ህብብቲ ተዋሳኢት ክሪስቲ ኣለይ ኣብ 71 ዕድመኣ ዓሪፋ

ክሪስቲ ኣለይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክሪስቲ ኣለይ፡ እታ ብፍላይ ኣብ 1980ታትን 90ታትን ‘ቺርስ’ ኣብ ዝተባህለት ተኸታታሊት ኮሜዲ ፊልም ፍልጥቲ ተዋሳኢት ዝነበረት፡ ኣብ መበል 71 ዕድመኣ ብሕማም መንሽሮ ከም ዝዓረፈት ስድራቤታ ኣፍሊጦም።

"ነቲ ንምእማኑ ዘጸግም፡ ሞት ኣመና ፈቃር ኣደና ክንሕብረኩም ዓሚቝ ሓዘን እናተሰምዓና እዩ" ክብሉ ደቃ ጽሒፎም።

ክሪስቲ ኣብታ ህቡብቲ ተኸታታሊት ፊልም ቲቪ 'ቺርስ'፡ ከም ማናጀር ሓደ ባር ብምዃን ብዝተላበሰቶ ገጸ-ባህሪ ሽልማት ኤሚ ተዓዊታ እያ።

እታ ተወላዲት ዊቺታ ካንሳስ ዝዀነት ህብብቲ ተዋሳኢት፡ ኣብ ፊልምታት ‘ስታር ትረክ II’፡ ‘ዘ ራዝ ኦፍ ካሃን’፡ 'ድሮፕ ዴድ ጐርጀስ'ን ተኸታታሊ ፊልምታት ‘ሉክ ሁ’ስ ቶኪን’ እውን ተዋሲኣ እያ።

እቲ መግለጺ ስድራቤታ እንታይ ዓይነት መንሽሮ ከምዝሓመመት ኣይገለጸን፤ እንተዀነ "ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈልጠ" ምዃኑ የመልክት።

"ብመቕርባ ተኸቢባ ብዓቢይ ሓይሊ ተቓሊሳ እያ፤ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ምንባር ሓጐሳ ኸኣ ዝዀነ ይዅን ኣብ ቅድመና ዘሎ ንምስጋር ርግጸኛታት ክንከውን ዝመርሕ’ዩ" ክብል ኣስዒቡ።

"[ንሳ] ከምቲ ኣብ ስክሪን ዝቐመጠቶ ትእምርቲ፡ ኣብ ሂወታ’ውን እተገርም ኣደን ኣደዓባይን እያ ነይራ።"

ብተወሳኺ፡ "ንህይወት ዘለዋ ኒሕ፡ ንደቃ ንደቂ ደቃን ከምኡ’ውን ንብዙሓት እንስሳታታን ዝነበራ ፍቕሪን ንምፍጣር ዘልኣለማዊ ሓጐሳን" ንኢዶም።

ተዋሳእቲ ተኸታታሊ ፊልም ቲቪ 'ቺርስ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተዋሳእቲ ተኸታታሊ ፊልም ቲቪ 'ቺርስ'

ኣብ ተኸታታሊ ፊልም ሉክ ሁ’ስ ቶኪን ምስኣ ዝተዋስአ ስሙይ ተዋስኣይ ጆን ትራቮልታ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዘለዎ ክብሪ ንምግላጽ ኣብ ኢንስታግራም ለጢፉ።

"ክሪስቲ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ህይወተይ ፍሉይ ዝምድና ዝመስረቱ ሰባት እያ ነይራ። ኣነ የፍቅረኪ እየ ክሪስቲ" ክብል ኣብ ጐድኒ ስእላ ጽሒፉ።

"ዳግማይ ክንራኸብ ምዃንና እፈልጥ እየ፡" ከኣ ይብል ጆን ትራቮልታ

ክሪስቲ፡ ኣብታ ኣብ ሓደ ባር ቦስተን ዝተደኰነት ተኸታታሊት ‘ኵነታዊ ድራማ’ [sitcom] ተለቪዥን ኤንቢሲ፡ ረቤካ ሆወ ኰይና እያ ተዋሲኣ።

እዛ ፊልም፡ ኣብቲ ኣመና ልዑል ተቐባልነት ዝረኸበትሉ እዋን ዝተጸንበረታ ክሪስቲ፡ ኣብ 147 ምዕራፋት ብምውሳእ፡ ክሳብ’ቲ [እታ ፊልም] ዝተዛዘመትሉ 1993 ሰሪሓ እያ።

ኣብ 1993፡ “ዳቪድ’ስ ማዘር” ኣብ ዝብል ፊልም ተለቪዥን ሲቢኤስ ብተጻወተቶ መሪሕ ጠባይ እዋን፡ ንኻልኣይ ግዜ ሽልማት ኤሚ ተቐቢላ እያ።