እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተጻዋታይ ማን-ሲቲ ጃክ ግሪሊሽ 1 ሚልዮን ፓውንድ ዝትመን ንብረት ተሰሪቑ
ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝን ክለብ ማንቸስተር ሲቲን ጃክ ግሪሊሽ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛኡ ዝተፈጸመ ስርቂ ዘሰንበድን መንፈስካ ዝርብሽን ከምዝዀነ ገሊጹ።
እቲ ተጻዋታይ ጋንታኡ ማንቸስተር ሲቲ ብረቡዕ ኣብ ከተማ ሊቨርፑል ኣብ ልዕሊ ኤቨርተን ሰለስት ንሓደ ኣብ ዝተዓወተትሉ ኣብ ጸወታ እንከሎ’ዩ ኣብ ገዛኡ ስርቂ ተፈጺሙ።
ፖሊስ ከተማ ማንቸስተር ኣብ መንበሪ እቲ ተጻዋታይ ስርቂ ከምዝተፈጸመ ብኣባላት ስደራ ቤት ግሪሊሽ ሓበሬታ ምስ በጽሖም ቀልጢፎም’ኳ እንተኸዱ ነቶም ሰረቕቲ ግን ከረኽብዎም ኣይከኣሉን።
እቶም ንመንበሪ እቲ ወዲ 28 ዓመት ተጻዋታይ ሰይሮም ዝኣተዉ ሰረቕቲ ብሓፈሻ ዋጋ 1 ሚልዮን ፓውንድ ዝትመን ዝተፈላለየ መጋየጽን ሰዓታትን ከምዝወሰዱ ተገሊጹ ኣሎ።
ጃክ ግሪሊሽ ድሕሪ እቲ ክስተት ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “ንዓይ ስድራይ ዓለመይ’ዮም፡ ልዕሊ ድሕነቶም ዝሰርዖ ነገር የለን” ብምባል ኣብ ልዕሊ ስድራኡ ዝዀነ ሓደጋ ከምዘይወረደ ገሊጹ።
መጻምድቲ ጃክ ዝዀነት ሳሻ ኣትዉድን ካልኦት ኣባላት ስድራኡን ኣብቲ ገዛ’ዮም ነይሮም፤ ድምጺ ናይቶም ሰረቕቲ ምስ ሰምዑ’ዮም ናብ ፖሊስ ሓቢሮም።
ፖሊስ ብኣኻልብን ሄሊኮፕተርን ተሓጊዞም’ኳ ተፍትሽ እንተኣካየዱ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ጥርጡር ኣይሓዙን ዘለዉ።
እቲ ተጻወታይ በቲ ዝተፈጸመ ስርቂ፡ “ክሳብ ክንደይ ተረቢሸ ከምዘለኹ ሕጂ ክገልጾ ዓቕሚ የብለይን” ኢሉ።
ጃግ ግሪሊሽ፡ “ኵልና ሰንቢድና ኢና ኣብ ልዕሊ ቤተሰበይ ዝወረደ ዝዀነ መጕዳእቲ ስለዘየለ ግን ሰናይ ነገር’ዩ” ኢሉ።
“ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ምስ ጋንታይ ብምዃን ኣዝዩ ጽቡቕ ዓወታት ተጎናጺፈ’የ፤ ግን ሓቂ ንምዝራብ ብሰንኪ እዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ክስተት ነዛ ኣብ ናይ ጸወታ ግዜይ እታ ዝበለጸት ዓመት ኢለ ዝገልጻ ዓመት ብሓጎስ ክጽንብላ ኣይከኣልኩን፡” ኢሉ።
“. . . እቶም ነዚ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ልዕሊ ሰባት እንታይ ዓይነት ዕንወት ይፍጽሙ ኣለዉ ኣይርድኦምን’ዩ፤ ከምዚ ኣብ ልዕለና ዝተፈጸመ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ስድራ ንኸይፍጸም ከኣ ተታሒዞም ኣብ ሕጊ ክቐርቡ ተስፋ እገብር“ ኢሉ።
ግሪሊሽ ኣብ ዓመተ 2023 ምስ ክለቡ ማንቸስተር ሲቲ ብምዃን ዋንጫ ፕሪምየርሊግ፡ ቻምፕዮንስ ሊግ፡ ኤፍኤ ካፕን ዋንጫ ክለባት ዓለምን ዝርከብዎ ሓሙሽተ ዋናጩ ክዕወት ክኢሉ’ዩ።
ምስ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ዝጻወት ጃክ ግሪሊሽ ካብታ ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ዝጻወተላ ዝነበረ ጋንታ ኣስቶን ቪላ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት’ዩ ብ100 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ማንቸስተር ሲቲ ተሰጋጊሩ።
እቲ ተጻወታይ ኣብ ፕሪምየርሊግ ሓደ ካብቶም ብዙሕ ዝኽፈሉ ተጻወትቲ ኰይኑ፡ ኣብ ሰሙን 300 ሽሕ ፓውንድ ከምዝኽፈል ጸብጻባት ይሕብሩ።