እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክለባት ፕሪምየር ሊግ ዝተወሃበን ግምትን ዘለዋኦ ደረጃን
ካልኣይ እብረ ዓመተ ስፖርት ፕሪምየር ሊግ ተጀሚሩ ኣሎ፤ ዋንጫ ንምዕታር ዝካየድ ቃልሲ ብኡ መጠን መሳጢ እናዀነ ይኸይድ ከምዘሎ ኸኣ ንጹር እዩ።
ሊቨርፑል ቀዳመይቲ ኰይና ትመርሕ ኣላ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ዝሓዛ ክለባት ግን ፍልልየን ብሓሙሽተ ነጥቢ ጥራይ እዩ።
እዚ ማለት ብዙሕ ዘይተጸበናዮም ውጽኢታት ክረኣዩ ተኽእሎ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሉተን ታውን፡ በርንለይን ሸፊልድ ዩናይትድን ካብ ፕሪምየር ሊግ ናይ ምውራድ ሓደጋ ኣንጸላልይወን ኣሎ፤ እንተዀነ ብልዕሊአን ዝርከባ ክለባት ካብዚ ሓደጋ ነጻ እየን ማለት ኣይኰነን።
እዚ ዓመተ ስፖርት ቅድሚ ምጅማሩ ዋና ጸሓፊ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ስፖርት ፊል ማክነልቲ፡ እተን 20 ክለባት ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝዛዝማ ኣተንቢሁ ነይሩ። ሕጂ ድማ፡ በቲ ክሳዕ እዚ እዋን ዘመዝገባኦ ምዕባለታት የስተንትን።
ፊል ማክነልቲ ኣብ ነሓሰ እንታይ ኣኣንፊቱ ነይሩ? ኣብዚ እዋንከ እተን ክለባት እንታይ ደረጃ ሒዘን ይርከባ?
1ይቲ – ሊቨርፑል
ኣንፊልድ ኵሉ ግዜ ልዑል ትጽቢት ዝግበረሉ ሜዳ እዩ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ዝተመዝገበ ተስፋ ዘቝርጽ ውጽኢትን፡ የርገን ክሎፕ ዳግመ ህንጸት ድሕሪ ምክያዱን፡ 'ሊቨርፑል 2.0' ተባሂላ ዝተሰምየት እታ ክለብ፡ እዚ ዓመት ኣብ 'ምስግጋር' ከምእተሕልፎ ትጽቢት ነይሩ።
ብኣንጻሩ ግን ሊቨርፑል ፕሪምየር ሊግ ትመርሕ ኣላ። ኣብ ውድድር ኤፍ.ኤ ካፕ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣርሰናል ብሉጽ ዓወት ኣመዝጊባ፤ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ተጸንቢራ። ኣብ ዩሮፓ ሊግ’ውን ብብሉጽ ውጽኢታት ካብ ምድባ ሓሊፋ’ያ። ብክልሰ-ሓሳብ ደረጃ ንኣርባዕተ ዋንጩ እያ ትጻወት ዘላ።
ኣጥቃዓይ መሓመድ ሳላሕ፡ ተኸላኻሊ ቨርጂል ቫን ዳይክን ዓለምለኻዊ ደረጃ ዘለዎ ሓላዊ ልዳት ኣሊሰንን መሰረት እቲ ትጽቢት ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ።
ሓዳስን መሳጢትን ኰይና ዝተቐልቀለት ሊቨርፑል፡ ብቕዕቲ ተወዳዳሪት ዋንጫ ኰይና ትቕጽል ኣላ፤ ካልኣይ እብረ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ድማ ፍሉይ ኰይኑ ይቐጽል ኣሎ።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ 2ይቲ
ሽዑ ፊል፡ "ሊቨርፑል ዳግማይ ትንሳኤ ክትረክብ ትጽቢት ኣለኒ፤ ብፍላይ መሓመድ ሳላሕ፡ ኮዲ ጋክፖ፡ ልዊስ ዲያዝ፡ ዲዮጎ ጆታን ዳርዊን ኑነዝን ሒዛ ኣብ መጥቃዕቲ እትምካሕ እያ" ክብል ግምቱ ኣቐሚጡ ነይሩ።
2ይቲ - ኣስቶን ቪላ
ብክኢላዊ ኣመራርሓ ኡናይ ኤምረ፡ ኣስቶን ቪላ ክሳዕ ሕጂ ብሉጽ ዓመተ ስፖርት ተሕልፍ ኣላ። ንሱ፡ ንስቲቨን ጀራርድ ካብ ዝትክእ ንደሓር እታ ክለብ ሓይሊ ረኺባ እያ። ኣስቶን ቪላ ኣብ ሜዳኣ ዘይትንዓቕ ኰይና ኣላ - ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ንማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ዝሰዓረትሎም ጸወታ ናይዚ መርኣያ እዮም።
ስለዚ ደገፍቲ ቪላ ተስፋ መሊኦም ኣለዉ፤ ብርግጽ ተስፋ ዘይገብሩሉ ምኽንያት ድማ የለን። ብተወሳኺ ኣብ ዝመጽእ ዓመተ ስፖርት ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ክትሳተፍ ልዑል ተስፋ ኣለዋ። ብርግጽ ድማ ኣብዚ ዓመት ሓንቲ ካብተን ንዩሮፓ ኮንፈረንስ ሊግ ክዕወታ ትጽቢት ዝግበረለን ክለባት እያ።
ነዚ ብቕዓት ዓቂቦም ክቕጽሉ ይኽእሉ ድዮም? ኣሰልጣኒ ኤምረ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝኣምን።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ 5ይቲ
ኣብ ነሓሰ፡ "ኣብዚ ቅሩብ ዘይተለምደ ግምት ክህብ’የ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣዝያ ሓያል ዝዀነት ኣስቶን ቪላ ክንርኢ ኢና ዝብል ስምዒት ኣለኒ" ኢሉ ነይሩ።
3ይቲ - ማንቸስተር ሲቲ
ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ክሳዕ ሕጂ ብሉጽ ብቕዓቶም ኣየርኣዩን፤ ኣብ ቀረባ ጸወታታት ግን ናብ ብቕዓቶም ክምለሱ ከምዝኽእሉ ምልክታት ኣለዉ።
ኬቨን ደ ብሮይን ናብ ጸወታ ምምላሱ፡ ብመንጽር ብስነ-ኣእምሮኣውን ብቕዓት ዓቢ ምልዓል ክፈጥር እዩ። ኤርሊን ሃላንድ’ውን ኣብ ቀረባ እዋን ክምለስ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ካልኣይ እብረ ዓመተ ስፖርት ሓይላ ከምእተርአ ድማ ይፍለጥ።
ገለ ሃጓፋት’ኳ እንተሃለዉ፡ ልክዕነት ምቅብባል ኣለዎም፤ ሕጂ'ውን ዋንጫ ከምዝዕወቱ ይግመት።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ 1ይቲ
ማክነልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ተርእዮ ሃላንድ፡ ነባሪ ብቕዓት ደ ብሮይንን ካልኦትን ምስ ዝውሰኾ፡ ሲቲ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት መሊሶም ሻምፕዮን ክዀኑ እዮም ይብል።"
4ይቲ - ኣርሰናል
ኣርሰናል፡ ብዘይካ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበራ ስሉጥነት፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ዘደንቕ ብቕዓት ኣርእያ እያ።
ልዑል ደረጃ ዘለዎ ኣጥቃዓይ ስለዘይብላ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ድኹም ውጽኢታት ተመዝግብ ኣላ።
ማይክል ኣርቴታ፡ ካብ ንኣሮን ራምስዳል ኣብ ክራማት ንዝተመልመለ ዴቪድ ራያ ብምምራጽ ኣብ ዙርያ ሓላዊ ልዳት ጫውጫው ፈጢሩ ኣሎ። ካይ ሃቨርትዝ ንምምጻእ ንቸልሲ ዝተኸፈለ 65 ሚልዮን ፓውንድ ሓደ ዘተኣማምን ኣጥቃዓይ ንምግዛእ እንተዝውዕል ነይሩ ዝሓሸ ምዀነ’ዶ ነይሩ?
ብቕዓት ዘለዋ ክለብ’ያ፤ እንተዀነ ግን ወሳኒ መድረኽ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ኣርቴታ መልሲ ክረኽበሎም ዝግባኦ ሕቶታት ኣለዉ።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ 3ይቲ
ማክነልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ኣርሰናል ከም ተዓዋቲት ዋንጫ ድየ ዝሪኣ? ኣይፋልን።"
5ይቲ - ቶተንሃም ሆትስፐር
ኣንጀ ፖስተኮግሎ ኣብ ስታድዩም ቶተንሃም ዳግማይ ሓጐስ ፈጢሩ ኣሎ፤ ምስ ስእነት ሃሪ ኬን ክቃለስ ከምዝተገደደ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቅያ እዩ ምባል ይከኣል። ኵሉ ዘሳትፍ ቅዲ ምጥቃዕ ሓደጋታት ኣለዎ... ግን ከኣ ልዑል ኣዘናጋዒ ዝዀነ ቅዲ ምጥቃዕ እዮም ዝጻወቱ።
ሶን ሄንግ-ሚን ኣብ ዋንጫ ኤስያ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኮርያ ስለዝጻወት፡ ስፐርስ ብቕዓት ናይዚ ተጻዋታይ ክትስእን እያ።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ 8ይቲ
ማክናልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተረኣዩ ውጽኢታት፡ ፖስተኮግሎ ግዜን ትዕግስትን ከድልዮ'ዩ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ዘሰልጥነን ክለባት ኣዝዩ ዘዛኒ ጸወታ’የን ዘርእያ፤ እዚ ድማ እንተወሓደ ምምሕያሽ’ዩ።"
6ይቲ - ዌስትሃም ዩናይትድ
ገለ ደገፍቲ ዌስትሃም፡ ዴቪድ ሞየስ ገና ዘይተረኸበ ጣዕሚ ከምዝዀነ ይሓስቡ። ዝሓለፈ ዓመት ዩሮፓ ኮንፈረንስ ሊግ ምዕዋቱን ኣብ ፕሪምየር ሊግ ልዑል ውድድር ከርእዩ ድሕሪ ምግባሩን ግን ስለምንታይ ዝሓሰቡሉ ምስጢር ምዃኑ ብሩህ እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣርሰናል ዘመዝገቦ ዓወት እውን ፍሉይ ተርእዮ እዩ ነይሩ።
ኣብ ካልኣይ እብረ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ብሃንቀውታ ትጽቢት ዝግበረሎም ብዙሕ ነገራት ኣለዉ - ካብቲ ዝገመትክዎ ኣዝዩ ዝሓሸ ውጽኢት የመዝግቡ ኣለዉ።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ መበል 11
ማክናልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ሞየስ ሰፊሕ ተመኵሮ ኣለዎ፤ ድሕሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ነዊሕ ሂወቱ ንፈለማ እዋን ዋንጫ ምርካቡ ዘሐጉስ’ኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግን ዓሻ ኣይኰነን፡ ተጻወትቲ ምፍራም ከምዘድልዮ ይፈልጥ'ዩ።"
7ይቲ - ብራይተን ኤንድ ሆቭ ኣልቢዮን
ወሰንቲ ኣከፋፈልቲ ኣሌክሲስ ማክ ኣሊስተርን ሞይስ ካይሴዶን ናብ ሊቨርፑልን ቸልስን’ኳ እንተኸድዋ፡ ብራይተን ግን ካብተን ኣዝየን መሰጥቲ ክለባት ሓንቲ ኰይና ትቕጽል ኣላ።
ኣሰልጣኒ ሮበርቶ ደ ዘርቢ ኣነቓቓሒ መራሕን ጽቡቕ ታክቲሻንን እዩ። እታ ክለብ ድማ ኣብ 7ይ ደረጃ ተመዓራርያ ኰፍ ኢላ ትርከብ።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ 9ይቲ
ማክናልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ምስታፋ ግቡእ ዓስቢ እዩ ነይሩ፤ ኣብዚ ዓመት’ውን ካልእ ጽቡቕ ውፍኢት ከመዝግቡ ትጽቢት እገብር።"
8ይቲ - ቸልሲ
ቸልሲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ዋንነት ቶድ ቦይሊን ቤህዳድ ኤግባሊን ዘሕለፈቶ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው፡ ማውሪስዮ ፖቸቲኖ ኣብታ ክለብ ስርዓት ንምስፋን ግዜ ከምዘድልዮ እሙን'ዩ።
እንተዀነ ቸልሲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ዘመዝገበቶ ውጽኢት ትሕቲ ደረጃ ምዃኑ ኣየጠራጥርን።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ 6ይቲ
ማክኑልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ቸልሲ ዝዀነ ዋንጫ ክትዕወት ኣይትኽእልን እያ ግን ፖቸቲኖ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከቐምጣ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡ ገለ መዳልያታት ክትረክብ’ውን ተኽእሎ ኣሎ።"
9ይቲ - ማንቸስተር ዩናይትድ
ካበይ ክጅምር? ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረኣየ ምምሕያሽ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ብድኹም ብቕዓት ተተኪኡ። ዩናይትድ ካብ ውድድር ሻምፕዮንስ ሊግ ተገሊፋ፡ ፍርቂ ካብተን ቀዳሞት 20 ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ እውን ተሳዒራ እያ።
ኤሪክ ተን ሃግ፡ እምነትን ምትእስሳርን ዘይብሎም ተጻወትቲ’ዩ ዝመርሕ። ሕጂ ድማ ሰር ጂም ራትክሊፍ ኣብታ ክለብ ብጽሒት ድሕሪ ምዕዳጉ፡ እቲ ኣሰልጣኒ ተወሳኺ ጸቕጢ ይወርዶ ኣሎ። እቲ ስርሓት ኩዕሶ እግሪ ዘካይድ ሰር ጂም፡ ምምሕያሽ ክጠልብ እዩ።
ኣብ ነሓሰ ዝሃብክዎ ግምት መላገጺ ይገብርዎ ኣለዉ።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ 4ይቲ
ማክናልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ዩናይትድ፡ ብተን ሃግ ዝተጀመረ ምምሕያሻት ክትቅጽለሉ ተስፋ ይገብር። ዋንጫ ክትዕወት ዕድል የብላን፤ እንተዀነ ገለ መዳልያታት ኣይትስእንን።"
10ይቲ - ኒውካስል ዩናይትድ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሻምፕዮንስ ሊግ ሓሊፋ ዝነበረት ኒውካስል፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ክሳዕ ሕጂ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ተአንግድ ኣላ። ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣብ ልዕሊ ፒኤስጂ 4ብ1 ድሕሪ ምዕዋታ ልዑል ተስፋ ኣሕዲራ ነይራ።
ኣብ ቀረባ እዋን ግን ድኹም ብቕዓት ተርኢ ኣላ።
ኣብ ሳልሳይ ዙርያ ዋንጫ ኤፍ.ኤ. ንሰንደርላንድ ምርታዓ፡ ድሕሪ 7 ስዕረት ዘመዝገበቶ ዓወት እዩ።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ 7ይቲ
ማክናልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ኣብዚ ዓመት እውን ኣብ መንጐ ላዕለዎት ኣርባዕተ ኰይና ከምትዛዝም ርግጸኛ ኣይኰንኩን፤ እንተዀነ ናብ ልዑል ደረጃ ትጓዓዝ ኣላ፡ እዚ ድማ ናይ ነዊሕ ግዜ ተስፋታት’ዩ።"
መበል 11 - ዎልቨርሃምፕተን ዎንደረርስ
ጋሪ ኦነል ምምጽኡ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ፤ ዎልቭስ ኣዝዩ ተስፋ ዘለዎ ዓመተ ስፖርት ተስተማቕር ኣላ።
ኣብ ዙርያ እታ ክለብ ዳግማይ ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥሩ ረቛሒታት ድማ ኣለዉ።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ መበል 18
ማክናልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ሎፕተጊ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ንኽጸንሑ ዝበለጸ ተስፋኦም ይመስል ነይሩ - ሕጂ ከይዱ’ዩ፡ ዎልቭስ ድማ ኣብ ቅልውላው ትርከብ።"
መበል 12 - በርንማውዝ
ኣዝዩ ድኹም ኣጀማምራ በርንማውዝ፡ ንጋሪ ኦነል ሰጒጓ ንኣንዶኒ ኢራኦላ ምቝጻራ ጌጋ ፈጺማ ዝብል ስክፍታታት ኣዕብዩዎ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ስጳኛዊ ግን ሕጂ ኣብ በርንማውዝ ኣሰሩ ኣንቢሩ ብሉጽ ውጽኢት ኣመዝጊቡ ኣሎ።
እታ ክለብ ኣዝዩ ዘዘናግዕ ኩዕሶ እናተጻወተት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ደይባ ኣላ።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ መበል 15
ማክናልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ኢራኦላ ዘሐጕስ ዝና ኩዕሶ እግሪ ሒዙ'ዩ ክመጽእ፡ ደገፍ'ውን ክረክብ'ዩ።"
መበል 13 - ፉልሃም
ኣሰልጣኒ ማርኮ ሲልቫ ኣብ ፉልሃም ብቕዓቱ የርኢ ኣሎ።
ንመጀመርታ ግዜ ነታ ክለብ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ኢኤፍኤል ምምርሑ ድማ ስለምንታይ ኣዝዩ ልዑል ክብሪ ከምዝወሃቦ ዘመልክት እዩ።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ መበል 13
ማክናልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ደረጃ ፉልሃም ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ክንድዚ ልዑል ክኸውን ኣይክእልን'ዩ፤ እንተዀነ ናብ ቃልሲ ምውራድ ክትኣቱ’ያ ኢለ ኣይጽበይን።"
መበል 14 - ክሪስታል ፓላስ
ኣብ ክሪስታል ፓላስ ስምዒት መወዳእታ ዘመን ኣሎ። ገዲም ኣሰልጣኒ ሮይ ሆድሰን፡ ቅድሚ እቲ ዝተሰማምዓሉ ስንብት፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ካብታ ክለብ ክፍለ እዩ ዝብል ግምት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።
ፓላስ ኣብ ጸገም ኣይክትኣቱን እያ፤ ግን እታ ክለብ ዝያዳ ኣጥቃዒት ክትከውንን እቲ ኣሰልጣኒ ድማ ነቶም መሳጢ ናይ ምጥቃዕ ተውህቦ ዘለዎም ኤበረቺ ኢዝን ማይክል ኦሊሰን ክዕንብቡ ክፈቅድ ይኽእል’ዩ ዝብል ዝጸንሐ ስምዒት ኣሎ።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ መበል 12
ማክናልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ዓመተ ስፖርት ሆድሰን ትጽቢት ይግበር። ርጉእ፡ ጽኑዕ፡ ጸገም ዘይብሉ።"
መበል 15 - ኖቲንግሃም ፎረስት
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ኖቲንግሃም ፎረስት ኵሉ ይቕየር ኣሎ። እቲ ብደገፍቲ ዝፍቶ ስቲቭ ኩፐር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዝነበሮ ውጽኢት ክሃንጽ ስለዘይከኣለ፡ ብኣሰልጣኒ ብኑኖ ኤስፒሪቶ ሳንቶ ተተኪኡ’ዩ።
ምስ ኑኖ ኖቲንግሃም ፎረስት ድሮ ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ኣንጻር ኒውካስል ዩናይትድ፡ ኣብ ሜድኣ ድማ ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ ጽቡቕ ዓወታት ኣመዝጊባ’ላ፡ እዚ ድማ ኣብ ሓድሽ ዓመት መንፈስ ዘልዓለ ብሉጽ ኣጀማምራ'ዩ ዝውክል።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ መበል 14
ማክኑልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ኣንቶኒ ኤላንጋ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ሓሓሊፉ ዘርኣዮ ብቕዓት ክሃንጽ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ምርኣይ መሳጢ ክኸውን'ዩ።"
መበል 16 - ብሬንትፎርድ
ብሬንትፎርድ እዚ ዓመተ ስፖርት ኣብ ገለ እዋናት ቅሩብ ቃልሲ ኰይኑዋ'ዩ። ኣጥቃዓይ ኢቫን ቶኒ ሕጊ ውርርድ ብምጥሓሱ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ምእጋዱ ድማ ነታ ክለብ ኣይሓገዘን። እንተዀነ ኣብ ጽቡቕ እዋን ክምለስ ቀሪቡ ኣሎ።
ብቐንዱ ሳላ ኣብ ሜድኣ ዘለዋ ቅዲ ጸወታን ብሉጽ ኣሰልጣኒ ቶማስ ፍራንክን፡ ካብ ምውራድ ክትድሕን’ያ ዝብል ግምት ኣለኒ።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ 10ይቲ
ማክናልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ብሬንትፎርድ ካልእ ምድልዳል እተርእየሉ ወቕቲ ክኸውን’ዩ።"
መበል 17 - ኤቨርተን
ኤቨርተን ዋላ'ኳ ኣብ መስርሕ ይግባይ እንተሃለወት፡ ፋይናንሳዊ ሕጊታት ጥሒሳ ስለዝተረኸበት፡ ብ10 ነጥቢ ተቐጺዓ እያ።
እዚ ግን ከም ሓደ ዘዋሕድ ሓይሊ ገይራ ክትሰርሕ ጸኒሓ፤ ኣርባዕተ ተኸታታሊ ዓወታት ብምምዝጋብ ድማ ካብ ስግኣት ምውራድ ኣውጺኡዋ’ሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ድኽመት እንተተረኣየ’ውን ሻን ዳይክ ግን ጽቡቕ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ።
ኤቨርተን ዋላ ነጥቢ እንተተቐጽዐት ኣብ ፕሪምየር ሊግ ከምትጸንሕ ገሊጸ ነይረ። ሕጂ’ውን ከምኡ እብል።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ መበል 16
ማክናልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ኣሰልጣኒ ሻን ዳይክ ዘለዎ ናይ ምውዳብ ክእለት ንኤቨርተን ካብ ምውራድ ከድሕና'ዩ።"
መበል 18 - ሉተን ታውን
ስነ-ጥበብ ጽቡቕ ምሕደራ ካብቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጸጋታት ዝበለጸ ረብሓ ክትረክብ ዝገብር እንተዀይኑ፡ ሮብ ኤድዋርድስ ኣብ ሉተን ታውን ብሉጽ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ።
ሉተን ሜዳኣ ንተጋጠምቲ ከቢድ ገይራቶ ኣላ። ኤድዋርድስ ብጸዓትን እምነትን ከምኡ'ውን ክእለትን ዝመልአት ጋንታ ኣዋዲዱ፤ ከይወረደት ኣብ ፕሪምየር ሊግ ክትጸንሕ ድማ ተስፋ ትገብር።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ መበል 20
ማክናልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ሉተን ካብ ምውራድ ክትተርፍ ምርኣይ ኣጸጋሚ'ዩ ግን ጌጋ ኰይነ እንተተረኺበ ልዑል ሓጐስ ምተሰምዓኒ።"
መበል 19 - በርንለይ
በርንለይ ኣብ ገለ እዋናት ምልክታት ህይወት ኣርእያ'ያ፤ እንተዀነ ኣሰልጣኒ ቪንሰንት ኮምፓኒ ምስ ዝቕየር ኵነታትን ከምኡ'ውን ሊጋት ናይ ምትዕጽጻፍ ድሌት ከምዘይብሉ ይስምዓኒ።
ብመትከላት ምጽናዕ ጽቡቕ'ዩ ግን እቲ ንበርንለይ ናብ ፕሪምየር ሊግ ዘደየበ ጽሩይ ቅዲ ጸወታ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ክለባት ቀሊልን ሓደጋ ዝመልኦን ይመስል። በርንለይ ኣይትወርድን ኢለ ኣሚነ ነይረ። ሕጂ ግን ኣይኣምንን።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ መበል 17
ማክናልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "እተን ዝድይባ ዘለዋ ሰለስተ ጋንታታት ትኽ ኢለን ተመሊሰን ክወርዳ እየን ዝብል ብዙሕ ክዝረብ ጸኒሑ'ዩ፡ ሓንቲ ክለብ ግን ነዚ ትንበያታት ክትጥሕስ እንተኽኢላ፡ ኣነ በርንለ'ያ እብል።"
መበል 20 - ሸፊልድ ዩናይትድ
ሸፊልድ ዩናይትድ ንፖል ሄኪንግቦቶም ሰጒጓ ዳግማይ ምስ ክሪስ ዋይልደር ተራኺባ ኣላ።
እቲ ተስፋ ዘይቈርጽ ዋይልደር ድማ ካብ ምውራድ ከድሕና ከምዝኽእል ዝኣምን ሰብ እዩ። ምስታ ክለብ ዝነበሮ ሕሉፍ ታሪኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዓቕሙ እውን ነቲ ስራሕ ምቹእ ሰብ ዝገብሮ።
ግምት ፊል ማክነልቲ፡ መበል 19
ማክናልቲ ኣብ ነሓሰ ዝበሎ፡ "ኣሰልጣኒ ፖል ሄኪንግቦቶም ንሸፊልድ ዩናይትድ ናብ ፕሪምየር ሊግ ንምምላስ ብሉጽ ስራሕ ሰሪሑ’ዩ፡ ኣብኡ ንምጽናሕ ግን ብዙሕ ስራሕ ዝጽበዮ ይመስል።"