ኢትዮጵያዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚ ጽጋቡ ገብረማርያም ካብ ቅድድም ብሽክለታ ይሰናበት

ኢትዮጵያዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚ ጋንታ ጄይኮ ኣልኡላ፡ ጽጋቡ ገብረማርያም ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ካብ ቅድድም ብሽክለታ ይሰናበት ምህላው ተፈሊጡ።

ሓደ ካብ ኣዝዮም ህቡባት ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝኾነ ጽጋቡ ንልዕሊ 10 ዓመት ምስ ዝተፈላለያ ዎርልድ ቱር ጋንታታት ክወዳደር ዝጸንሐ እዩ።

ጽጋቡ ካብ ቅድድም ብሽክለታ ዝሰናበተሉ ዘሎ ምኽንያት ምስታ ኣውስትራልያዊት ጋንታ ውዕሉ ከሕድስ ብዘይምኽኣሉ ከምዝኾነ ገለ መርበባት ሓበሬታ እኳ እንተገለጻ ቢቢሲ ብመገዱ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ጋንትኡ ጄይኮ ኣልኡላ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ቪድዮ ደቂ ጋንትኡ ናይ ሰናይ ምንዮት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎምሉ።

ኣብ 2012 ናብ ጋንታ ኤምቲኤን ኵቤካ ዝተጸንበረ ወዲ 32 ዓመት ጽጋቡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ኮይኑ ክወዳደር ጸኒሑ እዩ።

ፍሉጥ ጋዜጠኛ ስፖርት እንግሊዛዊ ዳንኤል ፍሪቢ ንውሳነ ጽጋቡ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ክፋኖ ከሎ ንስፖርት ከም ክሳራ እዩ፡” ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ምስ ጽጋቡ ብተደጋጋሚ ምዝርራቡ ብምግላጽ “ካብ ብሽክለታ ክርሕቕ ከምዘይኮነን ተሞክሮኡ ንካልኦት ከካፍል ምዃኑ ከም ዝተገንዘበን ሓቢሩ።

ፈላሚ ፕሮፌሽናል ዓወቱ ኣብ ዙር ታይዋን ዝተጐናጸፈ ጽጋቡ ኣብ 2015 ተዓዋቲ ቻምፕዮን ክሮኖሜተር ኣፍሪቃ ኮይኑ እዩ።

ጽጋቡ 12 ፕሮፌሽናል ዓወታት ከመዝግብ እንከሎ እቲ ዓሰርተ ኣብ ቻምፕዮና ሃገሩ እዩ።

ኣብ ውድድር ጽርጊያ ኢትዮጵያ ሰለስተ ግዜ፡ ኣብ ናይ ግዜ ውድድር (ክሮኖሜተር) ከኣ ሸውዓተ ሳዕ ተዓዋቲ ምንባሩ ሰነዳት መርበብ ሓበሬታ ፕሮሳይክሊን ስታት የርኢ።

ኣብ 2015 ፈላሚ ናይ ግራንድ ቱር ውድድሩ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ ዘካየደ ጽጋቡ፡ ኣብ 2015፡ 2016፡ 2019ን 2020 ኣብ ቮልታ ስጳኛ ኣብ 2016፡ 2017ን 2018ን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ተሳቲፉ።

ጽጋቡ ምስ ዎርልድ ቱር ጋንታታት ባሕሬን መሪዳ፣ ሴጋፍሬዶ፣ ሚቸልተን ስኮት፣ ባይክ ኤክስቼንጅን ጀይኮ ኣልኡላን ተጸንቢሩ ዝተወዳዳረ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ምንባሩ ደቂ ጋንትኡ ገሊጾም።