ፍሉጣት ሰባት ስለምንታይ ዘቘጥዕ ክዳውንቲ ይኽደኑ?

ዛራ ላርሰን ዝተነቐፈትሉ ክዳን ኣብ ቲክቶካ ተዘርጊሑ

ምንጪ ስእሊ, ZARA LARSSON/TIKTOK

መግለጺ ስእሊ, ዛራ ላርሰን ዝተነቐፈትሉ ክዳን ኣብ ቲክቶክ ተዘርጊሑ

ፍሉጥ ሰብ እንተዄንካ፡ እንታይ ከም እትኽደን ምምራጽ ቀሊል ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ጽቡቕ ነገር፡ ምናልባት ዘመናዊ ወይ ሓሪፍ፡ ማራኺን ዘይርሳዕን ኣከዳድና ንምምራጽ ውፉይ ዝዀነ ጕጅለ ክህልወካ ይኽእል።

ሓደ ሓደ ግዜ ግን፡ ገለ ኣልባሳት ብዘይተደለየ ምኽንያት ዘይክርስዑ ይኽእሉ እዮም።

ሽወደናዊት ድምጻዊት ዛራ ላርሰን፡ ናይቲ ቡርዙም ብዝብል ዝፍለጥ ኖርወጃዊ ፕሮጀክት ሙዚቃ ዝዀነ ኣልበም ዘርኢ ቀምሽ ተኸዲና ምስተራእየት ትዅረት ማዕከናት ዜና ስሒባ።

እቲ ንዛራ ዘሕዝን ነገር፡ እቲ ፕሮጀክት ብኖርወጃዊ ሙዚቀኛ ክርስቲያን "ቫርግ" ቪከርነስ እዩ ዝምራሕ።

ንሱ ንናዚ ዝድግፉ ኣረኣእያታት ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ "ጸረ-ሴማዊን ጸላኢ ወጻእተኛታትን" ተባሂሉ'ውን ይጽዋዕ።

ቪከርነስ ንሓደ ተቐናቓኒኡ ብምቕታልን ኣብ ኖርወይ ኣብያተ ክርስቲያናት ሓዊ ብምንዳድን እውን ብማእሰርቲ ተፈሪዱ ነይሩ’ዩ።

ስለዚ ዛራ ዝተኸደነቶ ቀምሽ እወታዊ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ነቲ ቀምሽ ተኸዲና ኣብ ሓደ ናይ ሽልማት ምርኢት ክትቀርብ ኣብ ቲክቶክ ምስ ተረኣየት ተነቒፋ።

ዛራ፡ ብዛዕባ እቲ ምትእስሳር ከም ዘይትፈልጥን፡ እቲ ዲዛይን ሓሪፍ ስለ ዝመስል ከም ዝተመርጸን ገሊጻ።

"ዘሕዝን እዩ ነይሩ..." ክትብል እታ ጓል 25 ዓመት መንእሰይ ንሽወደናዊ ሕትመትማዕከን ሓበሬታ ኣፍቶንብላደት ተዛሪባ።

እቲ ክዳን ናይ ቡርዙም ሸቐጥ ከም ዘይኮነን ብቤልጅየማዊ ፋሽን ዲዛይነር ራፍ ሲሞንስ ከም ዝተሰርሐን’ውን ሓቢራ።

ሕፍረት 'ካትዎክ'

ዛራ ምስቶም ብኽዳውንቶም ዝተነቐፉ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ተጸንቢራ።

ኣብ ነሓሰ 2022፡ ቲክቶከር ኣዲሰን ሬይ ብፕዪንግ ዝተሰርሐ ቅድስቲ ስላሴ ዘመልክት ቢኪኒ (ንኣጥባትን ብልዕቲን ዝሽፍን መሐንበሲ ክዳን ደቂ ኣንስትዮ) ተኸዲና ተራእያ።

እቲ ጻዕዳ ቢኪኒ፡ አብቲ መሸፈኒ ሓደ ጡብ "ኣቦ"፡ ኣብቲ ካልኣይ "ወልድ"፡ ኣብቲ ንብልዕቲ ዝሽፍን ድማ "መንፈስ ቅዱስ" ዝብል ዝተጸሓፎ ነይሩ።

እዚ ድማ ካብ ገለ ክርስትያናት ቍጥዐን ነቐፋን ኣስዒቡላ፤ ብቃለ-ምርካስ ብሃይማኖት ምርኻስን ከሲሶምዋ።

ነዚ ስዒቡ ኣዲሰን፡ ነቲ ስእሊ ካብ ኢንስታግራም ኣልያቶ።

ኣብ 2014፡ ክሎይ ካርዳሽያን፡ ኣብቲ ድግስ ልደት ጓል ሓፍታ ኖርዝ ዌስት፡ ናይ ደቀባት ኣሜሪካውያን ናይ ውግእ ክዳን ተኸዲና ነይራ።

እዚ ድማ ንደቀባት ኣሜሪካውያን ኣቘጢዑ፤ ነቲ ከም ቅዱስ ዝርእይዎ ክዳን ከም መሳርሒ ፋሽን ምጥቃማ ተቓዊሞም።

ክሎይ፡ ኣብ ካልእ እዋን፡ ኒቃብ ተኸዲና ዘርኢ ስእሊ ለጢፋ፡ እዚ እውን ተቓውሞ ኣስዒቡ።

እዚ ኣከዳድና ሰሌና ጐመዝ ካብ ገለ ሰባት ነቐፌታ ረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እዚ ኣከዳድና ሰሌና ጐመዝ ካብ ገለ ሰባት ነቐፌታ ረኺቡ

ሰሌና ጐመዝ ኣብ ሽልማት ፊልም ኤምቲቪ ብዝተኸደነቶ ተነቒፋ፡ ገሊኦም ድማ እቲ ኣብ ግንባራ ዘሎ ኣቕሓ ኣብ ሂንዱ ሃይማኖታዊ ልምዲ እምበር መሳርሒ ፋሽን ከም ዘይኰነ ገሊጾም።

ሰሌና፡ እታ ‘ካም ኤንድ ገት ኢት’ እትብል ደርፊ "ዳርጋ ናይ ሂንዱ ስምዒት ኣለዋ" ብምባል፡ "ብዛዕባ እቲ ባህሊ ብዙሕ ተማሂረ እየ፡ ጽብቕቲ እያ ኢለ እሓስብ። ኣብቲ ምርኢት ምውህሃድ ዘዘናግዕ እመስለኒ" ኢላ።

ካቲ ፔሪ ነዚ ክትለብስ ከምዘይነበራ ተኣሚና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካቲ ፔሪ ነዚ ክትለብስ ከምዘይነበራ ተኣሚና

ብተወሳኺ ኣብ 2013 ካቲ ፔሪ ኣብ ሽልማት ሙዚቃ ኣሜሪካ ብዘይቅድመ ኵነት ብዘርኣየቶ ምርኢት ከም ጌሻ ተኸዲና ንባህሊ ጃፓን ብምምዝማዝ ቍጥዐ ፈጢራ።

ካቲ ዋላ ኣብቲ፡ ባህሊ ጃፓን ንምድናቕ ዝሓሰበቶ፡ "ኣብ ሓደ ምርኢት ጌጋ ፈጺመ። ሰባት ጌጋ ፈጺምኪ ክብሉ ክሳብ ዝሰምዕ ድማ ጌጋ ከም ዝፈጸምኩ ኣይፈልጥን ነይረ" ኢላ።

ፍሉጣት ሰባት ብኸመይ ክዳውንቶም ይመርጹ?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ቍጥዐ ዘለዓዕል ኣከዳድና ተኸዲኖም ተራእዮም እዮም። ንምዃኑ ሓደ ፍሉጥ ሰብ ክዳን ዝኽደነሉ መስርሕ እንታይ እዩ?

ስታይሊስት ፍሉጣት ሰባት ኣሌክስ ሎንግሞር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ፍሉጣት ሰባት ዝኸይድ መልክዕ ኣብ ምፍጣር፡ "ናይ ብሓቂ ነዊሕ መስርሕ" ከም ዘሎ ትገልጽ።

"ዝተፈላለዩ ፍሉጣት ሰባት ዝተፈላለየ መልክዕ ኣለዎም። ስለዚ ሙዚቀኛታት ወይ ኣብ ባንድ ዝርከቡ ሰባት፡ መንነቶም ኣዝዩ ዓቢ'ዩ" ትብል።

ዛራ፡ እታ ኣከዳድናኣ ምስ ቡርዙም ምትእስሳር ከም ዘለዎ ኣይፈልጥን ነይረ ትብል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዛራ፡ እታ ኣከዳድናኣ ምስ ቡርዙም ምትእስሳር ከም ዘለዎ ኣይፈልጥን ነይረ ትብል

ብፍላይ ኣዝዮም ፍሉጣት ከዋኽብቲ ምስ ዝህልዉ፡ ቅኑዕ መልክዕ ንምፍጣር፡ "ዓቢ ጸቕጢ" ከምዘሎ ትዛረብ።

"ፍሉይነት ክፈጥሩ ይደልዩ፡ ምዕቡላት ክዀኑ ይደልዩ፡ ዛንታ ክነግሩ ይደልዩን ኣርእስታት ዜና ክዀኑ ይደልዩን።"

ስታይሊስታት ምስ ስነጥበባውያን ከምኡ’ውን ምስ ኣካየድቲ ስራሕ ከም ዝሰርሑ ትዛረብ።

"ብዙሕ ምድላው ድማ ይደሊ፡ ምኽንያቱ ካልእ ሰብ ዝለበሶ ነገር ተኸዲኖም ክረኣዩ ኣይክእሉን።"

ብዛዕባ ንሰባት ከቘጥዑ ዝኽእሉ ነገራት ምውጋድ ብዝምልከት - ኣሌክስ ኣብ ተመኵሮኣ ተበጊሳ፡ ዝካየድ ሓቀኛ ምፍታሽ ከምዘየለ ትዛረብ።

"ብመሰረቱ ሓደ ሰብ [ኣብ ጉዳይ ዛራ] ዘይፈተሸ ይመስለኒ፡ ሓደ ካብቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎም ነገራት'ዩ።"

"ግን ቀሊል ጌጋ'ዩ። በቃ ብዝግባእ ኣይሓሰቡሉን።"