እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ፕሪምየርሊግ ክምለሳ ዝተበየነለን ጋንታታት ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከባ?
ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኲናት ካብ ፕሪምየርሊግ ርሒቐን ዝፀንሓ፡ ሰለስተ ጋንታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ናብቲ ሊግ ንኽምለሳ ኣብዚ ቅነ ወሲኑ ኣሎ።
70 እንደርታ፣ ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራትን ሱሑል ሸረን ብድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ናብቲ ሊግ ንኽምለሳ
ክሓታ እንተፀንሓ'ኳ፡ ሓደ ደረጃ ናብ ታሕቲ ወሪደን ክጻወታ ዝብል ውሳነ እዩ ተዋሂቡ ነይሩ።
ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፡ “ጋንታታት ንኽልተ ዓመታት ከይተወዳደራ እንተጸኒሐን ምሉእ ብምሉእ ይስረዛ” ዝብል መምርሒ ዝጠቅስ ኰይኑ፡ እተን ጋንታታት ብወገነን ብግዳማዊ ኹነታት ተገዲደን ከምዝኾነ ብምግላጽ ንዝሓለፈ ዓመትን መንፍቕን ክሙጕታ ጸኒሐን።
እቲ ፌዴሬሽን እዚ ሓድሽ ውሳነ ክህብ ዝተገደደ፡ ብመሰረት ካብ ሚንስትሪ ባህልን ቱሪዝንም እታ ሃገር ዝቐረበሉ ሕቶ እየዑ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ዓመተ-ውድድር 2017 [ኣ.ግ] ኣብ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ዝሳተፋ ጋንታታት ብዝሐን ካብ 16 ናብ 19 ክብ ዝበለ ዀይኑ፡ ኣብ ምዝዛም እቲ ሊግ ዝተሓተ ነጥቢ ዝህልወን ሓሙሽተ ጋንታታት ናብ ላዕለዋይ ሊግ ክወርዳ እየን።
ኣብ ዓመተ-ስፖርት 2018 ድማ ቁፅሪ ኣብቲ ሊግ ዝሳተፈፋ ጋንታታት ናብ ዝነበርኦ 16 ይምለሳ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣመራርሓ አተን እቲ ውሳነ፡ “ነቲ ኣቐዲምና ክንቃለሰሉ ዝጸናሕና ዘይፍትሓዊ ውሳነ መልሲ ዝሃበ እዩ” ኢሎም።
“ቀደሙ እውን ዘጥፋእናዮ ጥፍኣት ኣይነበረን። ካብቲ ሊግ ንኽትወርድ 4 ጥሕሰታት ክትፍጽም ኣለካ። ንሕና ግን ንዋላ ሓደ ጥፍኣት ኣይፈጸምናን ነይርና። ኲናት እዩ ካብ ውድድር ኣርሒቑና ጸኒሑ። ስለዚ ክንቃወም ኢና ጸኒሕና” ይብል ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ስፖርት መቐለ 70 እንደርታ ኣይተ ሽፈራው ተክለሃይማኖት።
እቲ ኣካያዲ ስራሕ ወሲኹ፡ “ናብቲ ሊግ ንምምላስ ስለዝሃረፍና ዘይኮነስ መሰልና ንክኽበር ሕቶ ክነቕርብ ስለዝጸናሕና ነቲ ናይ ሕዚ ውሳነ ብፍትሓውነቱ ተቐቢልናዮ ኣለና” ኢሉ።
ኣካቢ ቦርድ ጋንታ ወልዋሎ ኣይተ ቴድሮስ ካሕሳይ እውን “ጋንታታትና ናብ ዝነበራሉ ብርኪ ውድድር ንኽምለሳ ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና ጉዳይ እዩ። ምስ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ደብዳበ ንጸሓሓፍን ምስ ሰብመዚ ስፖርት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዘራረረብን ነይርና” ክብል ይዛረብ።
ነቲ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ “ጋንታት ትግራይ ቅድሚ ኲናት ካብ ዝነበራሎም ሊጋት ሓደ ደረጃ ወሪደን ክቕጽላ” ብዝብል ኣብ ወርሒ ሓምለ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ዘሕለፎ ውሳነ ብትሪ ከምዝተቓወሙ ብምዝኽኻር፡ “እዚ ሕቶናን ፃዕርናን ውጽኢት ብምርካቡ ከም ወልዋሎ ሕጉሳት ኢና” ኢሉ።
ሃሰያ ኲናት ኣብ ልዕሊ ጋንታታት ትግራይ
ቅድሚ ምውላዕ ኲናት ኣብ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ዝሳተፋ ዝነበራ ጋንታት ትግራይ ሰለስተ እየን ነይረ። መቐለ 70 እንደርታ፣ ስሑል ሸረን ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራትን። ብዘይከአን ኣብ ላዕለዋይ ሊግ እታ ሃገር ዝሳተፋ ካልኦት ጋንታታት ኩእሶ እግሪ ትግራይ እውን ነይረን’የን።
እዘን ጋንታታት ኣብ ትግራይ ካብ ዝፈረዩ ስፖርተኛታት ብተወሳኺ ካብ ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጽኡ ብቑዓት ተጻወትቲ ኣፈሪመን ዝነኣድ ፀዋታ ከርእያ ዝኸኣላ ምንባረን ይዝከር።
ብፍላይ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ 2011 ዓ.ም 'ግ] ዋንጫ ፕሪምየርሊግ ምውሳዱ ዝዝከር እዩ።
ምውላዕ እቲ ደማዊ ኲናት ስዒቡ ግን፡ እተን ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ’ውን ከቢድ ሃሰያ በፂሕወን’ዩ። ተጻወትተን ካብ ምጉዳል ብተወሳኺ ትካላውን ፋይናንሳውን ዕንወት ኣጋጢምወን።
“ጋንታና ቅድሚ ኲናት ድልድልቲ እያ ነይራ። ኣብቲ ኲናት ሰፊሕ ዝኾነ ዕነወት እዩ አጋጢሙና። ተጻወትቲ ተበቲኖምና። ምስቲ ኲናት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ወሰንቲ ተጻወትትና ከምኡ’ውን ኣገደስቲ ዝበሃሉ ደገፍትና ብህይወት ስኢንናዮም ኢና። ንኣብነት ‘ኩሪሪ’ ብዝብል ሳጕኡ ዝፍለጥ፡ ብሉጽ ተጻዋቲና መብራህቱ ተሰዊኡና እዩ” ይብል ኣካቢ ቦርድ ጋንታ ወልዋሎ ኣይተ ቴድሮስ።
እቲ ኲናት ንገዛ ኩሉ ትግራዋይ ዝዃሕኵሐ ምንባሩ ዝዛረብ ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ስፖርት መቐለ 70 እንደርታ ኣይተ ሽፈራው ብወገኑ፡ ጋንትኦም እውን ኩለመዳያዊ ሃሰያ ከምዝበጽሐ ይገልጽ።
“ክላትና ግዳያት እቲ ኲናት ኢና። ናይ ምሕዋይ ዕድላት ምርካብ ከድልየና እዩ። ከም ጋንታ ዝነበረና ንብረት ዓንዩ’ሎ። ተጻወትትና ተበታቲኖም፤ ገሊኦም እውን ተሰዊኦምና። ኣብዚ እዋን ካብ ዘለዉና ተጻወትቲ እቶም ሽድሽተ ውቑዓት እዮም። ቀሊል በሰላ ኣይኮነን ገዲፉልና” ኢሉ።
ነባራትን ብቑዓትን ተጻወትተን ብሰንኪ መስዋእትን መቑሰልትን ዝሰኣና ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይ፡ ገለ ተፃወትቶም'ውን ናብ ካልኦት ኣብታ ሃገር ዘለዋ ጋንታታት ፈሪሞም ብምኻዶም ቀሊል ዘይበሃል ክፍተት ኣጋጢምወን ኣሎ።
ካብ ዘጋጠመን ፋይናንሳዊ ቅልውላው ንምንስእራር ንህዝቢ፣ ኣፍቀርቲ ኵዕሶ እግርን ገበርቲ ሰናይን ናብ ሓገዝ ዘለዓዕሉ ስራሕቲ ዝጀመረ እዘን ጋንታታት፡ ካብ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኮነ ክላለውን ፌደራላውን መንግስታት ፍወሉይ ድጋፍ ክግበረለን ይምሕጸና።
“ስፖርተኛታትና ስሩዕ መሃያ ኣይንኸፍሎምን ዘለና። ንዘለና ጸገም ፋይናንስ ንምቅላል ብዝብል ካብ ብሄራዊ ሎተሪ ፍቓድ ወሲድና ዕጫታት ሎተሪ ኣብ ምሻጥ ንርከብ” ዝብል ኣይተ ሽፈራው፡ ተስፋ ናይተን ጋንታትት ኣብ ኣፍቀርቲ ስፖርትን ደገፍትን ዝምስረት ምዃኑ ተዛሪቡ።
ኣብ ትሕቲ ማሕበር መቐለ 70 እንደርታ እትርከብ ጋንታ ኩዕሶ ኢድ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ውድድር ኩዕሶ ኢድ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ዓወታት ብምምዝጋብ ዝለዓለ ውጽኢት ክተመዝግብ ከምዝኸኣለት ዝጠቐሰ እቲ ኣካያዲ ስራሕ “እቶም ተጻወትቲ ብዘይስሩዕ መሃያ፤ ሻሂ ምስ ባኒ እንበልዑ እዮም ነዚ ውጽኢት ኣመዝጊቦም” ኢሉ።
ናብ ፕሪምየሊግ ክምለሳ ብቑዓት ድየን?
ኣብዚ እዋን ካብ ኲናት ዝተረፈ ሃፍተንን ተፃወትተንን ሒዘን ናብ ምንቅስቓስ ዝተመለሳ ጋንታታት ትግራይ፡ ‘ኣንበሳ ካፕ’ ዝብል ስያመ ኣብ ዝተወሃቦ ክልላዊ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኣብ ምስታፍ ይርከባ።
እዚ መድረኽ ግጥም ከኣ እተን ጋንታታት ምስ ደገፍተን ንኽበራበራ ዕድል ዝፈጥር እዩ።
ኣብ እዋን ኲናትን ድሕሪ ኲናትን ምስ ስሩዕ ልምምድ ኮነ ግጥም ከይተራኸቡ ዝጸንሑ ተጻወትቲ እተን ጋንታታት ኣብ ቀረባ እዋናት’ዮም ናብ ሜዳ ዝምለሱ ዘለዉ። ነባራት ኣባላተን ብውሱን ደረጃ እንተተመለሱ’ኳ፡ ዝበዝሑ ተጻወትተን ግን ሓደሽቲ እዮም።
“ብርግጽ ቅድሚ ኲናት ክሳብ ናይ ደገ ተጻወትቲ ኣፈሪምና ፅቡቕ ዝበሃል ውጽኢት ነመዝግብ ነይርና ኢና። እዚ ግን ብኻልእ ገጽ ክረአ ከሎ ንናይ ከባቢና ተጻወትቲ ዕድል ዝዓፅው እዩ ነይሩ” ዝብል ኣካቢ ቦርድ ጋንታ ወልዋሎ ኣይተ ቴድሮስ፡ ኣብዚ እዋን እታ ጋንታ ካብ እትርከበሉ ከባቢ ተጻወትቲ ብብዝሒ ክምልምሉ ከምዝኸኣሉ ይዛረብ።
“ሕጂ ዘለና ዓቕሚ ብናይ ከባቢ ቆልዑ ዝተወደበ እዩ። ዳርጋ 100 ሚኢታዊት ካብ ዓዲግራትን ከባቢኣን እዮም። ስለዚ ዓቕሚ’ኳ እንተሃለዎም እቲ ተሞክሮ ግን የለን። ምስቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ፕሪምየርሊግ ዝጻወቱ ዘለዉ ናይ ካልኦት ጋንታታት ተጻወትቲ ንኽፎኻከሩ ናይ ስልታዊውን ቴክኒካውን ልምዲ ከድልዮም እዩ” ይብል እቲ ኣካቢ ቦርድ።
ኣብዚ እዋን ንማሕበሮም ቀንዲ ማሕለኻ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ፋይናንስ ከምዝኾነ ዝዛረብ ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ስፖርት መቐለ 70 እንደርታ ኣይተ ሽፈራው “ስነልቦናውን ሞራላውን ድልውነት ተጻወትትና ግን ምሉእ እዩ ዘሎ” ኢሉ።
ኣብ ትሕቲ ማሕበሮም ኣብ ዘለዋ ጋንታታት ኩዕሶ ኢድን ብሽክሌታን ዝተሓቘፉ ስፖርተኛታት ዘርእይዎ ዘለዉ ብቕዓትን ውጽኢትን ኣብ ኩዕሶ እውን ተስፋ ከምዝህሉ ዘአንፍት ምዃኑ ጠቒሱ።
“ናብ ውድድር ፕሪምየርሊግ ክንምለስ ከለና ብቑዓት ዝኾኑ ተጻወትቲ ናይ ምውጻእ ሓላፍነት ኣብ ኣሰልጣኒ እዩ ዝምስረት። ጋንታና ኣብዚ እዋን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ክልላዊ ግጥም ‘ኣንበሳ ካፕ’ ትመርሕ እያ ዘላ። ወልዋሎ ካልኣይ ኣላ፤ ስሑል ሽረ ድማ ሳልሰይቲ። እዚ ግጥም ብቕዓት ተጻወትቲ ዝተረኣየሉ እዩ። መንፈስ ስፖርት ዝተበራበረሉን ብቑዓት ተጻወትቲ ምፍጣር ከምዝከኣል ዘረጋገጸልናን ኮይኑ’ሎ” ይብል ኣይተ ሽፈራው።
ከምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ እውን እንተኾይኑ ዝኾነ ተጻዋቲ ናብ ሓንቲ ጋንታ ፈሪሙ ክመፅእ ከሎ ውዕሉ ንኽልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት ከምዝኸውን ዘዘኻኸረ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ሕጂ’ውን እንተኾነ ጋንታታት ትግራይ ነቲ ዝምለሳሉ ዘለዋ ሊግ ዝምጥኑ ተጻወትቲ ዝምልምላሉ ዕድል ከምዝህልወን ሓቢሩ።
“ጋንታታትና ኣብቲ ውድድር ተራእየን ጥራይ ዝፋነዋን ናብ ታሕተዋይ ሊግ ዝወርዳን ከይኾና ክንጽዕር ኢና። ብሩህ ተስፋ ዘለዎም፤ ክዓብዩ ዝኽእሉ ቆልዑ ኣለዉና። ደጋፊ ግን ከድልዮም እዩ” ብምባል እተን ጋንታታት ሸኽሚ ህዝቢ ብምዃነን ንውፅኢታውነተን ደገፍ ኩሉ ትግራዋይ ከምዘድልየን ገሊጹ።
ጋንታ ወልዋሎ ናብቲ ዝነበረትሉ ሊግ ንኽትምለስ ህዝቢ’ውን ሕቶ ከቕርብ ምጽንሑ ዝዛረብ ኣካቢ ቦርድ እታ ጋንታ ኣይተ ቴድሮስ ብወገኑ፡ “ናብ ፕሪምየርሊግ ቅድሚ ምምላስና ግን ክልተ መሰረታውያን ነገራት ክማልኡ ኣለዎም” ይብል፤ ሓይሊ ሰብን ፋይናንሳውን ዓቕምታት።
“ ነዚ ድማ ደገፍ ክግበረልና ኣለዎ። ናብ ፌደሬሽን ዘቕረብናዮ ሕቶ’ውን ኣሎ” ክብል ንቢቢሲ ኣብሪሁ።
ጋንትኦም ናብቲ ሊግ ክትምለስ ከላ “ዋላ ብዝነኣሰ ዓቕሚ ዝሓሸ ውፅኢት ንምምጻእ ኣብ ተጻወትትናን ደገፍትናን ምትእምማን ኣለና። ኣብ 2016 ዓ.ም ብናይ ውሽጢ ዓቕምታትና ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና። ሰፋሕቲ ህዝባዊ መድረኻት እናካየድና ክሳብ እቲ ውድድር ዝጅመር ዓቕሚ ምጥራይ ስለዝከኣል ብዝሓሸ ዓቕሚ ክንምለስ ኢና” ይብል ኣካቢ ቦርድ ጋንታ ወልዋሎ ኣይተ ቴድሮስ።
ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ናብቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ተፈልያቶ ዝጸንሐት ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ክትምለስ ከላ ብልዑል ወነን ባህግን ዘለውዋ ተጻወትቲ ተዓጂባ ከምዝኾነ ዝሓበረ ኣካያዲ ስራሕ ኣይተ ሽፈራው፡ “ኣብቲ ሊግ ዓበይቲ ተጻወትቲ ንለዘውወን ጋንታታት ኩለን ክንስዕር ኢና እኳ እንተዘይበልኩ ንደገፍትና ዘየሕፍር ውጽኢት ብምሓዝ ካብቲ ሊግ ከይወረድና ከምእንጸንሕ ግን ክዛረብ እደልይ። ብማእኸላይ እትግምገም ጋንታ ክንሰርሕ ኢና” ኢሉ።