ኣመሪካዊት ተዋሳኢትን ሞዴልን ራኪየል ዌልች ኣብ መበል 82 ዓመታ ዓሪፋ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሆሊዉድ ንዘመናዊ ዋዕሮታት ኣክሽን ፊልም መንገዲ ከፊታ ተባሂላ እትሙገስ ኣሜሪካዊት ተዋሳኢት ራኪየል ዌልች ኣብ መበል 82 ዓመታ ዓሪፋ።
ናይ ዌልች ኣካያዲ ስራሕ ዝኾነ ስቲቭ ሳወር፡ እታ ኮኾብ ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምሕማማ፡ ረቡዕ ንግሆ ከም ዝዓረፈት ገሊጹ።
ካብ 1960ታት ጀሚ ዓለሩ ዓምለኻዊ ህቡብነት ዝረኸበት ዌልችካብ ሓዳራ ዝተፋትሐትን ኣደ ክልተ ቆልዑን ነይራ።
ብተወሳኺ ኣብታ ኣብ 1974 ዝተሰርሐት 'ዘ ስሪ ማስኬቲርስ' እትብል ፊልም ብዘርአየቶ ክእለት ጎልደን ግሎብ ተሸሊማ’ያ።
ኣብ 1940 ዝተወልደት ዌልች፡ ኣብ ካሊፎርንያ ዓብያ፡ ኣብኡ ድማ ኣብ ውድድር ጽባቐ መንእሰያት ተዓዊታ፡ ድሒራ ድማ ኣብቲ ከባቢ ኣቕራቢት ትንበያ ኩነታት ኣየር ኮይና።
ኣብ ዳላስ ኣብ ዝነበራ ሓጺር ጻንሒት፡ ከም ኣገልጋሊት ኮክቴል ኮይና ሰሪሓ እያ።
ኣብ 1964 ብሞያኣ ንኽትብርኽ መገዲ ዝኸፈተ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ።
ኣብቲ እዋን ናብ ካሊፎርንያ ተመሊሳ ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ ‘ኤ ሃውስ ኢዝ ኖት ኤ ሆም’ ከምኡ'ውን ኣብታ ኤልቪስ ፕሪስሊ ዝተዋስአላ ሙዚቃዊት ፊልም ‘ሩስታ ባውት’ ተሳቲፋ።
ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ኣብታ ሳይንሳዊት ፊልም ‘ፋንታስቲክ ቮየጅ’ን ኣብ ‘ዋን ሚልዮን ይርስ ቢ.ሲ.’ ተዋሲኣ ተፈላጥነት ክትረክብ ክኢላ።
እታ ናይ ነይማን ማርከስ ሞዴል ዝነበረት ዌልች፡ ኣብ ልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ ልዕሊ 30 ፊልምታትን 50 መደባት ተለቪዥንን ተዋሲኣ እያ።
ኣብ 1987 'ራይት ቱ ዳይ' ብዘርእስታ ናይ ቲቪ ድራማ ንጎልደን ግሎብ ሽልማት ተሓጽያ እያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሒራ ኣብ ህይወታ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ንግዲ ሰብ-ሰርሖ ጸጉሪ፡ ስብስብ ስልማትን ክንክን ቆርበትን ጀሚራ፤ ብተወሳኺ ማክ ኮስመቲክስ ዝበሃል መመላኽዒ ከፊታ።
ተዋሳኢት ሪዝ ዊዘርስፑን ካብቶም ሓዘኖም ዝገለጹ እያ። ንሳ፡ ምስ ዌልች ኣብ ሌጋሊ ብሎንድ ምስራሓ ከም ዘሐጎሳ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።
"ካብ ዝእመን ንላዕሊ ውቅብቲ፡ ሞያዊትን ምልክዕትን ነይራ" ኢላ ዊዘርስፑን። "ብቐሊሉ ተደንጹ" ክትብል ድማ ወሲኻ ትገልጻ።
ተዋሳኢትን ኣዳላዊትን ቫዮላ ዳቪስ ድማ፡ ኣብ 1975 ምስ ሼር ‘ኣ’ም ኤ ወማን’ ኢላ ዝደረፈቶ ቪድዮ ብምዝርጋሕ "ንዓይ ዕድመ ዘይትግደቢ ኢኺ ነይርኪ...ዋዕሮ" ክትብል ጽሒፋ።
ዌልች፡ ኣብ 1978 ምስታ ፍልጥቲ ኣሻንጉሊት ሚስ ፒጊ’ውን ‘ኣ’ም ኤ ወማን’ ትብል ተመሳሳሊ ደርፊ ደሪፋ ነይራ።
“መስተንክራዊት መሓዛና ራኪየል ዌልች ፈጺምና ኣይንርስዓን ኢና፤ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ‘ዘ ማፔት ሾው’ ዝቐረቡ ንፈትዎም ኣጋይሽና’ያ" ክብል ዲዝኒ ኣብ ትዊተሩ ኣድንቖቱ ኣስፊሩ።
ተዋሳኣይ ፖል ፌይግ ብወገኑ፡ ኣብ ተኸታታሊ ፊልም 'ሳብሪና ዘ ቲነጅ ዊች’ ምስኣ ምዕያዩ ከም ዘሐጎሶ ገሊጹ።
"ሕያወይቲ፡ መስሓቕን ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ንእስነተይ ዝፈትዋ ዝነበርኩ ሓቀኛ ኾኸብ" ክብል ጽሒፉ። ወሲኹ'ውን፡ "ሓቀኛ ዋዕሮ ስኢንና ኣለና" ብምባል ሓዘኑ ገሊጹ።
ራኪየል ዌልች፡ ንወዳ ዳሞን ዌልችን ንተዋሳኢት ጓላ ላታን "ታህኒ" ዌልችን ገዲፋ ካብዛ ዓለም ተፈልያ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







