እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ዘሎ ተደጋጋሚ ጭውያ ዜጋታት ዘሕደሮ ሻቕሎት
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙን ዝፍጸሙ ዘለዉን ጭውያ ዜጋታት (ጅሆ ምሓዝ) ካብቶም ህዝብን መራኸቢ ብዙሃንን ዝዛረቡሎም ቀንዲ ጉዳያት ኰይኖም ኣለዉ።
እቲ ሓሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝፍጸም ዝነበረ ጭውያ ሎሚ መልክዑ ቀይሩ ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት እታ ሃገር የጋጥም ከምዘሎ ዝገልጹ ሓበሬታታት ይወጹ ኣለዉ።
እዚ ገንዘብ ንምርካብ ብዝብል ካብ ሰራሕተኛታት ገዛ ክሳብ ብዕጡቓት ዝፍጸም ጭውያ ንብዙሓት ናብ ማሕበራውን ቍጠባውን ቅልውላው ክኣትዉ ገይሩ’ሎ።
ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንምውጻእ ድማ ክሳብ ሚልዮናት ብር ክኸፍሉ ዝተገደዱ ብዙሓት እዮም።
[ኣብዚ ጽሑፍ እዚ፡ ንድሕነት እቶም ሰብ ዛንታ ብዝብል መንነቶም ከቃልዑ ወይ ከመልክቱ ዝኽእሉ መብርሂታት ቀይርናዮም ወይ ኣውጺእናዮም ኣለና።]
ዛንታ ሓደ - ከተማ
ቅድሚ እቲ ጭውያ ቅሩብ መዓልታት ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ቀዳማይ በዓል ዛንታና ካብ ሓደ ዘይፈልጦ ቍጽሪ ተሌፎን ይድወሎ። "200 ሽሕ ብር ኣምጽእ" ዝብል ትእዛዝ ድማ ተዋህቦ። ፈለማ ዋዛ መሲልዎ ነይሩ። ዘይፈልጦ ሰብ’ዩ ደዊሉ “200 ሽሕ ኣዳሉ” ዝበሎ።
ንሱ፡ እሞ ከመይ ጌረ እየ እቲ ገንዘብ ክህበካ? [በለ እናዋዘየ]
ንሳቶም፡ ኣዳልዎ ጥራይ፤ ከመይ ጌርና ከም እንቕበለካ ንፈልጥ ኢና። [ትርር ብዝበለ ዘረባ]
ቈልዑ ከም ዝተጨውዩ ሰሚዑ ነይሩ’ዩ። ሓደ መንእሰይ ወዲ ተጨውዩ ገንዘብ በጃ ከፊሉ ከምዝተፈትሐ እውን ሓበሬታ ኣለዎ።
ገለ ሰባት ድማ “እቲ መንእሰይ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ገንዘብ ምስጠፍኦ በቶም ጨወይቲ ከም ዘመኽነየ” ክዛረቡ ሰሚዑ ነይሩ። እዚ ድማ እዩ ክዘናጋዕ ዝገበሮ።
እቶም ዝደወሉሉ ሰባት ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ገደብ ግዜ ሃብዎ። ንሱ ግን ዋዛ መሲልዎ ረስዖ። ንሳቶም ግን የባጭዉ ብዘይምንባሮም ኣይረስዕዎን።
ንሳቶም ሓበሬታ ነይርዎም’ዩ፤ ንሱ ግን ዝኾነ ሓበሬታ የብሉን። ኣታዊኡን ካልእ ምንጪ ገንዘቡን ኣፀቢቘም እዮም ዝፈልጡ። ብዛዕባኦም ግን ዝኾነ ሓበሬታ የብሉን።
ሻድሸይቲ መዓልቲ ቁሪን ድብንብን ዝበለትን ኰይና ጀመረት። ብዙሕ ሰብ ካብ ምዉቕ ዓራቱ ተሲኡ ኣብ ጐደናታት ክንቀሳቐሱ ኣይረኣዩን ነይሮም። ናብራ ዘገደዶም ውሑዳት ሰባት ጥራይ እዮም ናብዝን ናብትን ክብሉ ዝረኣዩ።
እቲ በዓል ዛንታ ካብ ገዛኡ ወጺኡ ቅሩብ ስጕምቲ ምስ ከደ ሓንቲ ኣምቡላንስ እትመስል መኪና መጺኣ ኣብ ጥቓኡ ደው በለት።
ሰባት ተጓዮም ካብ ውሽጢ እታ መኪና ብምውራድ 'ይቕሬታ! ይቕሬታ!' እናበሉ ብዳሕረዋይ ማዕጾ ናይታ መኪና ኣእተውዎ። እዚ ክኸውን ከሎ ግን ዝረኣየ ሰብ ኣይነበረን።
‘ኣውርዱኒ! ኣውርዱኒ!’ ኢሉ ክቃለስ ፈተነ። ድሒሩ ድማ ስለዝዓፈንዎ ምቅላሱ ኣቋረጸ። ሒዞምዎ ብኣፍደገ ገዛኡ ክሓልፉ ይዝክር።
ጸኒሑ ግን ውኒኡ ሰሓተ። ምስተበራበረ ግን ኣበይ ከምዘሎ ኣይፈልጥን። እቲ ዝሑል ኣየር ናብ ውዑይ ከባቢ ተቐይሩ ኣሎ። ካብ ምውቕ ገዛኡ ተወሲዱ ብዚንጐ ኣብ ዝተሰርሐ ገዛ ተዓጽወ። ድምጺ ኣዕዋፍን ቅዳሴ ቤተ ክርስቲያንን ጥራይ ካብ ቀረባ ርሕቐት ይስምዖ።
ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ድማ ናይ ኤቲኤም ካርዱ ወሰድዋ። ነቲ መሕለፊ ምስጢራዊ ቓል (password) ኣብ ወረቐት ክጽሕፍ’ዮም ኣገዲዶምዎ። መፍትሕ መንበሪ ገዛኡ ከምኡ’ውን ሓንቲ ካብ መፍትሕ መኪናኡ ተቐበልዎ።
ኣብታ መዓልቲ ዝበዝሐ ገንዘብ ካብ ገዛኡን ካብ ኤቲኤም ማሽንን ክወስዱ ወዓሉ። ካብኡ ዝጽበይዎ መጠን ገንዘብ ቅሩብ ጥራይ ተረፎም።
ንሳቶም፡ ዝተረፈ ገንዘብ ክኸፍል ይሓቱ፤
ንሱ፡ ስደዱኒ'ሞ ክኸፍል፡ ይብል።
ዝተረፈ ገንዘብ ክሳብ ዝመልእ ድማ ምስኦም መዓልታት ከሕልፍ ተገዲዱ።
ካብቶም መጀመርታ ብኣምቡላንስ ዝወሰድዎ ሰባት እቲ ሓደ ጥራይ እዩ ብረት ሒዙ ዝሕልዎ ነይሩ።
“ገጾም እንተዝርእዮም ምፈለኹዎም። ቅድሚኡ ግን ዝፈልጦም ሰባት ኣይኮኑን” ይብል።
ምስቶም ጨወይቲ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን እቶም ሰባት ምስ ዝዀነ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ዕጡቕ ሓይሊ ዝምድና ኣለዎም ኣብ ዝብል መደምደምታ ንኽበጽሕ ምኽንያት ኣይረኸበን።
ገለ ሰባት፡ ካብቶም ጨወይቲ ዝዛረብዎ ቋንቋ ብምብጋስ “ካብዚ ከባቢ እዮም” ክብሉ እኳ እንተፈተኑ፡ እዚ በዓል ዛንታ ግን ከምኡ ካብ ምባል ተዓቂቡ’ሎ። ኣምሓርኛን ኦሮምኛን እዮም ዝዛረቡ፤ ንሱ ድማ ክልቲኡ ቋንቋታት ክዛረብ ይኽእል እዩ።
"ዋላ ሓንቲ ትዅን ‘ከምዚ ኢኻ፡ ካብዚ ኢኻ’ ኣይበሉኒን። ብቐጥታ ብዛዕባ ገንዘብ እዮም ሓቲቶምኒ። ጉዳዮም ምስ ገንዘብ ጥራይ ዝተኣሳሰር እዩ። ምስ ፖለቲካ ዝራኸብ ኣይኮነን። ገንዘብን ገንዘብን ጥራይ እዮም ሓቲቶምኒ" ክብል ይገልጽ።
ኣባላት ፖሊስን ሰበስልጣንን ግን ይድውሉሎም ነይሮም።
እቶም ንመዓልታት ካብቲ ጅሆ ክሰድዎ ዘይደለዩ ጨወይቲ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ገጹ ሸፊኖም ኣብ መእተዊ ካልእ ከተማ ገዲፎሞ ከዱ።
ክፈትሕዎ ከለዉ መጠን ደም ወሪዱ ነበረ። ንዓሰርተ መዓልቲ ጅሆ ሒዞም ኣብ ዝዳጐንዎ እዋን ባንን ባናናን ጥራይ እዮም ዝህብዎ ነይሮም። ንውሑዳት መዓልታት ጥራይ እዩ ማይ ረኺቡ። እዚ ተደራሪብዎ እዩ ደሙ ክወርድ ዝገብሮ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ድኻም ኰይኑ’ውን ንዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ካብ ምሃብ ኣይሰነፈን። ብድሕሪ እቲ ጭውያ ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር’ዩ ሰሚዑ። ገሊኦም ጅሆ ከምዝተትሓዘ ክዛረቡ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ሩባ ከይተረፈ ይደልይዎ ነይሮም።
ኣብ መደበር ፖሊስ ምስ በጽሐ ከኣ ብሰንኩ ብዙሓት ሰባት ተኣሲሮም ጸንሕዎ። ተጨውዩ እንተዀይኑ ብዝብል ምስኡ ርክብ ዝነበሮም ሰባት’ዮም ተኣሲሮም።
እቶም ጅሆ ዝሓዝዎ ሰባት ምስ ፈታሕዎ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ዝዀነ ሓበሬታ ከይህብ ኣጠንቂቘምዎ’ዮም። ዳግማይ እንተረኺቦምዎ ክቐትልዎ ምዃኖም’ውን ኣፈራሪሖምዎ።
“ንዓይ ጥራይ እዮም ኣፈራሪሖምኒ። ብዛዕባ ገንዘብ ጥራይ እዮም ኣዛሪቦምኒ። ‘ኣብ ዝሃለኻ ሃሉ ክንመጽእ ኢና!’ ኢሎምኒ" ይብል።
በዚ ምኽንያት ድማ ካብታ ዝተለቐቐላ ሰዓት ጀሚሩ ብጥንቃቐ ይነብር ኣሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋላ ሓደ ነገር ከይሓዘ ካብታ ከተማ ወጺኡ ኣሎ። ዝፈልጦም ሰባት ካብታ ከተማ ክድውሉሉ ከለዉ እውን ተሌፎን ኣየልዕልን። ንዘይፈልጦ ተሌፎን መልሲ ኣይህብን። ከቢድ ልቦናዊ ስንባደ ከም ዘጋጠሞ ይዛረብ።
ዛንታ ክልተ - ገጠር
ኣቦ 10 ቈልዑ ኣቶ ጫሊ ዋቅወያ ነባሪ ምዕራብ ሸዋ ክልል ኦሮምያ እዮም።
ቢቢሲ ካብታ ካብ ዋላ ሓደ ነገር ከይሓዙ ካብ ገዛኦም ተሰዲዶም ዝርከቡሉ ንእሽቶ ከተማ እዩ ኣዘራሪብዎም።
ፈተና ህይወቶም ኣብ ሓንቲ ምሸት እዩ ጀሚሩ። “ብሰላም ኣሕድረኒ” ኢሎም ኣብ ዝደቀሱላ ምሸት ዕጡቓት ኣፍደገ ገዛኦም በጽሑ።
ሽዑ እቶም ወላዲ ኣብ ቅድሚኦም ንዝረኸብዎ በትሪ ኣልዒሎም ንነብሶምን ንስድራቤቶምን ክከላኸሉ ፈተኑ። እቶም ብምሸት ዝመጽኡ "ኣጋይሽ" ግን ጠበንጃ ዝዓጠቝ ብምንባሮም ኣይከኣሉን።
“ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢና ኢሎምኒ። ቍኑናት እዮም። ካብቶም ናይቲ ከባቢ ሸፋቱ ፍልይ ዝበሉ እዮም። ካብኣቶም ሓደ ጥራይ ሽጉጥ ዝሓዘ ክኸውን ከሎ እቶም ካልኦት ሽዱሽተ ግን ካላሽንኮቭ ዝተዓጠቝ ነይሮም። በዚ ድማ እየ ንሳቶም [ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ] ምዃኖም ፈሊጠ" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እቲ ስዒቡ ዝቐረበሎም ሕቶ፡ “ገንዘብ ኣምጽእ!” ዝብል እዩ ነይሩ።
"100 ሽሕ ብር ኣምጽእ ኢሎምኒ። ኣነ ድማ 'ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ የብለይን' በልክዎም። ሽዑ 'እንተዘይደሊኻ ርእስኻ ክንብትኖ ኢና' ኢሎምኒ" ብምባል ነቲ ክስተት ይዝክሩ።
እቶም ዕጡቓት ንኣቶ ጫሊ ‘ምልሻ ኔርካ፤ ንመናእሰይ እቲ ከባቢ ኣሳቒኻ’ ዝብል ክሲታት’ኳ እንተቕረቡሎም፡ ንሶም ግን "ኣነ ግን ከምኡ ኣይገበርኩን" ዝብል መልሲ ነቶም ዕጡቓት ከምዝሃብዎም ይዛረቡ።
ብዙሓት ቈልዑ ዘለውዋ ስድራ ከምዝመርሑን ዝሕግዞም ከምዘየለን ብምግላጽ ደጋጊሞም ክልምንዎም ፈተኑ። እቶም ዕጡቓት ግን ንምሕጽንታኦም ብዘይምስማዕ ምስ ካልኦት ጅሆ ዝተታሕዙ ኣስታት 10 ሰባት ኣኪቦም ካብቲ ከባቢ ተሰወሩ።
እቶም ዕጡቓት እቲ ገንዘብ እንተዘይተኸፊልዎም ክቐትልዎም ምዃኖም ብተደጋጋሚ የፈራርሕዎም ነይሮም። መልእኽቲ ናብ ስድራኦም ስለዝተለኣኸ ድማ ኣባላት ስድራኦም ገንዘብ ምትእኽኻብ ጀመሩ።
በዓልቲ ቤት ኣቶ ጫሊ ሽዑ ሕምምቲ’ኳ እንተነበረት፡ ህይወት በዓልቤታ ንምድሓን ግን ካብ ስድራን ጐረባብትን ገንዘብ ክትእክብን ክትልቃሕን ጀመረት። ዝነብርዎም ኣብዑር ተሸጡ፤ ግን ድማ ዝተሓተተ 100 ሽሕ ብር ክመልኣሎም ኣይከኣለን።
ኣብ መጀመርታ 75 ሽሕ ብር ክትእክብ እኳ እንተኸኣለት፡ እቶም ዕጡቓት ግን ዝሓተትዎ መጠን ገንዝብ ክመልእ እንተዘይክኢሉ ‘ኣይንቕበልን’ ስለዝበሉ፡ ንገለ ክፋል መሬቶም ከካርዩን ንገሊኡ ክሸጡን ተገደዱ።
እታ ስድራ ንኣቶ ጫሊ ሓራ ንምውጻእ ዝነበራ ኵሉ ጸንቂቓ ኣውጺኣ እቶም ዕጡቓት ዝሓተትዎ ገንዘብ ምስ ከፈለት፡ እቶም ወላዲ ተፈቲሖም ናብ ገዛኦም ተመሊሶም።
"እቶም ጨወይቲ ኦሮሞ ወይ ኣምሓራ ኣይብሉን፤ ንዅሉ እዮም ዝወስዱ" ዝብሉ ኣቶ ጫሊ፡ እቲ መጠን ገንዘብ ይፈላለ እምበር ንነበርቲ እቲ ከባቢ እናጨወዩ ከምዘኽፍልዎም ይገልጹ።
እቶም ወላዲ ካብ ጫውያ ነጻ ወጺኦም ናብ ዓዶም እንተተመለሱ’ውን እቲ ጸገም ግን በዚ ኣይተዛዘመን።
እቶም ዕጡቓት ገንዘብ ድሕሪ ምውሳዶም ኣብቲ ከባቢ 11 ሰባት ከምዝቐተሉ ብምሕባር፡ "ኣነ'ውን ንህይወተይ ስለዝፈራሕኩ ምስ ስድራይ ናብ ከተማ ሃዲመ" ኢሎም።
እቲ ኣብታ ምሸት ዝጀመረ ጭውያ ብዕራይን ፍርቂ ግራቶምን ክሸጡ ኣገዲዱ ንፍርቂ ካብ ግራቶም ድማ ከካርዩ ገይሩ ካብ ገዛኦም ብምፍንቓል ጥራይ ክዛዘም ኣይከኣለን።
እቶም ዕጡቓት እናደወሉ ከምዝቐትልዎም ስለዘፈራርሕዎም ኣብቲ ዝሃደሙሉ ቦታ ኮይኖም እውን ውሕስነት ኣይስምዖምን።
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ እቲ ዓጽዮምዎ ዝኸዱ ገዛኦም ብዕጡቓት ከምዝተቓጸለ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣቶ ጫሊ፡ "ኣብዚ እዋን ደቀይ ዝኽደንዎ ስኢኖምን ጠሚዮምን ኣብ ጸገም ወዲቘም ኣለዉ" ዝብሉ እቶም ወላዲ ዘመሓድርዎ ምሉእ ስድራ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኵነታት ከምዝርከቡ ብሓዘን ገሊጾም።
ፖሊስ እንታይ ይብል?
እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ካብ ገጠር ናብ ከተማታት ስፍሓቱ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተግባር ጭውያ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ቀንዲ ስግኣት ድሕነት ዜጋታት ኰይኑ ኣሎ።
መንግስቲ ፈደራል ኮነ እቲ ተግባር ብተደጋጋሚ ኣብ ዝፍጸመለን ክልላት ዘለዉ ሰበስልጣን ብዛዕባ እዚ ኣሻቓሊ ጉዳይ ብዙሕ ክዛረቡ ኣይስምዑን።
ስለዚ ኣባላት ስድራ ናይቶም ጅሆ ዝትሓዙ ሰባት ዘለዎም እንኮ ኣማራጺ፡ ንብረቶምን ጥሪቶምን ሸይጦም ወይ ተለቂሖም ነቲ ዝተሓተትዎ ገንዘብ ብምኽፋል ክፍትሑ ምግባር እዩ።
ቢቢሲ ኣብ ኮምሽን ፖሊስ ፈደራል ዳይሬክተር ኮሚዩኒኬሽን ንዝዀነ ኣቶ ጄላን ዓብዲ ብዛዕባ እዞም ፍጻመታት ሓቲቱ ነይሩ።
እዚ ጉዳይ ጥንቃቐ ከምዘድልዮ ዝሓበረ ኣቶ ጄላን፡ "ንኣብነት ኦነግ ሸኔ ኣብ ቀረባ እዋን ነዚ ተግባር ፈጺሙ'ሎ። ንመራሕቲ መካይን እዮም ዓጊቶም። ስለዚ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዘጋጥም ጸገማት ክህሉ ይኽእል እዩ” ኢሉ።
[ቢቢሲ ኣብ ጉዳይ ወዶም ካብ እቶም ዝተጨውዩ መራሕቲ መካይን ዝነበረ ሓደ ኣቦ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን 'ህይወት ወደይ ብሓደ ሚልዮን ብር ገዚአዮ' ምባሎም ይዝከር]
ኣቶ ጄላን ወሲኹ፡ "እዞም ሸፋቱ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ይዅን ፖሊስ ገጽ ንገጽ ኣይኰኑን ዝታኾሱ ዘለዉ። ተሓቢኦም እዮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሽግር ዝፈጥሩ። ነዚ ምስ ህዝቢ ኴንና ኢና ክንከላኸሎ ንኽእል። ፖሊስ ንበይኑ ነዚ ኵሉ ክገብር ኣይክእልን'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ’ሎ።
ይዅን እምበር ተግባራት ጭውያ ከምዝወሰኸ ዝገልጽ ሓበሬታን መደምደምታን ከምዘየለ ዝገልጽ እቲ ዳይረክተር፡ "በብእዋኑ ናብ ፖሊስ ዝበጽሕ ጸብጻባት ኣሎ። ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ወሲኹ’ዶ ኣይወሰኸን ዝብል እንተገምጊምና ድማ ዝወሰኸ ነገር ኣይረኣናን። ሰባት ብግምት ገበን ወሲኹ ክብሉ ይኽእሉ እዮም። ሓፈሻዊ ኵነታት እታ ሃገር እንተርኢና ገበን እናነከየ ይኸይድ እዩ ዘሎ” ክብል ይምጕት።
እቲ ብቐጻሊ ዝስማዕ ጭውያን ሕቶ ክፍሊት ገንዝብን ኣብ ኣየኖት ክልላት ይኸውን ብስፍሓት ዝፍጸም ዘሎ? ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ ኣቶ ጄላን፡ "ብደረጃ ክልላት ኣብዚ ወሲኹ ወይ ኣብቲ ነክዩ ዝብል ኣይተጸንዐን። ብሓፈሻ ግን ወሰኽ ጭውያ ተራእዩ ዝብል ሓሳብ የብለይን። ትንተና መረዳእታ ክበጽሓና ይግባእ። ናብቲ ደረጃ ንምብጻሕ ከኣ ገና ጸብጻብ ይዳሎ እዩ ዘሎ" ክብል መልሲ ሂቡ።
ወሲኹ "እንተዀነ ኣብቲ ኦነግ ሸኔ ዝንቀሳቐሰሉ መስመር ወልጋ ንዘሎ ኩነታት [ስግኣት] ህዝቢ ይፈልጥ'ዩ። ስለዚ ሰባት ክንቀሳቐሱ ከለዉ ስቕ ኢሎም ኣብ ክንዲ ምኻድ ካብ ኣካላት ጸጥታ ሓበሬታ ክወስዱ ይግባእ። ብፍላይ ኣብቲ ኦነግ ሸኔ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢታት ምንቅስቓስ ልክዕ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ዘወርቲ መኻይን ዘጋጠመ ሓደጋ ከጋጥሞም ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
ብመንጽር ሓለዋ ድሕንነት ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ንዝቐረብ ጥርዓን ምላሽ ዝሃበ ዳይሬክተር ኮምዩኒኬሽን ኮሚሽን ፖሊስ ፈደራል ኣቶ ጄላን "ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ክስተታት ተመስሪትካ ሰላም የለን ኢልካ ምድምዳም ኣይከኣልን። ፖሊስ ለይትን መዓልትን እዩ ዝደክም ዘሎ። ገበናት ከኣ ኣብ ዝዀነት ሰላማዊት ሃገር ይፍጸም እዩ" ክብል እቲ ጸገም ካብ ቍጽጽር ዝወጽአ ከምዘይኰነ ይዛረብ።