብ 2013 ድሕሪ ምውጽኡ ኣብታ ጋንታ "ዝዀነ ምዕባለ ከምዘይተራእየ" ገሊጹ።
ዩናይትድ ካብ ሽዑ ጀሚራ ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ ኣይረኸበትን። ካብ ወነንቲ እታ ክለብ ሰር ጂም ራትክሊፍ ግን ኣብታ ጋንታ 25 ሚእታዊት ብጽሒት ድሕሪ ምዕዳጉ ናብቲ ዝጸንሐ ክብራ ክመልሳ’ዩ ዝብህግ።
ሮናልዶ ኣብ ርእይቶኡ “ብናተይ ኣረኣእያ ንዅሉ ነገራት ዳግማይ ክሃንጽዎ ኣለዎም” ክብል ገሊጹ’ሎ።
"እዛ ጋንታ ዳግማይ ክትህነጽ ግዜ የድልያ እዩ፣ ምኽንያቱ ሕጂ'ውን ሓንቲ ካብተን ዝበለጻ ጋንታታት ዓለም እያ። ክትቅየር ኣለዋ። እቲ ኣማራጺ እዚ ጥራይ ምዃኑ ይርድኡ'ዮም" ኢሉ።
"እዚ ስለዝዀነ እዮም ኣብ ኣቃውማ እታ ጋንታ፡ ትሕተ ቅርጺን ካልእ ነገራትን መሊሶም ለውጢ ዝገብሩ ዘለዉ። ወነንቲ እታ ጋንታ ኣብ ልምምድ ወፍሪ ይገብሩ ስለዘለዉ ሕጕስ እየ [ምኽንያቱ ነገራት ይቕየሩ ስለዘለዉ]።
"መጻኢ ብሩህ ክኸውን'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እኣምን'የ፤ ግን ኣብ ክእለት ተጻወትቲ ጥራይ ኣይኰነን ዝምርኰስ። ካብ ታሕቲ ጀሚሮም ዳግማይ ክሃንጹ ክኽእሉ ኣለዎም። እንተዘይኰይኑ ተወዳደርቲ ክኾኑ ኣይክእሉን'ዮም። ዘይከኣል ክኸውን'ዩ" ክብል ኣረዲኡ።
ሮናልዶ እታ ጋንታ ተጻዋታያ ንዝነበረ ሩድ ቫን ኒስተልሮይ ንተን ሃግ ካብ ዝሕግዙ ኣባላት ሓደ ገይራ ክትቘጽር ምውሳና ንኢዱ’ሎ።
"ተን ሃግ ንሩድ እንተሰሚዕዎ ብዙሕ ክሕግዝ ዝኽእል ይመስለኒ፤ ምኽንያቱ ንሱ ነታ ጋንታ ይፈልጣ እዩ። ተጻወትቲ ከኣ [ክትሰምዖም] ይግባእ" ኢሉ።
"ንዘይትፈልጣ ጋንታ ዳግማይ ክትሃንጻ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ዝውዕሉ ሰባት እውን ነዚ ክገብርዎ ኣይክእሉን። እቶም ንኵዕሶ እግሪ ዝርድኡ፡ ኣብ መቐየሪ ክዳን ግዜ ዘሕልፉ ሰባት እዮም ነዚ ክገብሩ ዝኽእሉ። ምስ ተጻወትቲ ከመይ ገይሮም ከም ዝረዳድኡ ይፈልጡ እዮም" ክብል ወሲኹ።
"ስለዚ ሩድ ቫን ኒስተልሮይ ኣብ ውሽጢ እታ ጋንታ ስለዝነበረ ክሕግዝ'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ነታ ጋንታን ንደገፍታን ዝፈልጥ'ዩ። እቲ ኣሰልጣኒ እንተሰሚዕዎ፡ ነታ ጋንታ ቅሩብ ከመሓይሽዋ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ" ክብል ርእይቶኡ ሂቡ።