እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩኤል ሃብተኣብ 'ኣብ መድረኽ ዝተወሃብኩዋ ብጫ ማልያ ኣብ መዳቕሶይ መጺኦም ወሲዶማ'
ኣብቲ ንመበል 19 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ናይ 2.2 መዐቀኒ ዘለዎ ዙር በኒን ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ ኮይኑ ውድድሩ ዘካይድ ዘሎ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዩኤል ሃብተኣብ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ንኹለን እተን ዝተዳለዋ ማልያታት ክውንነን ክኢሉ ኣሎ።
ዩኤል ሃብተኣብ ሎሚ ንብጫ ማልያ፡ ንዝበለጸ መንእሰይ፡ ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይን ዝበለጸ ቮላቺስታን ንዝውሃበ ኣርባዕተ ማልያታት’ዩ ክውንና ክኢሉ ዘሎ።
ዩኤል ሃብተኣብ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ካብ ከተማ ባኩምበ ናብ ኡጓድጉ 125.8 ኪሎሜተር ዝተዘርገሐት ቀዳማይቲ መድረኽ ብቅጽበታዊ ውድድር ቀዳማይ’ዩ ወጺኡ።
እንተኾነ ድሒሮም ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ነቲ ሻዱሻይ ዝወጽአ ኣልጀርያዊ ዓዘዲን ላጋብ’ዮም ናይ ቀዳማይ ደረጃ ሂበሞ።
ዩኤል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ነቲ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ “ካብ ደቂ ጋንታይ ሳልሳይ ርእሰይ ብሓፈሻ ዓሰርተ ሓደ ሰባት ንኸውን ተፈሊና ኣብ ቅድሚት ኣብ ዝነበርናሉ፡ ጸወታ ክዛዘም ክልተ ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ክልተ ጽርጋያ ነይረን ነቲ ዝመርሓና ዝነበረ ብዓል ሞተር ሳይክል ተኸቲልና ኸኣ ብየማን ጽርግያ ሒዝና ኣብ ንኸደሉ ዝነበርና ዓዘዲን ላጋብ ሓምሳ ሜትሮ ዝኸውን ብጸጋማይ ጽርግያ ከይዱ ተሓዊስና ናብ ቅጽበታዊ ውድድር ከኣ ኣቲና።
"ኣነ ኸኣ ቀዳማይ ወጺአ እንተኾነ በዚ ኣይትኺዱ ዝብል ምልክት ነይሩ’ዩ ዓዛዲን ላጋብ ጥራይ ድማ’ዩ በታ ቅንዕቲ መንገዲ መጺኡ ተባሂሉ ዓዘዲን ናብ ቀዳማይ ኣምጺኦም ንኹልና ሓደ ደረጃ ኣውሪዶሙና፡ ብሓንቲ ካልኢት በሊጹኒ ከኣ ዓዘዲን ላጋብ ብጫ ማልያ ሒዙዋ” ይብል።
ዩኤል ኣብታ ትማሊ ዝነበረት 156.4 ኩሎሜተር ንውሓት ዝነበራ ካልኣይቲ መድረኽ’ውን ሓሙሻይ ኮይኑ’ዩ ዛዚምዋ። እቲ ብጫ ማልያ ሒዙ ዝነበረ ዓዘዲን ላጋብ ከኣ ብተመሳሳሊ ግዜ መበል 24 ኮይኑ ኣትዩ።
ዩኤል ብኣዳለውቲ እቲ መድረኽ ብናይ ቦናስ ግዜ ብጫ ማልያ ከምዝሓዛ ተሓቢርዎ ከኣ ኣብ መድረኽ ደይቡ፡ ብጫ ማልያ፡ ንዝበለጸ መንእሰይ ትውሃብ ማልያ፡ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተባሂሉ ሰለስተ ማልያታት ክውንን ከኣለ።
ናብ ሆቴሎም ኣብ ዘምርሕሉ ግን ኣብ ድራር እንከለዉ እቶም ኣዳለውቲ መደብ ብጫ ማልያ ንዓዘዲን’ያ ትግባእ ኢሎም ከምዝሓበርዎ ዩኤል ይዛረብ።
“ብሓፈሻ እቶም ኣዳለውቲ ነቲ ማልያታት ጽቡቕ ገይሮም ከወሃህድዎ ኣይክኣሉን፡ ኣነ እትው ምስ በልኩ ብቦናስ ግዜ ብጫ ማልያ ሒዝካያ ኣለኻ ኢሎሙኒ፡ ኣብ መድረኽ ከኣ ተቐቢለያ እቲ ዝተረፈ ማልያታት’ውን ዓቂበዮ።
"ኣብ ገዛ ምስ መጻእና ዋላ ናይ ካልኢት ቦናስ ይሃልኻ ሎሚ ልዕሊ ሓደ ካልኢት ስለዘይበለጽካዮ ብጫ ማልያ ናብ ዓዘዲን ላጋብ’ያ ትግባእ ኢሎም ብጫ ማልያ መሊሶማ” ይብል።
ሎሚ ኣብ ዝነበረ ሳልሳይ መድረኽ ግን “ነቶም ኣዳለውቲ ብዘየጠራጥር ብጫ ማልያ ክንውንና ኣለና ኢልና ኢና ኣቲና” ዝብል ዩኤል፡ ኣብ መበል 50 ኪሎሜተር ናይ ግዜ መቑሽሽ ተውህብ ናይ ሞንጎ ቅጽበታዊ ውድድር ስለዝነበረት ምስ ጋንትኡ ብምዃን ኣብኣ ግዜ ብምኽሳብ መሪሕነት ክርከብ ሓሊኖም ከምዝኣተዉ ይገልጽ።
“ክሳብ እታ 50 ኪሎሜተር ጋንታይ ነቲ ጸወታ ብምቁጽጻር ንዝነበረ ናይ ምህዳም ፈተነ እናኣምከኑ ክሳብ እታ ሕንጻጽ በጺሕና፡ ኣብኣ ቀዳማይ ስለዝኣተኹ ከኣ ብጫ ማልያ ናይ ኣርባዕተ ካልኢት ፍልልይ ኣንጺፈ ከምዝሓዝክዋ ከረጋግጽ ክኢለ፤ ብድሕሪኡ ዝነበረ ነታ ማልያ ምዕቃብ ጥራይ’ዩ ነይሩ” እብል።
ኣብ መወዳእታ ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ’ኳ እንተሃደሙ፡ ኩሎም ኣብ ናይ ብጫ ማልያ ዝወዳደሩ ተጻወትቲ ስለዘይነበሩ ዩኤልን ጋንትኡን ብዘይስክፍታ ብጫ ማልያ ክዕቅቡዋ ክኢሎም።
ዙር በኒን ጽባሕ ካብ ኡኒሂ ክሳብ ፖርት ኖቪ ዝዝርጋሕ 97.2 ኪሎሜተር ድሕሪ ምክያድ ቀዳም ሓሙሻይን ናይ መወዳእታን ካብ ኣግባንዞም ናብ ኮቶኖ 154.3 ኪሎሜተር ብምክያድ’ዩ ክዛዘም።
ዩኤል ሃብተኣብ ኣብዘን ክልተ ተረፈን ዘለዋ ክልተ መድረኻት ምስ ጋንትኡ ብምዃን ንብጫ ማልያ ንምዕቃ`ብ ክሰርሕ ምዃኑ’ዩ ዝሕብር “ንብጫ ማልያ ንምዕቃብ ኣብ እንሰርሓሉ እተን ንዝበልጸ መንእሰይ፡ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይን ዝብለጸ ቮላቺስታ ዝውሃባ’ውን ክዕቀባ ይኽእላ’የ፡ ግን እቲ ግዜ ኣርባዕተ ካልኢት ጥራይ ስለዝኾነ ጥንቃቐ ዘለዎ ጸወታ ኢና ክንጻወት” ኢሉ።
ኣብዚ ሓሙሽተ መድረኻት ዘለዎ ዙር በኒን ሃገራውያን ጋንታታት ሞሮኮ፡ ኣይቮሪኮስት፡ በኒን፡ ኣልጀርያ፡ ሞሪሽየስ፡ ማሊ፡ ቶጎን ቡርኪናፋሶን ከምኡ ከኣ ክለባት ኤስኤች ቬሎ፡ ቲም ቦርን ሀውረስ፡ ባይክ አይድ፡ ጋንታ ላ ቤኖስን ነፍሲ ወከፈን ሸሹድሸ ተቐዳዳምቲ ሒዘን ይወዳደራ ኣለዋ።