እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ስሙያት ተወዳደርቲ ብሽክለታ እናፍረየት ስለምንታይ ስሙይ ውድድር ከተካይድ ዘይትኽእል?
ካብ 18 ክሳብ 25 ለካቲት ንመበል 16 ግዚኡ ኣብ ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብተን ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፋ 19 ጋንታታት ጸብለል ብምባል ብጋንታ ቀዳማይቲ ኰይና’ያ ዛዚማቶ።
ኣብቲ እንግሊዛዊ ጆሴፍ ብላክሙር ቢጫ ማልያ ዝተዓወተሉ ውድድር፡ ተቐዳዳማይ ባይክ አይድ ዳዊት የማነ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ከኣ ዝበለጸ መንእሰይ እቲ ውድድርን ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰይን ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።
2.1 መዐቐኒ ዘለዎን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ብውዳበኡ ኣብ ቀዳማይ፣ ብደረጃኡ ከኣ ምስ ዙር ጋቦን [ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ] ማዕረ ዝስራዕ ዙር ርዋንዳ ብዙሓት ጋንታታት ክሳተፍኦ ዝብህጋ ውድድር’ዩ።
ዙር ርዋንዳ ካብ 2.2 ናብ 2.1 ኣብ 2019 ክብ ምስ በለ ኣብ ዝተኻየደ ሽዱሽተ ውድድራት [ናይ ሎሚ ዓመት ወሲኽካ] ነቲ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ’ዮም ተዓወትቲ ቢጫ ማልያ ብምዃን ተዓዊቶምሉ።
ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ 2020 ከምኡ ከኣ 2022 ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2023 ከኣ ሄኖክ ምሉብርሃን።
ኣብ 2021 ነቲ ውድድር ዝተዓወተሉ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪገዝ፡ እቲ ቀዳማይ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ኣውሮጳዊ ተቐዳዳማይ ኰይኑ ተሰኒዱ ኣሎ፤ ሎሚ ዓመት ከኣ እንግሊዛዊ ጆሴፍ ብላክሞር ተወሲኽዎ።
ዙር ርዋንዳ ኣብ ደረጃ 2.2 ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 2010፡ ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ተዓዊቱሉ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ርዋንዳ፡ ነቲ ዙር ንምክያድ ብዘርኣየቶ ጽፉፍ ምሕደራን ውዳበን ‘ዩሲኣይ’ ንቻምፕዮና ዓለም 2025 ከተአንግዶ ሓርይዋ ኣሎ፡ በዚ ከኣ ነዚ ውድድር ዘአንግደት ቀዳመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን’ያ።
እታ ዙር ርዋንዳ ናብ 2.1 ካብ ዝዓቢ ነቲ 66 ሚኢታዊት ብጫ ማልያ [4 ካብ ሽዱሽተ] ዝተዓወተትሉን ንዓሰርተታት ዓመታት ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ብዓብላልነት ትምርሐን ዘላ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ውድድር ዘይምእንጋዳ ደኣ እንታይ’ዩ እቲ ምስጢር?
ኤርትራ ብመንገዲ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ቀዳሞት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝኸኣለት ሃገር'ያ።
ቢንያም ግርማይ ኣብ ቤልጂየም ውድድር ጌንት ወቨልገን ቀዳማይ ምውጽኡ ከምኡ ከኣ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ናይ መድረኽ ዓወት ከምዝግብ ምኽኣሉ'ውን ሓደ ካብቲ ስም ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ክልዓል ዝደረኸ ነጥቢታት'ዩ።
ኤርትራ ግን ንምንታይ'ያ ዓበይቲ ውድድራት ብሽክለታ ክትሰርዕ ዘይክኣለት?
እቶም ብዛዕባ እቲ ጸወታ ብቐጥታ ዝትንትኑ ጋዜጠኛታት ምስ ውድድር ብሽክለታ ዝተኣሳሰር ብዙሕ ኣርእስታት’ዮም ዘልዕሉ።
እቶም ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቱር ዲፍራንስ ዝተወዳደረ እንኮ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ቢንያም ግርማይ ኣመልኪቶም ኣብ ዘዕልልሉ ዝነበሩ፡ ንቢንያምን ካልኦት ኤርትራውያን ተወዳደርቲ እናልዓሉ’ውን ክዛረቡ ይስመዑ ነይሮም።
ሓደ ካብ ዘልዓልዎ ዛዕባ ከኣ “ከም በዓል ዳንኤል፡ ቢንያም ዝኣመሰሉ ስሙያት ተቐዳደምቲ ዘፍረየት ኤርትራ፡ ዝጥቀስ ውድድር ኣይተካይድን’ያ” ይብል እቲ ሓደ ጋዜጠኛ፤ እቲ ሓደ ትቕብል ኣቢሉ፡ “ውድድር እንተዘይህሉ ፕሮፈሽናላት ተቀዳደምቲ ከተፍሪ ኣይምኽኣለትን፣ ግን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝተደረተ ውድድር ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል” ዝብል ርእይቶ ይውስኽ።
ኣብ ኣፍሪቃ ብደረጃ 2.1 ዝስርዑ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ክልተ ጥራይ’ዮም ዘለዉ፤ ዙር ርዋንዳን፡ ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዙር ጋቦንን።
ዩሲኣይ ንውደድር ደረጃታት ዝስይመሉን ዝድርጀሉን ናቱ ኣገባባት ኣለዎ።
ንኣብነት 1 pro፡ 2.1፡ 2.2 እናበለ እዩ ዝሰርዖ።
መጸውዒዑ 1 ኢሉ ዝጅምር ውድድር ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ዘመልክት ክኸውን እንከሎ፣ 2 ኢሉ ዝጅምር እንተዀይኑ ከኣ ንልዕሊ ኣርባዕተ መድረኻት ዝካየድ ውድድር’ዩ ዘመልክት።
ንደረጃ ውድድር ንምግላጽ ከኣ ዎርልድ ቱር፡ ፕሮ፡ 2.1 ከምኡ ከኣ 2.2 እናበለ ካብ ዝልዓለ ናብ ዝተሓተ ይስራዕ።
ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ካብ 2.2 ናብ 2.1 ካብ ዝመሓየሽ ኣብ ዘካየዶ ሽዱሽተ [ናይ ሎሚ ዓመት ሓዊስካ] ውድድራት ነቲ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ’ዮም ተዓዊቶምሉ።
ኣብ ዙር ጋቦን’ውን እንተዀነ ኤርትራውያን ቀሊል ዘይኮነ ታሪኽ’ዮም ሰኒዶም ዝርከቡ።
ናትናኤል ብርሃን ኣብ 2014 ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ቢጫ ማልያ እቲ ውድድር ክኸውን እንከሎ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ከኣ ኣብ 2020 ብሓንቲ ካልኢት ጥራይ ተበሊጹ ካልኣይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ። ብነጥቢ ቢንያም ግርማይ፡ ኣንበሳ ዓቐበት ዳዊት የማነ፡ ንዝበለጸ መንእሰይ ኣብ እትወሃብ ማልያ ከኣ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ምሉብርሃንን ዳዊት የማነን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኰይኖም ዛዚሞም።
እዝን ካልእን ተደራሪቡ ኤርትራ ንዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ንኣፍሪቃ ብዓብላልነት’ያ ትቕልሶ ዘላ።
ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት እታ ሃገር ንዝነበረ ግዜ ጥራይ’ካ እንተፈቲሽና ኣብ 90ታት ኣዝዩ ውዕዉዕ ዝዀነ ውድድራት’ዩ ዝካየድ ነይሩ።
እቲ ውድድር ካብ ዞባ ማእከል ሰጊሩ ኣብ ኵለን ዞባታት ከምዝካየድን፡ ኵለን ዞባታት ውሽጣዊ ውድድራት ከምዘካይዳን እናተገበረ፡ ብዙሓት ተቐዳደምቲ ካብ ዞባ ማእከል ወጻኢ ከምዝፈርዩ ይኸውን ነይሩ’ዩ።
ናብ ታሪኽ ምልስ እንተኢልና ግን ናይ መጀመርታ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ [ዙር ኤርትራ] ኣብ 1940ታት ከምዝጀመረ’ዩ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዓሚቝ መጽናዕቲ ብምክያድ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ካብ 1936-2011 ዝብል መጽሓፍ ዝደረሰ፡ ኣብ 2013 ሓላፊ ቴክኒክ ሃገራዊ ፈደረሽን ብሽክለታ ኤርትራ፡ ከምኡ ከኣ ካብ 2004 ክሳብ 2014 ኣካያዲ ቅድድም ብሽክለታ 'ማውንቴይን ባይክ' ዝነበረ መዋእል መሃንሾ ዝሕብር።
“እቲ ቀዳማይ ውድድር ዙር ኤርትራ ብ1940 ካብ ሰንዓፈ ተበጊሱ ዓዲግራት ብምብጻሕ እንደገና በቲ መስመር ተመሊሱ ኣስመራ ዝተዛዘመ ውድድር እዩ ነይሩ። ኣሌክሳንድሮ ሉኬቲ ዝተባህለ ኢጣልያዊ ነባሪ ኣስመራ ከኣ ተዓዊትሉ” ይብል።
መዋእል፡ “ምስ ምምጻእ ምምሕዳር ብሪጣንያ እቲ ውድድር ተቛሪጹ ነይሩ፣ እንደገና ብ1946 ንኻልኣይ ግዚኡ ተኻይዱ። ባሪላ ኑንዝዮ ዝበሃል ተቐዳዳማይ ጋንታ ካቩር ከኣ ተዓዊቱ። እቲ ውድድር ካብ ምጽዋዕ ተበጊሱ ብነፋሲት ኣቢሉ ደቀምሓረ ዝተዛዘመ ቀዳማይ መድረኽ ዝነበሮ ክኸውን እንከሎ፡ ካልኣይ መድረኽ (ደቀምሓረ - ብኮርባርያ ኣቢልካ መንደፈራ) ሳልሳይ መድረኽ (መንደፈራ - ከረን) ራብዓይ መድረኽ (ከረን - ኣስመራ) ሓሙሻይ መድረኽ (ቺርኪቶ ኣብ ከተማ ኣስመራ) ዘጠቓለለ ውድድር ምንባሩ ኸኣ ብታሪኽ ዝተሰነደ ሓቂ እዩ” ይብል።
ድሕሪ ናጽነት ናይ መጀመርታ ዙር ኤርትራ ኣብ 2001’ዩ ጀሚሩ ሃብተ ወልደስምኦን ከኣ በዅሪ ተዓዋቲ ዙር ኤርትራ ክኸውን ክኢሉ፣ ሃብተ ወልደስምኦን ኣብ 2003 ከምኡ ከኣ 2004 ደጊሙ ነቲ ውድድር ስለዝተዓወተሉ፡ እቲ እንኮ ንዙር ኤርትራ ሰለስተ ግዜ ዝተዓወተሉ ተቐዳደማይ’ዩ።
ዙር ኤርትራ ብዘይካ ኣብ 2014 - 2017 ውድድር ብስሩዕ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ 2017 ንደሓር ግን ተኻይዱ ኣይፈልጥን’ዩ።
ክሳብ እቲ 2017 ከኣ ከም ሃገራውያን ጋንታታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሞሮኮ፡ ኣልጀርያ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ዝርከባአን ይሳተፍኦ ነይረን’የን። እንተዀነ እቲ ውድድር ከምቲ ዝጀመሮ ክቕጽል ኣይክኣለን፤ ኣይክኣልን ጥራይ ዘይኮነ ፈጺሙ’ውን ዙር ኤርትራ ዝበሃል ውድድር ተቛሪጹ።
መዋእል መሃንሾ ነቲ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ፡ “ሓንቲ ሃገር ውድድር ዙር ሰሪዓ ተሳተፍቲ ሃገራት ክትዕድም እንተዀይና፡ መጀመርያ ድሕነት ተቐዳዳደምቲ ከተረጋግጽ ክትክእል ኣለዋ። ስለዚ ንሕና ከም ሃገር ዘሎና ትሕተ ቅርጺ ኣህጉራዊ ውድድር ዙር ከአንግድ ዝኽእል ኣይኰነን ተባሂሉ'ዩ ንግዚኡ ደው ከም ዝብል ተገይሩ” ይብል።
ወሲኹ፡ “እቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ቸርኪቶ ኣስመራ፡ ዋንጫ ፈንቅል ወዘተ እናተባህለ ዝግበር ዝነበረ ውድድር ግን ክቕጽል ነይርዎ። ከም ሞሮኮ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ ንኣብነት፡ ኣብ ርእሲ'ቲ እተካይዶ ውድድር ዙር እታ ሃገር ተወሳኺ ሰለስተ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድራት ብምስራዕ ሃገራትን ኣህጉራውያን ክለባትን ብምዕዳም ውድድር ምክያድ ቀጺላ ትርከብ።
“. . . ንሕና'ውን ከምቲ ጋቦንን ርዋንዳን ዘካይዳኦ ገዚፍ ውድድር ንኸይንሰርዕ ትሕተ ቅርጽና ዝድርተና ካብ ኮነ ናይ ሓደ መዓልቲ ክላሲካል ውድድራት ብምድላው፡ ተሳተፍቲ ሃገራት እናዓደምና፡ ኣብ ብሽክለታ ንዘሎና ደረጃ ክብ ንምባል ክንሰርሕ ይግባእ” ይብል።
እቲ ኣብ 2001 ፈሊሙ ክሳዕ 2008 ዝካየድ ዝነበረ ኣዝዩ ሓያል ውድድር ዙር ኤርትራ፡ ኣብ ዕብየት ብሽክለታ ኤርትራ ኣቃሊልካ ዘይረአ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ ዝገልጽ መዋእል፡ እቲ ውድድር ብዘይካ ንዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ንዅለን ዞባታት ኤርትራ ይሓልፈን ስለዝነበረ፡ ህዝብን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ከይተረፈ ኣብ ስፖርታዊ ህልኽ ኣትዮም ውድድር ብሽክለታ ዞባታቶም ዓቢይ ወፍሪታት ገይሮምሉ ከምዝነበሩ ይዝክር።
እዚ ይዅን ግን፡ ኣብ 2009 ውድድር ዙር ኤርትራ ብዩሲኣይ ተማእኪሉ ክካየድ ድሕሪ ምጅማሩ ንሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ክወዳደራ ወይ ክብድሃ ዝኽእላ ዓበይቲ ሃገራውያን ጋንታታት ይዅና ክለባት ክመጻ ብዘይ ምኽኣለን እቲ ውድድር ሓይሊን መቐረቱን ኣጥፊኡ ሰለይ ክብል ከምዝጀመረ መዋእል የረድእ።
ከምዚ እናበለ እቲ ቀንዲ መቋረጺኡ ምኽንያት ብቐዳምነት ብቝዕ ትሕተ ቅርጺ ዘይምህላው'ኳ እንተዀነ፡ ንዕዉታት ተቐዳደምቲ ክወሃብ ብሃገራዊ ፈደሬሽን ብሽክለታ ኤርትራ ዝዳሎ ገንዘባዊ ሽልማት እውን ኣዝዩ ትሑት ብምዃኑ፡ ተሳተፍቲ ሃገራት ኣብ ውድድር ዙር ኤርትራ ካብ ምስታፍ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክስሕባ ተራእየን እየን።
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዅለን ዞባታት ዘሳትፍ ስሩዕ ውድድራት ዘይምህላዉ፡ ሓደስቲ ተጻወትቲ ክንድቲ ዝድለ ንኸይፈርዩ ዓንቃጺ ምዃኑ እውን ይግለጽ እዩ።
“ብወገነይ ሓደስቲ ተቐዳደምቲ ኣይረኣኹን። ኵሎም ቅድሚ 10 ዓመት ኣቢሎም ውድድሮም ዝጀመሩ እዮም። ሽዑ ዝተዘርአ እኽሊ'ዩ ሕጂ ፍሪኡ ዝሕፈስ ዘሎ። ብተወሳኺ፡ ቅድሚ 10 ዓመታት ዝፈርዩ ዝነበሩ ተቐዳደምቲ ካብ ዞባ ማእከል ጥራሕ ኣይነበሩን” ይብል መዋእል።
ካብ ዞባታት ደቡብን ዓንሰባን ዝፈረዩ ተቐዳደምቲ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ምስታፍ ሓሊፉዎምስ፡ ኣብ ሓደ ክልተ ናይ ግዳም ክለባት ክጽንበሩ በቒዖም ነይሮም’ዮም ዝብል መዋእል መሃንሾ፡ ብዓይነትን ብዝሕን ተቐዳደምቲ ንምፍራይ፡ ሃገራዊ ፈደሬሽን ብሽክለታ ኤርትራ ደቂሰን ንዘለዋ ዞባውያን ፈደሬሽናት ከበራብረን ከምዝጋባእ የዘካኽር።
እቲ ሓላፊ ቴክኒክ ሃገራዊ ፈደረሽን ብሽክለታ ኤርትራ ኣካያዲ ውድድራት 'ማውንቴይን ባይክ' ዝነበረ መዋእል መሃንሾ ብዙሓት ካብዞም ሕጂ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ስም ኤርትራ ዘጸወዑ ዘለዉ ፕሮፈሽናለት ተቐዳደምቲ ብውድድር ማውንቴይን ከምዝሓለፉ’ዩ ዝገልጽ።
ብዙሓት’ውን ኣብ ዘተፈላለየ ቃለ መሕተት ንመዋእል መሃንሾ [ብናቶም ኣጸዋውዓ መዌ] ከመስግንዎ ይስምዑ’ዮም።
ሕጂ ውድድር ማውንተይን ባይክ ከምቲ ዝድለ ዘይምህላዉ’ውን ንኣሽቱ ተቐዳደምቲ ኣብ ምፍራይ ሓደ ዓንቃጺ ረቛሒ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
“ውድድር ማውንተይን ባይክ ዋላኳ ከምቲ ናይ 2004-2014 ኣይዅን ክብን ለጠቕን እናበለ ይቕጽል ምህላዉ'ዩ ሓበሬታ ዘሎኒ። ብሕጂ'ውን እዚ ናይ በዓል ቢንያም ደረጃ ዝስሕቦም ብዙሓት ሓደስቲ ተወዳደርቲ ክመጽኡ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ዞባታት ዝግበር ዝነበረ ውድድራት ማውንተይን ባይክ ግን ዳርጋ ደው ኢሉ'ዩ ዘሎ።"
ሃገራዊ ፈደሬሽን ብሽክለታ ኤርትራ፡ ተወዳደርቲ ማውንተይን ባይክ ዝቘመት ምርጽቲ ጋንታ ብምቛም ናብ ከም ኬንያ ዝኣመሰላ፡ ውድድር ማውንተይን ባይክ ብብዝሒ ዝሰርዓ ሃገራት ብምልኣኽ ከወዳድሮም እንተዝጅምር እውን ብዝሒ ዘሎዎም ሓደስቲ ህጻናት ከተባብዕ ክምዝኽእል ይገልጽ።
ኣብ 2015 ንመጀመርታ ግዜ ክልተ ተቐዳደምቲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ከተሳትፍ ዝኸኣለት ኤርትራ ሎሚ ዓመት ግን ቢንያም ግርማይ ጥራይ’ዩ ተሳቲፉ።
ብዓይኒ ኣብ ዎርልድ ቱር ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ እንተርኢና’ውን ኣርባዕተ ጥራይ እዮም ዘለዉ።
ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ምስ ትረክ፡ ቢንያም ግርማይ ምስ ኢንተርማርች ሄኖክ ምሉብርሃን ከኣ ምስ ኣስታና ካዛኪስታን።
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሓያልን ስሩዕን ውድድራት ዘይምህላዉን፡ ኣብ ኵለን ዞባታታት ካብ ውድደር ማውንተይን ባይክ ዝጅምር ውድድር ዘይምህላዉ’ዩ ንቍጽሪ ፕሮፈሽናላት ተወዳደርቲ ከምቲ ዝድለ ክብ ንኸይብል ዓንቃጺ ኰይኑ ሒዝዎ ከምዘሎ'ውን ይፍለጥ።
ንህሉው ብቕዓት ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ክገልጽ እንከሎ ከኣ መዋእል፡ “ብዘገምታ እናተጓዕዘ ኣብ ደሓን ደረጃ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ዙር ፈረንሳ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ናይቲ ቀዳማይ ሱታፌና፡ ብዝሒ ተሳተፍቲ ተቐዳደምትና ናብ ሽዱሽተን ልዕሊኡን በሪኹ ክቐርብ ዝነበሮ ዛጊት ኣብ ብሓደ ተቐዳዳማይ እዩ ተሓጺሩ ንርእዮ ዘለና። በዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ሽሕ'ኳ ማዕረ ናይ መድረኽ ውድድር ዓወት ዘመዝግብ ተቐዳዳማይ እንተፍረና፡ ዝተርፈና ግን ኣዝዩ ብዙሕ'ዩ” ይብል።